1እቲ ኣብ ማእኸልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን፥ ካበይ ድዩ ዝመፅእ ዘሎ? ካብቲ ኣብ ውሽጥኹም ኮይኑ ዝዋጋእ ዘሎ፥ ፍትወት ስጋኹምዶ ኣይኮነን?
2ትምነዩ፥ ግና ኣይትረኽቡን፤ ስለዙይ ትቐትሉ፤ ክፉእ ትምነዩ፤ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይትኽእሉን፤ ሰለዙይ ትበኣሱን ትዋግኡን። ስለ ዘይለመንኩም ድማ ኣይትረኽቡን።
3ትልምኑ ግና ኣይትቕበሉን፤ ንፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽተርውዩ ኢልኩም፥ ብኽፉእ ሓሳባት ስለ እትልምኑ፥ ኣይትቕበሉን።
4ኣቱም ዘማውያን ነዝ ዓለም እዙይ ምፍቃር፥ ንእግዚኣብሄር ምፅላእ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም? ነዝ ዓለም እዙይ ዘፍቅር፥ ፀላኢ እግዚኣብሄር ይኸውን።
5ወይ ከዓ እቲ፥ “እግዚኣብሄር ነቲ ኣባና ኣሕዲርዎ ዘሎ መንፈስ፥ ንእኡ ጥራሕ ክንከውን፥ ብቕንኢ ሃረር ይብል” ዝብል ቃል መፅሓፍዶ፥ ከንቱ ይመስለኩም?
6“እግዚኣብሄር፥ ንዕቡያት ይፃረሮም፤ ንትሑታት ግና፥ ፀጋ ይህቦም” ከም ዝብል፥ ንሱ ኣብዚሑ እዩ ፀጋ ዝህብ።
7እምበኣርከስ ንእግዚኣብሄር ተገዝእዎ፤ ንዲያብሎስ ግና ተቓወምዎ፤ ንሱ ኸዓ ኻባኻትኩም ክሃድም እዩ።
8ንእግዚኣብሄር ቅረብዎ፤ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፥ ኣእዳውኩም ኣፅርዩ፤ ኣቱም ሰብ ክልተ ሓሳብውን፥ ልብኹም ኣንፅሁ።
9ሕዘኑን ጕሃዩን ብኸዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፥ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።
10ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፤ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
11ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይ ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዝፈርድ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብ ልዕሊ ሕጊ እውን ይፈርድ፤ ንሕጊ ትፈርድ እንተ ደኣ ዄንካ፥ ፈራዲ እምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።
12እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል፥ ሓጋጊ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ንስኻ ደኣ ኣብ ብፃይካ እትፈርድ፤ መን ኢኻ?
13ንስኻትኩም፥ ኣቱም “ሎሚ ወይ ፅባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ፥ ክንከይድ ኢና፤ እናነገድና ምእንቲ ኽንርባሕ ከዓ፥ ኣብኣ ዓመት ክንቅመጥ ኢና” እትብሉ ስምዑ።
14ንስኻትኩም ነቲ ፅባሕ ዝኸውን እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ህይወትኩምከ እንታይ እያ? ንቑሩብ ጊዜ ተርእዩ ኸም ዝጠፍእ ግመ ኢኹም።
15“ጐይታ እንተ ፈቒድዎ፥ ብህይወት እንተ ሃሊና፥ ከምዙይ ወይ ከምቱይ ክንገብር ኢና” ኽትብሉ እዩ ዝግበአኩም።
16ሕዚ ግና ትዘሃሩን ትምክሑን ኣለኹም። ከምዙይ ዝበለ ትምክሕቲ ዅሉ ኸዓ፥ ክፉእ እዩ።
17እምበኣርከስ፥ እቲ ኽገብሮ ዝግብኦ ሰናይ ነገር ዝፈልጥ እሞ ዘይፍፅሞ፥ ንእኡ ሓጢኣት ይኾኖ እዩ።