መጸናንዒ
15 ፍቕድታት13ትግርኛ2ኛ ቆሮ 1:3-4
ዳዊ 94:19
19ብብዝሒ ሓሳባተይ ኣባይ ምቾትካ ንነፍሰይ የሐጕሳ።
ማቴ 5:4
4እቶም ዚሓዝኑ፡ ኪጸናንዑ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
ዮሐ 14:18
18ተስፋ ቆሪጸ ኣይክሓድገካን እየ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።
ዳዊ 118:5
5ብጭንቀት ንእግዚኣብሄር ጸዊዐዮ። እግዚኣብሄር መለሰለይ፡ ኣብ ዓቢ ቦታ ድማ ኣቐመጠኒ።
ዮሐ 16:7
7ግናኸ ሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣነ ምኻደይ ጠቓሚ እዩ፤ ኣነ እንተ ዘይከድኩ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጸኩምን እዩ። ምስ ከድኩ ግና ናባኻትኩም ክሰዶ እየ።
ኢሳ 51:12
12ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ መን ኢኹም፡ ንዝመውት ሰብን ነቲ ከም ሳዕሪ ዝዀነ ወዲ ሰብን ክትፈርሁ።
ሮሜ 15:5
5እቲ ትዕግስትን ምጽንናዕን ዝህብ ኣምላኽ ድማ ከም ክርስቶስ የሱስ ኣብ ነንሕድሕድኩም ሓደ ሓሳብ ክትህልዉ ይሃበኩም።
ዮሐ 14:26
26እቲ ኣቦ ብስመይ ዚልእኾ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ግና፡ ንሱ ዅሉ ኪምህረኩምን ዝበልኩኹም ዘበለ ዅሉ ኬዘኻኽረኩምን እዩ።
ዮሐ 14:16
16ኣነ ድማ ንኣቦ ክልምኖ እየ፣ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝጸንሕ ካልእ መጸናንዒ ክህበኩም እዩ።
ራእ 7:16-17
ዮሐ 15:26
26እቲ ኻብ ኣቦ ዚልእከልኩም መጸናንዒ፡ እቲ ኻብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ብዛዕባይ ኪምስክር እዩ።
2ኛ ቆሮ 1:5
5ከምቲ መከራ ክርስቶስ ኣባና ዝበዝሐ፡ ከምኡ ድማ ምጽንናዕና ብክርስቶስ ይበዝሕ።