ፍቕሪ
23 ፍቕድታት12ትግርኛመኃ 8:6-7
ማር 12:30-33
30ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ፣ እዚኣ እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እያ።
31እታ ካልአይቲ ድማ ከምዚ እያ፦ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ከተፍቅሮ ኣለካ። ካብዚ ዝዓቢ ትእዛዝ የለን።
32እቲ ጸሓፊ ድማ፡ ጽቡቕ፡ መምህር፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ እሞ፡ ሓቂ ተዛሪብካ፡ በሎ። ብዘይካኡ ድማ ካልእ የልቦን።
33ብዅሉ ልብን ብዅሉ ሓሳብን ብዅሉ ነፍስን ብዅሉ ሓይልን ምፍቃር፡ ንብጻዩ ድማ ከም ገዛእ ርእሱ ምፍቃር፡ ካብ ኵሉ ዚሓርር መስዋእትን ግዳያትን ይበልጽ።
ዮሐ 3:16
16ኣምላኽሲ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ኽሳዕ ዝሃቦ፡ ንዓለም ኣዝዩ ኣፍቀራ።
ዮሐ 13:34-35
ዮሐ 14:21
21እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎን ዚሕልዎን ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ፤ ዘፍቅረኒ ዘበለ ድማ ብኣቦይ ክፍቀር እዩ፡ ኣነ ድማ ከፍቅሮን ክገልጸሉን እየ።
ዮሐ 15:9-10
ዮሐ 16:27
27ንስኻትኩም ስለ ዘፍቀርኩምኒን ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ።
ሮሜ 5:8
8ኣምላኽ ግና ገና ሓጥኣን እናሃለና ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ ብምባል ፍቕሩ የርእየና።
ሮሜ 8:37-39
1ኛ ዮሐ 4:7-8
1ኛ ዮሐ 4:10-12
1ኛ ዮሐ 4:16
16ነቲ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ድማ ፈሊጥናዮን ኣሚንናዮን። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፤ እቲ ብፍቕሪ ዚነብር ድማ ኣብ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ድማ ኣብኡ ይነብር።