ስራሕ
24 ፍቕድታት21ትግርኛምሳ 16:3
3ግብሪኻ ንእግዚኣብሄር ግደፎ፡ ሓሳብካውን ኪጸንዕ እዩ።
ቆላ 3:23-24
1ኛ ቆሮ 16:14
14ኩሉ ነገርካ ብፍቕሪ ይኹን።
1ኛ ቆሮ 15:58
58ስለዚ ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ንኸንቱ ከም ዘይኰነ ስለ እትፈልጡ፡ ጽኑዓት፡ ዘይንቀሳቐሱ፡ ወትሩ ኣብ ዕዮ እግዚኣብሄር ተበዝሑ።
ምሳ 10:22
22በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ኣብ ልዕሊኡውን ሓዘን ኣይውስኸሉን እዩ።
ምሳ 12:24
24ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ ሰነፋት ግና ግብሪ ይኽፈሉ።
ቆላ 3:17
17ብቓል ይኹን ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ብስም ጐይታ የሱስ ግበሩ፡ ንኣምላኽን ኣቦን ድማ ብእኡ ኣመስግኑ።
ምሳ 13:11
11ብከንቱነት ዚርከብ ሃብቲ ኪንኪ እዩ፣ እቲ ብጻዕሪ ዚእክብ ግና ይውስኽ።
ዳዊ 90:17
17ጽባቐ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ ግብሪ ኣእዳውናውን ኣብ ልዕሌና ኣጽንዕ። እወ ስራሕ ኣእዳውና የረጋግጾ።
2ኛ ቆሮ 9:8
8ኣምላኽ ድማ ኵሉ ጸጋ ኼብዝሓልኩም ይኽእል እዩ። ንስኻትኩም ኵሉ ሳዕ ብዅሉ እኹላት ዝዀንኩም፡ ኣብ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኽትበዝሑ።
2ኛ ዮሐ 1:8
8ምሉእ ዓስቢ ኽንረክብ ደኣ እምበር፡ ነቲ ዝገበርናዮ ከይንስእኖ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
2ኛ ጢሞ 2:15
15ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተፈቲንካ፡ ምሕፋር ዘየድልዮን ንቓል ሓቂ ብግቡእ ዚመቓቕልን ሰራሕተኛ ምዃን ተማሃር።
ማቴ 6:26
26ኣዕዋፍ ሰማይ ርኣዩ፣ ኣይዘርኡን ኣይዓጽዱን ኣብ ኣጉዶ ኣይእከቡን እዮም። ሰማያዊ ኣቦኻ ግና ይምግቦም እዩ። ካባታቶም ብዙሕ ኣይትበልጽን ዲኻ?
መክ 3:12-13
1ኛ ጴጥ 3:13
13ሰዓብቲ ሰናይ እንተ ዄንኩምከ መን እዩ ዚጐድኣኩም፧
ሐሥ 20:24
24ግናኸ ሓደ ኻብዚ ነገራት እዚ ዚድርኸኒ የልቦን፣ ንህይወተይ እውን ከም ኽብርቲ ኣይቘጽሮን እየ፣ ምእንቲ እቲ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ክሰብኽ፣ ካብ ጐይታ የሱስ ዝተቐበልክዎ ኣገልግሎትን ብሓጐስ ክዛዝሞ።
መክ 4:9
9ካብ ሓደ ክልተ ይበልጹ፤ ምኽንያቱ ብጻዕሮም ጽቡቕ ዓስቢ ኣለዎም።
መክ 5:19
19ኣምላኽ ሃብቲ ዝሃቦን ካብኡ ኺበልዕን ኪማቐልን ብጻዕሩ ኪሕጐስን ስልጣን ዝሃቦን ዘበለ ዅሉ ሰብ። ውህበት ኣምላኽ እዩ።
2ኛ ጢሞ 3:16-17
መክ 4:4
4ከም ብሓድሽ ንዅሉ ጻዕርን ንዅሉ ሰናይ ግብሪን፡ ሰብ ብሰንኪ እዚ ብብጻዩ ኸም ዚቐንእ ሓሰብኩ። ከንቱነትን ናይ መንፈስ ምጭናቕን እውን እዩ።
መክ 5:18
18ነቲ ዝረኣኹዎ ርኣዩ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝህቦ ዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ኺበልዕን ኪሰትን፡ ጽቡቕን ባህ ዜብልን እዩ። ግደኡ እዩ እሞ።