ትንቢት ኢሳይያስ 52

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት2:56 ስማዕ
ስማዕ 2:56 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።

2ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።

3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም።

4ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብመጀመርታ ኽነብር ኢሉ፥ ህዝበይ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ብድሕሪኡ ግና ኣሶር፥ በዝ ምኽንያት እዙይ ኣጨነቖ።

5ህዝበይ ብኸንቱ ተወሲዱ እዩሞ፥ ሕዚ ኣብዙይ እንታይ ኣለኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ገዛእቶም የባጭውሎም ኣለዉ፤ ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ።

6ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”

7እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!

8ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።

9ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።

10እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።

11ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።

12እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።

13“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።

14ብዙሓት ብኡኡ ኽሳዕ ዝግረሙን ዝድንግፁን፥ ካብ ዝኾነ ሰብ መልክዑ ዝተፈለየ፥ ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ።

15ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”

ትርጓሜ

52:1-12 ወንጌል ንብፍርሃት ንዝተኣስሩ ሓርነት የበስር። እቶም ብጾር ሓጢኣት ዝደኸሙን ዝጽቀጡን ከኣ፡ ኣብ ክርስቶስ ዕረፍቲ ይረኽቡ። ካብ ሓመድ ጥርጠራታቶምን ፍርሃታቶምን ንርእሶም የንቀጥቅጡ፡ እሞ ኻብቲ ማእሰርቲ ይላቐቑ። እቲ ቤዛ ንኣድሕኖና ዝኸፈሎ ዋጋ፡ ብር ወይ ወርቂ ወይስ ዝጠፍእ ነገራት ኣይነበረን፡ የግዳስ ክቡር ደሙ እዩ ነይሩ። ነዚ ናጻ ዝኾነ ምድሓን ከምኡውን ሓጢኣት ንግዜኣዊ ምቾት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጐድእ ምስ እንሓስብ፡ እቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ቤዛነት ዝያዳ ክነኽብሮ ኢና። ክብሪ ኣምላኽ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ቅድስና ከም ዝሓትት እናዘከርና፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሓጢኣት ዓወት ንደሊ ዲና? እቲ ብስራት ከኣ፡ ጐይታ የሱስ ይገዝእ ምህላዉ እዩ። ክርስቶስ ባዕሉ ነዘን ዜናታት እዚኤን ቀዲሙ ኣምጺኤን። ኣገልገልቱ ነዚ ብስራት እዚ ይእውጁ፡ ካብ ርኽሰት ዓለም ንርእሶም ጽሩያት ብምግባር፡ ንዝተላእኩልዎም ከኣ ጽቡቓት እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጽዮን ሆይ፥ ተነሺ፥ ተነሺ፥ ኃይልሽን ልበሺ፤ ቅድስቲቱ ከተማ ኢየሩሳሌም ሆይ፥ ያልተገረዘና ርኩስ ከእንግዲህ ወዲህ አይገባብሽምና ጌጠኛ ልብስሽን ልበሺ። አማርኛ ENGNIV Awake, awake, O Zion, clothe yourself with strength. Put on your garments of splendor, O Jerusalem, the holy city. The … English BCV ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ። ትግርኛ GAZBIB Dammaqi yaa Xiyoon, humna godhadhuutii ka'i! Yaa Yerusaalem mandara qulqulluu nana, ka'ii uffata miidhaginaa keetii uff… Afaan Oromoo BCV GIZ ተንሥኢ ተንሥኢ ጽዮን ልበሲ ኀይለኪ ወእንቲኒ ኢየሩሳሌም ልበሲ ትርሲተኪ ሀገር ቅደስት፤ ወኢየኀልፍ እንከ እንተ ኀቤኪ ቈላፍ ወርኩስ። giz GAZGAZ Dammaqi yaa Xiyoon, humna godhadhuutii ka'i! Yaa Yerusaalem mandara qulqulluu nana, ka'ii uffata miidhaginaa keetii uff… Afaan Oromoo AMHNIV ጽዮን ሆይ፤ ተነሺ፤ ተነሺ፤ ኀይልን ልበሺ፤ ቅድስቲቱ ከተማ፤ ኢየሩሳሌም ሆይ! የክብር ልብስሽን ልበሺ፤ ያልተገረዘ የረከሰም ከእንግዲህ ወደ አንቺ አይገባም። አማርኛ SWAHSUV Amka, amka, jivike nguvu zako, Ee Sayuni; Jivike mavazi yako mazuri, Ee Yerusalemu, mji mtakatifu; Kwa maana tokea sasa… Kiswahili