ትንቢት ኢሳይያስ 57

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት3:50 ስማዕ
ስማዕ 3:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን።

2ናብ ሰላም ይኣቱ፤ እቶም ብቕንዕና ዝነብሩ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ።

3ኣቱም ደቂ እታ ኣስማተኛን፥ ዘርኢ ዘማውን፥ ኣመንዝራን፥ ናብዙይ ቅረቡ።

4ንመን ኢኹም እተባጭዉሉ? ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም እትኸፍቱ? ንስኻትኩም ደቂ ዓመፅትን ዘርኢ ሓሰውትንዶ ኣይኮንኩምን?

5ኣብ ልዕሊ መንከ ኢኹም መልሓስኩም እተንውሑ? ኣብ ትሕቲ ዅሉ ዝለምዐ ኦም፥ ንጣዖታት እትብህጉ ዘመውቲ፥ ንደቅኹም ድማ ኣብ ትሕቲ ሽንጥሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን ሓሪድኩም እትስውኡ፥ ደቂ ዓመፅን ሓሰትንዶ ኣይኮንኩምን?

6ልሙፃት ኣእማን ግደኺ እዮም፤ ንሳቶም ብፅሒትኪ እዮም፤ ንኣኣቶም መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሎም፤ መስዋእቲ ብልዒውን ኣቕረብክሎም። እሞኸ በዝ ነገር እዙይዶ ኣይቍጣዕን?

7ኣብ ልዕል ዝበለን፥ ኣብ ልዕሊ ነዊሕ እምባን፥ ዓራትኪ ኣንፀፍኪ፤ ኣብኡ ድማ ንጣዖት መስዋእቲ ሕሩድ ክተቕርቢ ደየብኪ።

8ኣብ ድሕሪ ማዕፆን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፤ ንኣይ ሓዲግኪ ንኻልእ ተቐላዕኺ፤ ንመደቀሲኺውን ወፂእኺ ኣግፋሕኽዮ፤ ምስኣቶም ድማ ኺዳን ኣተኺ፤ ኣብ ኵሉ ዝረአኽዮ ቦታ፥ መደቀሲኦም ፈተኺ።

9ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፤ ሽቱውን ኣብዛሕኺ፤ ልኡኻትኪውን ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፤ ክሳዕ ሲኦልውን ተዋረድኪ።

10ብምብዛሕ መንገዲውን ደኸምኪ፤ ግና ተስፋ ኣይቈረፅክን፤ ምሕዳስ ጕልበት ረኸብኪ፤ ስለዙይ ድማ ኣይሰልከኽን።

11“ሓሰት ዝተናገርኪ፥ ንኣይውን ዘይዘከርኪ፥ ነቲ ነባርውን ኣብ ልብኺ ዘየንበርኪ፥ ንመን ሰጊእኺ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ጊዜ ስቕ በልኩ፤ ንስኺውን ኣይፈራሕኽን።

12እምበኣር ኣነስ ፅድቅኽን ስራሕኽን ክነግር እየ፤ ግና ኣይጠቕመክን እዩ።

13ኣብ እተእውዪሉ ጊዜ እቶም ዝኣከብክዮም የድሕኑኺ! ግና ንዅላቶም ንፋስ ፀራሪጉ ኽወስዶም እዩ፤ መሸምቦባውን ክበታትኖም እዩ። እቲ ነኣይ መዕቘቢኡ ዝገበረ ግና፥ ነታ ምድሪ ኽገዝኣ፥ ንዝተቐደሰ እምባይውን ክወርስ እዩ።”

14“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።

15“እቲ ልዕል ልዕል ዝበለ፥ ስሙውን ቅዱስ ዝኾነ፥ ንዘለኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ነቶም ዝተዋረደ መንፈስ ዘለዎም ህያው ክገብር፥ ዝተሰበረ ልቢ ንዘለዎምውን ህያው ክገብር፥ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ፥ ምስቶም ዝተዋረደ መንፈስን፥ ዝተሰበረ ልቢ ዘለዎምን እነብር።

16ንዘለኣለም ኣይፃላእን፤ ንሓዋሩ ኸዓ ኣይቍጣዕን እየ። ከምዙይ እንተ ዘይኸውንስ መንፈስን፥ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን ተስፋ ምቐበፃ ነይረን።

17ብሰንኪ ሓጢኣቱ ተቘጢአ ቐሰፍክዎ፤ ገፀይውን ብቝጥዐ ኻብኡ ኸወልኩ፤ ከምኡ ኾይኑውን ብመንገዲ ልቡ እናድሐርሐረ ኸደ።

18“መንገድታቱ ሪአ ኣለኹ፤ ግና ኸሕውዮን ክመርሖን እየ። ንእኡን ብዛዕባኡ ንዝበኽዩን ድማ፥ ምፅንናዕ ክመልሰሎም እየ።

19ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፤ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ንዘለዉ ሰላም፥ ሰላም ይኹን፤ ኣነ ኸሕውዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

20እቶም ክፉኣት ግና፥ ከምቲ ዝናወፅ ባሕሪ እዮም፤ ክሃድእ ኣይኽእልን እዩሞ፤ ማያቱውን ጭቃን ርስሓትን የውፅእ እዩሞ።

21ንኽፉኣት ሰላም የብሎምን” ይብል ኣምላኸይ።

ትርጓሜ

ኢሳ. 57:1,2 ጻድቃን ካብ መውጋእቲ ሞት ይድሕኑ እምበር፡ ካብ ስልታኡ ግን ኣይኮነን። ዘይግደስ ዓለም ነዚ ግድ ኣይትብሎን። ሒደት ሰባት ከም ህዝባዊ ክሳራ ይሓዝንሉ፡ ኣዝዮም ሒደት ድማ ከም ህዝባዊ መጠንቀቕታ የስተብህልሉ እዮም። ብምርሓም ይውሰዱ፡ ክፉእ ከይርእዩ፡ ኣብኡ ከይሳተፉን ብእኡ ከይፍተኑን። ጻድቕ ክመውት ከሎ፡ ናብ ዕርፍትን ሰላምን ይኣቱ።

57:3-12 እግዚአብሔር ኣብዚ ከሓድትን ግብዞታትን ቅድሚኡ ንኽቐርቡ ይጽውዕ። ንሓጢኣቶም ተገሲጾምን ፍርዲ ተዋሪድዎምን ከለዉ፡ ንቃል ኣምላኽ ነበይዎ። ኣይሁድ ቅድሚ ምትማሮም ብጣኦት ኣምልኾ ዝተኸሰሱ ነበሩ፤ ድሕሪ እቲ መከራ ግን ኣይነበሩን። ቅንኣቶም ኣብ ኣምልኾ ሓሰውቲ ኣማልኽቲ፡ ንንፉግነትና ኣብ ኣምልኾ ሓቀኛ ኣምላኽ ኬሕፍር ይኽእል እዩ። ኣገልግሎት ሓጢኣት ዘሕፍር ባርነት እዩ፤ እቶም ከምዚ ገይሮም ርእሶም ናብ ሲኦል ዘዋርዱ፡ ብቕንዕና ግድፎም ኣብኡ ኺረኽቡ እዮም። ሰብ ንርኹስ ስምዒታቶም ዘባርዕ ሃይማኖት ይደፍኡ። ንገበናት ይካሕስ ወይ ንዝተፈቕረ ትምኒት ሕጋግ ይዕድግ ይብሉ እንተኾይኖም፡ ንዝኾነ ይኹን ዓብይ ወይ ሕሱር እኩይ ክገብሩ ይድፋእ። እዚ ኣረማዊ ይኹን ኣይሁዳዊ ወይ ጸረ-ክርስቶስ ዝኾነ ጣኦት ኣምልኾ ይገልጽ። እቶም ግን ብኣምላኽ ክንውት ይኹን ዝኾነ ነገር ንተስፋኦምን ንምትእምማኖምን ዝገብሩ፡ ፈጺሞም ብትኽክል ኣይውድኡን። እቶም እንኮ ቅኑዕ መገዲ ዝሓድጉ፡ ኣብ ኣሽሓት ንኡሳን መገድታት ይባኽኑ። መዘናግዒ ሓጢኣት ቀልጢፎም ይድኽሙ እዮም፡ ግናኸ ፈጺሞም ኣየዕግብን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጻድቅ ይሞታል፥ በልቡም ነገሩን የሚያኖር የለም፤ ምሕረተኞችም ይወገዳሉ፥ ጽድቅም ከክፋት ፊት እንደ ተወገደ ማንም አያስተውልም። አማርኛ ENGNIV The righteous perish, and no one ponders it in his heart; devout men are taken away, and no one understands that the ri… English BCV ፃድቕ ይመውት፥ ግና ነቲ ነገር ብልቡ ዘስተውዕሎ የለን፤ ምሕረት ዝገብሩ ሰባት ይውሰዱ፤ ፃድቃን ካብ ክፉእ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸም ዝውሰዱ፥ ዘስተብህል የለን። ትግርኛ GAZBIB “Namni qajeelaan in du'a, namni Waaqayyoof of kennu, wanti hamaan akka isa irra hin geenyeef in fudhatama; namni kana y… Afaan Oromoo BCV GIZ ርኢክሙሂ ከመ ተሀጕለት ጽድቅ ወኢኀለይክሙ በልብክሙ ወአእተቱ ዕደወ ጻድቃነ፤ ወአልቦ ዘአእመረ እስመ እምገጸ ዐመፃ ተአተተ። giz GAZGAZ “Namni qajeelaan in du'a, namni Waaqayyoof of kennu, wanti hamaan akka isa irra hin geenyeef in fudhatama; namni kana y… Afaan Oromoo AMHNIV ጻድቅ ይሞታል፤ ይህን ግን ማንም ልብ አይልም፤ ለእግዚአብሔር ያደሩ ሰዎች ይወሰዳሉ፤ ጻድቃን ከክፉ ይድኑ ዘንድ፣ መወሰዳቸውን፣ ማንም አያስተውልም። አማርኛ SWAHSUV Mwenye haki hupotea, wala hakuna atiaye hayo moyoni; na watu watauwa huondolewa, wala hakuna afikiriye ya kuwa mwenye h… Kiswahili