ምብዳህ

15 ፍቕድታት15ትግርኛ

ዮሐ 16:33

33ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኺህልወኩም ኢለ እዚ ነጊረኩም ኣለኹ። ኣብ ዓለም ጸበባ ክህልወኩም እዩ፡ ግናኸ ኣጆኹም። ንዓለም ስዒረያ ኣለኹ።

ሮሜ 12:21

21ንእከይ ብሰናይ ስዓሮ እምበር፡ ብኽፉእ ኣይትስዓር።

ሉቃ 1:37

37ንኣምላኽ ዘይከኣል ነገር የልቦን።

1ኛ ቆሮ 15:57

57ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዓወት ዝህበና ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ።

1ኛ ዮሐ 5:4

4ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ እዩ እሞ፡ እቲ ንዓለም ዚስዕራ ዓወት እዚ እዩ፡ ማለት እምነትና እዩ።

ሮሜ 8:37

37ኣይፋሉን፡ በዚ ዅሉ በቲ ዘፍቀረና ኣቢልና ካብ ሰዓርቲ ኢና።

ዳዊ 3:3

3ንስኻ ግና፣ እግዚኣብሄር፣ ንዓይ ዋልታ ኢኻ። ክብረይን ምልዓል ርእሰይን።

ዕብ 12:1

1ስለዚ፡ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓብዪ ደበና መሰኻኽር ተኸቢብና ስለ ዘሎና፡ ነቲ ብቐሊል ዚወርደና ዅሉ ጾርን ሓጢኣትን ንጐድኒ ንገድፎ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ተቐሚጡ ዘሎ ጕያ ድማ ብትዕግስቲ ንጐየ።

ዮሐ 1:5

5ብርሃን ድማ ኣብ ጸልማት ይበርህ፤ እቲ ጸልማት ድማ ኣይተረድኦን።

1ኛ ጢሞ 6:12

12ነቲ ሰናይ ውግእ እምነት ተጋደሉ፡ ነታ እተጸዋዕኩምላ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት መሰኻኽር ድማ ጽቡቕ ኑዛዜ ዝሃብኩምላ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሒዝኩም።

1ኛ ጴጥ 5:8

8ልቦና ኩኑ፡ ንቑሓት ኩኑ፤ ጸላኢኹም ድያብሎስ ንዝበልዖ ደልዩ ከም ዝጉህር ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ።

1ኛ ዮሐ 4:4

4ደቀይ፡ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ይዓቢ እሞ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም እሞ፡ ስዒርኩምዎም።

1ኛ ዮሐ 5:5

5እቲ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዚኣምን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዓለም ዚስዕራ መን እዩ፧

ራእ 3:21

21ነቲ ዝሰዓረ፡ ከምቲ ኣነ ስዒረ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጠ፡ ምሳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ እፈቅድ።

ዘካ 9:9

9ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣዚኻ ተሓጐስ! ኣእወይ ጓል ኢየሩሳሌም! እንሆ ንጉስካ ናባኻ ይመጽእ ኣሎ፤ ንሱ ጻድቕን ምድሓን ዘለዎን እዩ፤ ትሑታትን ኣብ ኣድጊ ተወጢሑ፡ ኣብ ድሙ ድማ ድሙ ድሙ ተወጢሑ።