ዓለም
28 ፍቕድታት25ትግርኛሮሜ 12:2
2እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ምስዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰል።
1ኛ ዮሐ 2:15
15ንዓለምን ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎን ኣይትፍቀር። ንዓለም ዘፍቅር እንተሎ ፍቕሪ ኣቦ ኣብኡ የላን ።
ቲቶ 2:11-12
ዮሐ 16:33
33ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኺህልወኩም ኢለ እዚ ነጊረኩም ኣለኹ። ኣብ ዓለም ጸበባ ክህልወኩም እዩ፡ ግናኸ ኣጆኹም። ንዓለም ስዒረያ ኣለኹ።
ማር 8:36
36ንሰብ ንብዘላ ዓለም እንተ ረኺቡ፡ ኣብ ነፍሱ ድማ እንተ ጕድኣት እንታይ ይጠቕሞ፧
1ኛ ጢሞ 6:7-8
1ኛ ዮሐ 2:17
17ዓለምን ትምኒታን ትሓልፍ እያ፣ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
ማር 16:15
15ንሱ ድማ፡ ናብ ብዘላ ዓለም ኪዱ፡ ንዅሉ ፍጡር ድማ ወንጌል ስበኹ በሎም።
ያዕ 4:4
4ኣመንዝራውያንን ኣመንዝራታትን፡ ዕርክነት ዓለም ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሽዑ ፈታዊ ዓለም ክኸውን ዝደሊ ጸላኢ ኣምላኽ እዩ።
1ኛ ዮሐ 5:4
4ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ እዩ እሞ፡ እቲ ንዓለም ዚስዕራ ዓወት እዚ እዩ፡ ማለት እምነትና እዩ።
2ኛ ቆሮ 10:3
3ብስጋ እኳ እንተ ተመላለስና፡ ደድሕሪ ስጋ ኣይንቃለስን ኢና።
1ኛ ዮሐ 3:1
1እንሆ፡ ኣቦ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ዘርኣየና፡ ደቂ ኣምላኽ ክንብሃል ከም እንኽእል፤ ስለዚ ዓለም ስለ ዘይፈለጠቶ ኣይትፈልጠናን እያ።
ዮሐ 14:27
27ሰላም እገድፈልኩም ኣለኹ፡ ሰላመይ እህበኩም ኣለኹ። ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰንኩን ዝህበኩም። ልብኻ ኣይትጨነቕ፡ ኣይትፍርህ።
1ኛ ዮሐ 2:16
16ኣብ ዓለም ዘሎ ዅሉ፡ ትምኒት ስጋን ትምኒት ኣዒንቲን ትዕቢት ህይወትን፡ ካብ ኣቦ ኣይኰነን፡ ካብ ዓለም እዩ እምበር።
1ኛ ቆሮ 1:28-29
ዮሐ 3:16
16ኣምላኽሲ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኽሳዕ ዝሃቦ፡ ንዓለም ኣዝዩ ኣፍቀራ።
1ኛ ቆሮ 3:18
18ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይታለል። ካባኻትኩም ኣብዛ ዓለም ጥበበኛ ዝመስሎ እንተሎ፡ ለባም ምእንቲ ኪኸውን፡ ዓሻ ይኹን።
ዮሐ 8:12
12ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ዘበለ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይኪመላለስን እዩ።
ማቴ 16:26
26ንሰብ ንብዘላ ዓለም እንተ ረኺቡ፡ ኣብ ነፍሱውን እንተ ጕድኣት እንታይ ይጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ ኣብ ክንዲ ነፍሱ እንታይ ክህብ እዩ፧
ሮሜ 1:20
20እቲ ዘይርአ ነገራቱ ኻብ ፍጥረት ዓለም ኣትሒዙ በቲ እተፈጥረ ነገራት፡ ማለት በቲ ዘለኣለማዊ ሓይሉን ብኣምላኽነቱን ብንጹር ኪርአ ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ ብዘይ ምኽንያት ይኾኑ፤
ዳዊ 31:19
19ኣየ፡ ነቶም ዚፈርሁኻ እተቐበልካዮ ሰናይነትካ ክንደይ ዓብዪ እዩ። ነቶም ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዝውከሉኻ ዝገበርካዮ!
1ኛ ዮሐ 2:2
2ንሱ ድማ ንሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፣ ንሓጢኣትና ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሓጢኣት ኵላ ዓለም እውን እዩ።
1ኛ ዮሐ 5:5
5እቲ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዓለም ዚስዕራ መን እዩ፧
ያዕ 1:27
27ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይርከስን ሃይማኖት እዚ እዩ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ ጸበባኦም ምብጻሕን ካብ ዓለም ርስሓት ዘይብሉ ምሕላውን እዩ።
2ኛ ጴጥ 1:4
4ካብቲ ብፍትወት ኣብ ዓለም ዘሎ ብልሽውና ኣምሊጥኩም፡ በዚ ኸኣ ተማቐልቲ መለኮታዊ ባህርይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ብእኡ ኣዚዩ ዓብዪን ክቡርን ተስፋታት ተዋሂቡና ኣሎ።