ህጻናት
20 ፍቕድታት19ትግርኛዘጸ 20:12
12ኣብታ የሆዋ ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ መዓልትኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ንኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
ዘዳ 12:28
28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሰናይን ቅኑዕን እንተ ገበርኩም፡ ንዓኻን ብድሕሬኹም ደቅኹምን ንዘለኣለም ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነኩም፡ ነዚ ዅሉ እዚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ቓላት ኣስተውዕሉን ስምዑን።
ዳዊ 103:17
17ምሕረት እግዚኣብሄር ግና ነቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለዓለም ክሳዕ ዘለኣለም፡ ፍትሑ ድማ ንደቂ ውሉድ እዩ።
ዳዊ 127:3
3እንሆ፡ ውሉድ ርስቲ እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ማህጸን ኣደ ድማ ዓስቡ እዩ።
ምሳ 1:8
8ወደይ፡ ተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ሕጊ ኣዴኻውን ኣይትሕደግ።
ምሳ 4:1
1ደቀይ፡ መምርሒ ኣቦ ስምዑ፡ ምስትውዓል ክትፈልጡ ክትመሃሩ ድማ ኣስተውዕሉ።
ምሳ 6:20
20ወደይ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ሕጊ ኣዴኻውን ኣይትሕደግ።
ምሳ 10:1
1ምስላ ሰሎሞን። ለባም ወዲ ንኣቦ የሐጉሶ፡ ዓሻ ወዲ ግና ጾር ኣዲኡ እዩ።
ምሳ 13:22
22ሕያዋይ ሰብ ንደቁ ርስቲ ይገድፈሎም፣ ሃብቲ ሓጥእ ድማ ንጻድቃን ይኽዘን።
ምሳ 13:24
24እቲ በትሩ ዝሓረየ ንወዱ ይጸልኦ። እቲ ዘፍቅሮ ግና ብግዜ ይቐጽዖ።
ምሳ 15:20
20ለባም ወዲ ንኣቦ የሐጕሶ፡ ዓሻ ግና ንኣዲኡ ይንዕቕ።
ምሳ 17:6
6ደቂ ደቂ ኣኽሊል ኣረጋውያን እዮም፤ ክብሪ ውሉድ ድማ ኣቦታቶም እዮም።
ምሳ 20:7
7ጻድቕ ብቕንዕናኡ ይመላለስ። ደቁ ብድሕሪኡ ይባረኹ።
ምሳ 22:6
6ንቘልዓ በቲ ዚኸዶ መገዲ ምሃሮ፣ ምስ ኣረገ ኸኣ ካብኣ ኣይምለስን እዩ።
ምሳ 23:13-14
ምሳ 23:24
24ኣቦ ጻድቕ ኣዝዩ ኪሕጐስ እዩ፣ እቲ ለባም ውላድ ዚወልድ ድማ ብእኡ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።
ማቴ 18:10
10ሓደ ኻብዞም ንኣሽቱ ንኸይትነዓቕ ተጠንቀቕ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ወትሩ ይርእዩ ከም ዘለዉ እብለኩም ኣለኹ።
ማቴ 19:14
14የሱስ ግና፡ መንግስቲ ሰማይ ንኸምዚኦም እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ፍቐደሎም፡ ናባይ ከይመጹ ኣይትኽልክሎም።
ሉቃ 9:48
48ንሱ ድማ በሎም፦ ነዚ ንእሽቶ ቈልዓ ብስመይ ዚቕበል ዘበለ ዅሉ ይቕበለኒ እዩ። ንዓይ ዝቕበል ዘበለ ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበሎ፤ እቲ ኣብ መንጎ ኲላትኩም ዝነኣሰ ንሱ ዓብዪ ኪኸውን እዩ።