1(ዳዊት ሰሎሞን።) እግዚኣብሄር ነታ ቤት እንተ ዘይሰርሓ፡ እቶም ዝሃንጽዋ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ነታ ከተማ እንተ ዘይሓለዋ፡ እቲ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2ኣንጊህካ ተንሲእካ፡ ደንጉኻ ኮፍ ምባል፡ እንጌራ ሓዘን ክትበልዕ ንኸንቱ እዩ። ከመይሲ ንፍቑሩ በዚ ኸምዚ የድቅሶ።
3እንሆ፡ ውሉድ ርስቲ እግዚኣብሄር እዮም፡ ፍረ ማህጸን ኣደ ድማ ዓስቡ እዩ።
4ከምቲ ፍላጻ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ፤ ደቂ ንእስነት እውን ከምኡ።
5እቲ መንጠልጠሊኡ ብእኦም ዝመልአ ሰብ ሕጉስ እዩ። ኣብ ኣፍ ደገ ንጸላእቲ ክዛረቡ እምበር፡ ሓፊሮም ኣይኪቐውሙን እዮም።