ራእይ ዮሃንስ 16

BCV aksumትግርኛ21 ፍቕድታት4:06 ስማዕ
ስማዕ 4:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ካብታ መቕደስ ከዓ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ “ኪዱ፥ ነቲ ፅዋዕ ቝጥዓ እግዚኣብሄር፥ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዝብሎም፥ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ።

2ሽዑ እቲ ቐዳማይ መልኣኽ ከይዱ፥ ፅዋዑ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት፥ ክፉእ ዘሳቒ ቝስሊ ወፆም።

3እቲ ኻልኣይ መልኣኽ ድማ፥ ፅዋዑ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸዓ፥ ከም ናይ ዝሞተ ሰብ ደም ዝመስል ኮነ፤ ኣብቲ ባሕሪ ዝነብር፥ እስትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።

4እቲ ሳልሳይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ናብ ሩባታትን፥ ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። ንሳቶምውን ደም ኮኑ።

5እቲ ኣብ ማያት ስልጣን ዘለዎ መልኣኽ ድማ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን ቕዱስ፥ ከምዙይ ጌርካ ስለ ዝፈረድካ፥ ፃድቕ ኢኻ።

6ደም ቅዱሳንን ደም ነቢያትን ኣፍሲሶም እዮም፤ ንስኻ ኸዓ፥ ደም ኣስተኻዮም፤ ይግብኦም እዩ እሞ” እንትብል ሰማዕኹ።

7ካብቲ መሰውኢ ድማ፦ “እወ፥ ኦ፥ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ፍርድኻ፥ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።

8እቲ ራብዓይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ፀሓይ ኣፍሰሰ። ንፀሓይውን፥ ንሰብ ብሙቐታ ኽተንድድ ሓይሊ ተውሃባ።

9እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።

10እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ከዓ፥ ፅዋዑ ኣብ ዙፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቲ እቲ ኣራዊት ድማ፥ ፀልመተት፤ ብሰንኪ እቲ ስቓይውን፥ ሰባት መላሕሶም ሓየኹ።

11ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።

12እቲ ሻድሻይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ፀሓይ ዝመፁ ነገስታት ድማ፥ መንገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም እቲ ማዩ ነፀፈ።

13ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።

14እዚኣቶም ምልክት ዝገብሩ፥ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። ንሳቶም፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ንኽዋግኡ ከኽትትዎም፥ ናብ ነገስታት ኵሉ ዓለም ዝኸዱ እዮም።

15“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”

16ንሳቶም ከዓ፥ ብዕብራይስጢ ኣርማጌዶን ናብ ዝበሃል ቦታ ኣከብዎም።

17እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።

18መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ድማ ኾነ፤ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ኮነ። ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ከምዙይ ዝበለ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ተርእዩ ኣይፈልጥን።

19እታ ዓባይ ከተማ ናብ ሰለስተ ተመቐለት፤ ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ፤ ናይቲ ብርቱዕ ቝጥዓኡ ወይኒ ዝመልአ ፅዋዕ ኽወሃባ፥ እታ ዓባይ ባቢሎን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዘከረት።

20ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን።

21ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ።

ትርጓሜ

16:1-7 ኣብ ምድሪ ኸምቲ ኣብ ሰማይ ዚኸውን ፍቓድ ኣምላኽ ኪኸውን ክንጽሊ ይግባእ። ኣብዚ ተኸታታሊ ዜስካሕክሕ ፍርድታት መለኮታዊ ኣቕዋም ይርአ፤ ንሓያሎ መዓት ግብጺ ዚጠቅስ ዘሎ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ። ሓጢኣታቶም ተመሳሲሉ ነበረ፤ መቕጻዕቶም እውን ከምኡ ተመሳሲሉ ነበረ። እቶም ጽዋኣት ነተን ሾብዓተ መለኸታት የመልክቱ፣ እዘን ድማ ምትንሳእ ጸረ-ክርስቶስ ዘመልክታ ነበራ፤ ምውዳቕ ጸላእቲ ቤተ-ክርስትያን ድማ ምስ ምትንስኦም ገለ ዝመሳሰል ኪህልዎ እዩ። ኣብ ምድሮም ዘሎ ኩሉ፣ ኣየሮም፣ ባሕሮም፣ ኣፍላጎም፣ ከተማታቶም፣ ኩሉ ናብ ጥፍኣት ተወጊዙ፤ ብሰንኪ እከይ እቲ ህዝቢ ድማ ኩሉ ተረጊሙ። ዜገርም ኣይኮነን ንመላእኽቲ፣ እቶም መሰኻኽር ወይ ፈጸምቲ መለኮታዊ ሕነ ኣብቶም ንኣምላኽ፣ ንክርስቶስን ንቕድስናን ብኹርናዕ ዚጸልኡ፣ ንጽድቁን ሓቁን ዜውድሱ፤ ንዜፍርህ ፍርድታቱ ድማ ዜምልኹ፣ ንክፉኣት ሰጐግቲ ነቲ ንቕዱሳቱን ንነብያቱን ዘስቈሩሉ ስቓይ ኬውርድሎም ከሎ።

16:8-11 ልቢ ሰብ ኣዝዩ ሕሱም ስለዝኾነ፡ እቲ ዝበርትዐ መከራታት’ኳ፡ ብዘይ ፍሉይ ጸጋ ኣምላኽ፡ ንሓደ'ኳ ናብ ንስሓ ኣየምጽኦን እዩ። ገሃነም ባዕሉ ብጸርፍታት ተመሊኡ እዩ። እቶም ንታሪኽ ሰብኣዊ ባህሪ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንልቦም እውን ዘይፈልጡ ሰባት፡ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ዝበዝሕ ይሳቐዩን ክሳዕ ክንደይ ድማ ንኢድ ኣምላኽ ኣብ ስቃያቶም ብንጹር ይርእዩን፡ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ግዜ ብብርቱዕ ቍጥዓ ንእኡ ይጻረርዎ ምዃኖም ኣይፈልጡን እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6