ካልኣይ ምጽኣት
16 ፍቕድታት14ትግርኛማቴ 24:44
44ስለዚ ወዲ ሰብ ኣብ ዘይትሓስቡሉ ሰዓት ይመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም እውን ተዳለዉ።
ዕብ 10:24-25
ራእ 22:20
20እቲ ነዚ ዚምስክር፡ ቀልጢፈ ክመጽእ እየ፡ ይብል። ኣሜን። ምስናይዚ ግን ንዓ ጎይታ ኢየሱስ።
ማቴ 24:42
42እምበኣርሲ፡ ጐይታኻ በየናይ ሰዓት ከም ዚመጽእ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ንቕሓት።
1ኛ ጴጥ 4:7
7መወዳእታ ዅሉ ግና ቀሪቡ እዩ። ሽዑ ልቦና ኴንካ ክሳዕ ጸሎት ንቕሓት።
ራእ 22:12
12እንሆ ኸኣ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ። ዓስበይ ድማ ምሳይ እዩ፣ ንነፍሲ ወከፍ ግብሩ ከም ዝኸውን ክህቦ።
1ኛ ዮሐ 2:28
28ሕጂ ድማ ኣቱም ደቀ፡ ኣብኡ ጽንዑ። ምእንቲ ንሱ ክግለጽ ከሎ ድፍረት ክህልወናን ኣብ ምጽኣት ኣብ ቅድሚኡ ሓፊርና ደው ከይንብል።
ራእ 1:8
8ኣነ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል።
ማቴ 7:15
15ካብቶም ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዝመጹኹም፡ ብውሽጦም ግና ረሳሕ ኣዛብእ ዝዀኑ ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ።
ሐሥ 1:10-11
2ኛ ጴጥ 3:8
8ፍቁራተይ ግና፡ ሓንቲ መዓልቲ ምስ እግዚኣብሄር ከም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመት ድማ ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፡ ነዛ ሓንቲ ነገር ኣይትፍለጥ።
ፊል 1:6
6እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ክሳዕ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዚገብሮ ብልክዕ በዚ ትውከል።
ራእ 3:11
11እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ። ኣኽሊልካ ሓደ እኳ ከይወስዶ፡ ነቲ ዘለካ ሒዝካ ጽንዓዮ።
ኤፌ 4:30
30ነቲ ብእኡ እተሓተምኩምሉ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ከኣ፡ ክሳዕ መዓልቲ ምድሓን ኣይተጕህዩ።