ትንቢት ኢሳይያስ 45

BCVትግርኛ25 ፍቕድታት5:00 ስማዕ
ስማዕ 5:00 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦

2“ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፥ ንእምባታት ከተኻኽሎ፥ ንማዓፁ ነሃስ ክሰባብሮ እየ፤ ንመሸጐር ሓፂን ድማ ኽቘራርፆ እየ።

3ኣነ ብስምካ ዝፀዋዕኹኻ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ፥ ምእንቲ ኽትፈልጥስ፥ ኣብ ፀልማት ዘሎ መዝገብን፥ ኣብ ስውር ዝተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ።

4ስለ ባርያይ ያእቆብ፥ ስለ እቲ ዝመረፅክዎ እስራኤል ኢለ፥ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ብቕብጥሮት ስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ግና ኣይፈለጥካንን።”

5“ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ የለን። ንስኻ እንተ ዘይፈለጥካኒ እኳ፥ ሓይሊ ኣዕጠቕኩኻ።

6እዙይ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራባ፥ ኣነ ኣምላኽ ከም ዝኾንኩ፥ ብዘይ ዘኣይ ከዓ ኻልእ ኣምላኽ ከም ዘየለ፥ ምእንቲ ኽፈልጡ ኢለ እየ።

7ብርሃን ፈጠርኩ፤ ፀልማትውን ፈጠርኩ፤ ምሕረት እገብር፤ መዓት ድማ አምፅእ፤ እዝ ዅሉ ዝገበርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

8ሰማያት ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፤ ደመናታት ከዓ ፅድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትከፈት፥ ድሕነት ተብቍል፤ ፅድቂውን ሓቢሩ ይብቈል፤ እዙይ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።”

9እቲ ምስ ሰራሒኡ ዝከራኸር ስራሕ ወይለኡ፤ ንሱ ኻብቶም ስራሕቲ መሬት ሓደ እዩ፤ ስራሕ መሬትዶ ንሰራሒኡ፥ “እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ይብሎ እዩ? ስራሕኻኸ “ኢድ የብልካን” ይብለካ ድዩ?

10እቲ ነቦኡ “እንታይ እዩ ዝወለድካዮ?” ንኖኡ ድማ “እንታይ እዩ ዝፀዓርኪዮ?” ንዝብሎም ውሉድ ወይለኡ!

11እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ፥ ፈጣሪኡ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዛዕባ እቲ ዝመፅእ ጠይቑኒ፤ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ።

12ንምድሪ ዝፈጠርኩ፥ ኣብኣ ዘሎ ሰብውን ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፤ ንዅሎም ሰራዊቶምውን ዝእዝዝ ኣነ እየ።

13ንቂሮስ ብፅድቂ ዘተሳእኽዎ ኣነ ባዕለይ እየ፤ ኵሉ መንገዲ ኸመዓራርየሉ እየ። ውዕለት እንተይተኸፍለ፥ ጉቦ እንተይተቐበለ፥ ንኸተማይ ከም ብሓድሽ ክሓንፃ እዩ፤ ንምሩኻተይ ድማ ብዘይ ክፍሊት፥ ወይ ብዘይ ዋጋ ኽመልሶም እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።”

14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥ ንኣኻ ክኾኑ እዮም። ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥ ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥ ‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’ እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።

15ኦ መድሓኒ ዝኾንካ ኣምላኽ እስራኤል፥ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ።

16እቶም ጣዖታት ዝሰርሑ ዅሎም፥ ክሓፍሩን ክዋረዱን እዮም።

17ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”

18ንሰማያት ዝፈጠረ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፤ ንምድሪ እውን ዝፈጠራን ዘመዓራረያን ዘፅንዓን፤ ንሱ መሕደሪ ሰብ ክትከውን እምበር፥ ጥራሓ ክትከውን ዘይፈጠራ፥ ኣምላኽ፥ ከምዙይ ይብል፦ “ኣነ እግዚኣብሄር እየ፤ ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።

19ኣብ ፀልማት ምድሪ ብምስጢር ኣይተዛረብኩን፤ ንዘርኢ ያእቆብ ብኸንቱ ድለዩኒ ኣይበልክዎምን፤ ኣነ እግዚኣብሄር ፅድቂ እየ ዝዛረብ፤ ፅድቂ እዛረብ፥ ቅኑዕ ዝኾነውን እናገር።”

20እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።

21ይናገሩ፤ ይቕረቡን ብሓባር ይማኸሩን፤ ነዝ ነገር እዙይ ካብ ጥንቲ ዘርአየን ዝተናገረን መን እዩ? ኣነ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮንኩን? ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን፤ ፃድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ከቶ የለን።”

22“ኣምላኽ ኣነ እየ፤ ካልእ የለን እሞ፥ ኣቱም ኣብ ኵሉ ወሰናት ምድሪ ዘለኹም ህዝቢ፥ ናባይ ተመለሱ እሞ ደሓኑ።

23ቃል ፅድቂ ኻብ ኣፈይ ወፂኡ ኣሎ፤ ኣይምለስንውን እዩ፤ ‘ኵሉ ብርኪ ኽምብርከኸለይ፥ ኵሉ ልሳን ከዓ ብኣይ ክምሕል እዩ’ ኢለ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ።”

24“ብዛዕባይ ከዓ ‘ፅድቅን ሓይልን፥ ኣብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ ዘሎ’ ኽብሉ እዮም። ኣብ ልዕሊኡ ብቝጥዓ ዝተልዓሉ ዅሎም፥ ናብኡ ኽመፁን ክሓፍሩን እዮም።

25ኵሎም ዘርኢ እስራኤል ብእግዚኣብሄር ክፀድቁ፥ ብእኡውን ክምክሑ እዮም።”

ትርጓሜ

ትንተና ኢሳይያስ 45:1-4

45:1-4 ቂሮስ ቅቡእ ኣምላኽ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንሱ ብምኽሪ ኣምላኽ ንዓቢ ዕዮኡ ተወሲኑን ብቑዕ ተገይሩን እዩ። ናብ ርባ ዝመርሓ ኣፍደገታት ባቢሎን፡ ቂሮስ ሰራዊቱ ናብቲ ባዶ ጥርናፈ ርባ ዘእተወሉ ለይቲ ክፍቲ ኾይኖም ተረፉ። እግዚኣብሔር ከኣ ቅድሚኡ ኸደ፡ ነተን ዝኸበበን ከተማታት መእተዊ እናሃበ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ስውር ቦታታት ተሓቢኦም ዝነበሩ መዛግብቲ እውን ሃቦ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንቂሮስ ዘይፈልጦ ኣምላኽ ነበረ። ግናኸ ኣምላኽ ቀዲሙ ይፈልጦ ነበረ፡ ብስሙ ከኣ ጸውዖ። እዚ ምሉእ ምፍጻሙ፡ የሆዋ በይኑ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑን፡ ንሱ እተባረኸ ድማ ብሰሪ እስራኤል ምዃኑን ንቂሮስ ከም ዝሓበሮ ግድነት እዩ። ኣብ ኩሉ ምልውዋጥ መንግስታትን ግዛእታትን፡ ኣምላኽ ንጥቕሚ ቤተ ክርስትያኑ የተግብር።

፵፭:፭-፲ ካብ የሆዋ ወጻኢ ካልእ ኣምላኽ የልቦን። ብዘይኡ ዝዀነ የልቦን። ንሱ ሰላም ይገብር (እዚ ንኹሉ ጽቡቕ ይውክል)፤ ክፉእ ድማ ይፈጥር እዩ፣ እዚ ኸኣ ናይ ሓጢኣት ክፉእ ዘይኮነስ፣ ናይ ቅጽዓት ክፉእ እዩ። ንሱ ናይ ኵሉ ሓቂ፣ ቅዱስ፣ ጽቡቕ ወይ ሕጉስ ነገር ፈጣሪ እዩ፤ ክፉእ፣ ስሕተት ከምኡ'ውን መከራ ግና፣ ብፍቓዱ፣ ብፍቓዳዊ ምንሻው ፍጥረታቱ ኣቢሉ ናብ ዓለም ዝኣተወ እዩ፣ እንተኾነ ግና፣ ናብ ቅኑዕ ዕላምኡ ንኽውዕል ተገቲሙን ተኣልዩን እዩ።

እዚ ትምህርቲ እዚ፣ ብሃንቀውታ ንቤዛነት እስራኤል እናተጸበዩ፣ እንተኾነ ግና ብህድኣት ንዝጸበዩ ንምጽንናዕ የገልግል።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔር ለቀባሁት፥ አሕዛብንም በፊቱ አስገዛ ዘንድ የነገሥታትንም ወገብ እፈታ ዘንድ፥ በሮቹም እንዳይዘጉ መዝጊያዎቹን በፊቱ እከፍት ዘንድ፥ ቀኝ እጁን ለያዝሁት ለቂሮስ እንዲህ ይላል፦ አማርኛ ENGNIV “This is what the Lord says to his anointed, to Cyrus, whose right hand I take hold of to subdue nations before him and… English GAZBIB Waaqayyo, inni Qiirosin moosise, “Qiiros saba lafa irraa harka isaa jala akka galfatuuf, moototas mi'a waraanaa akka hi… Afaan Oromoo BCV GIZ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር አምላክ ለመሢሕየ ቂሮስ ዘአኀዝክዎ በእዴየ ከመ ኣግርሮመ ለአሕዛብ በቅድሜሁ፤ ወእነፅኅ ኀይለ ነገሥት ወኣርኁ አናቅጸ በቅድሜሁ ወኢይትዐጽዋ አህጉር፦ giz GAZGAZ Waaqayyo, inni Qiirosin moosise, “Qiiros saba lafa irraa harka isaa jala akka galfatuuf, moototas mi'a waraanaa akka hi… Afaan Oromoo BCV aksum እግዚኣብሄር ንዝቐባእኹዎ፥ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝአሉ፥ ሕቘ ነገስታት ከፍትሕ፥ ደገታቱ ኸይዕፀዉ፥ መዓፁኡ ኣብ ቅድሚኡ ንኽኸፍት፥ የማነይቲ ኢዱ ንዝሓዝኩዎ ብዛዕባ ቂሮስ እግዚኣብሄር ከ… ትግርኛ AMHNIV “ለቀባሁት፣ ቀኝ እጁን ለያዝሁት፣ ነገሥታትን ትጥቅ አስፈታ ዘንድ፣ ሕዝብን ሁሉ ላስገዛለት፣ ደጆች እንዳይዘጉ፣ በሮቹን በፊቱ ለምከፍትለት፣ ለቂሮስ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ አማርኛ SWAHSUV Haya ndiyo Bwana amwambiayo Koreshi, masihi Kiswahili