ምስማዕ
26 ፍቕድታት25ትግርኛያዕ 1:19
19ስለዚ ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ኩሉ ሰብ ቀልጢፉ ክሰምዕ፡ ምዝራብ ደንጉዩ፡ ንቑጥዓ ደንጉዩ።
ሉቃ 11:28
28ንሱ ግና፡ እወ፡ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዑን ዚሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
ያዕ 1:22
22ግናኸ፡ ንርእስኹም እናኣታለልኩም፡ ሰማዕቲ ጥራይ ዘይኰኑ፡ ገበርቲ ቓል ኩኑ።
ኤር 33:3
3ጸውዑኒ፡ ኣነ ድማ ክምልሰልኩምን ዘይትፈልጥዎ ዓበይትን ሓያላትን ነገራት ከርእየኩም እየ።
1ኛ ዮሐ 5:14
14ከም ፍቓዱ ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ ኸም ዚሰምዓና እቲ ኣብኡ ዘሎና እምነት እዚ እዩ።
ኤር 29:12
12ሽዑ ኽትጽውዑኒ፡ ኪዱ ናባይ ክትጽልዩኒ ኢኹም፡ ኣነውን ክሰምዓኩም እየ።
ምሳ 16:20
20እቲ ንጕዳይ ብጥበብ ዚሕዞ፡ ነቲ ሰናይ ኪረክብ እዩ። እቲ ብእግዚኣብሄር ዚውከል ድማ ሕጉስ እዩ።
ዳዊ 116:1-2
ማቴ 7:24
24ስለዚ ነዚ ዘረባይ ሰሚዑ ዝፍጽሞ ዘበለ ዅሉ፡ ምስቲ ኣብ ከውሒ ቤቱ ዝሰርሐ ለባም ሰብኣይ ከነጻጽሮ እየ።
ፊል 4:9
9ነቲ ኣባይ እተማሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ዝረኣኹምዎን ነገር ግበሩ፣ ኣምላኽ ሰላም ከኣ ምሳኻትኩም ኪኸውን እዩ።
1ኛ ዮሐ 5:15
15ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና እንተ ፈሊጥና፡ እቲ ኻብኡ ዝደለናዮ ልመና ኸም ዘሎና ንፈልጥ ኢና።
ዳዊ 18:6
6ኣብ ጭንቀተይ ንእግዚኣብሄር ጸዊዐ፡ ንኣምላኸይውን ጸዊዐ። ካብ ቤተ መቕደሱ ድምጸይ ሰምዐ፡ ኣውያተይ ድማ ኣብ ቅድሚኡ፡ ናብ ኣእዛኑ ወጸ።
ራእ 3:20
20እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ እዅሕኳሕ። ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ከፊቱ፡ ኣነ ናብኡ ኣትየ ምስኡ ክድረር፡ ንሱ ድማ ምሳይ።
ምሳ 10:17
17ተግሳጽ ዚሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ ዘሎ፣ እቲ መግናሕቲ ዚኣቢ ግና ይጠፍእ እዩ።
ሮሜ 10:17
17እምበኣር እምነት ካብ ምስማዕ፡ ምስማዕ ድማ ብቓል ኣምላኽ እዩ።
ሐሥ 16:25
25ፍርቂ ለይቲ ጳውሎስን ሲላስን ድማ ንኣምላኽ ጸሎት እናዘመሩ፡ እቶም እሱራት ድማ ሰምዕዎ።
ዳዊ 5:3
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ንግሆ ድምጸይ ክትሰምዕ ኢኻ። ንግሆ ጸሎተይ ናባኻ ኣቕኒዐ ንላዕሊ ክጥምት እየ።
ሚል 2:2
2እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ንስመይ ንምኽባር ድማ ኣብ ልብኹም እንተ ዘይሓዝኩም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ መርገም እኳ ክሰደልኩም እየ፡ ንበረኸትኩምውን ክረግሞ እየ፡ እወ፡ ድሮ ረጊመ ኣለኹ ኣብ ልብኻ ስለ ዘይትሕዞ፡ ረገምካዮም።
ምሳ 6:20
20ወደይ፡ ትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ሕጊ ኣዴኻውን ኣይትሕደግ።
ዘዳ 13:4
4ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተመላለሱ፡ ንዕኡውን ፍርሁ፡ ትእዛዛቱ ሓልዉ፡ ድምጹውን ስምዑ፡ ኣገልግሉዎን ተጣበቑሉ።
ማቴ 18:15
15ሓውካ እንተ በደለካ ድማ፡ ኪድ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎኡን ጥራይ ዘለዎ በደል ንገሮ። እንተ ሰሚዑካ ንሓውኻ ተዓዊትካ ኣለኻ ማለት እዩ።
ዳዊ 34:15
15ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን እየን፣ ኣእዛኑውን ንጻድቃን ጭርሖኦም ይኽፈታ።
ማቴ 4:4
4ንሱ ግና ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ ሰብ ብእንጌራ ጥራይ ኣይኰነን ዚነብር፣ ብኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኵሉ ቓል እዩ ዚነብር።
ገላ 3:5
5እቲ ንመንፈስ ዜገልግለኩምን ኣብ ማእከልኩም ተኣምራት ዚገብርን፡ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብእምነት ምስማዕ እዩ ዚገብሮ፧
ሉቃ 12:3
3ስለዚ፡ እቲ ኣብ ጸልማት እተዛረብካዮ ዅሉ ኣብ ብርሃን ኪስማዕ እዩ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ብእዝኒ እተዛረብካዮ ድማ ኣብ ርእሲ ኣባይቲ ኺእወጅ እዩ።