1ኣቲ ፅዮን ተስኢ፤ ተስኢ፤ ሓይልኺ ልበሲ፤ ኣቲ ቕድስቲ ኸተማ ኢየሩሳሌም፥ ናይ መዓርግ ልብስኺ ልበሲ፤ ድሕሪ ሕዚ ዘይተገርዘን ርኹስን፥ ናባኺ ኣይኣቱን እዩ እሞ።
2ኣቲ ኢየሩሳሌም፥ በነንታኺ ንገፊ፤ ተሲእኺ ተቐመጢ፤ ኣቲ ምርኽቲ ጓል ፅዮን፥ ንሰንሰለት መእሰሪ ክሳድኪ ፍትሒዮ።
3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ብዘይ ዋጋ ተሼጥኩም ኔርኩም ኢኹም እሞ፥ ብዘይ ዋጋ ኸዓ ኽትቢዘዉ ኢኹም።
4ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብመጀመርታ ኽነብር ኢሉ፥ ህዝበይ ናብ ግብፂ ወረደ፤ ብድሕሪኡ ግና ኣሶር፥ በዝ ምኽንያት እዙይ ኣጨነቖ።
5ህዝበይ ብኸንቱ ተወሲዱ እዩሞ፥ ሕዚ ኣብዙይ እንታይ ኣለኒ? ይብል እግዚኣብሄር። ገዛእቶም የባጭውሎም ኣለዉ፤ ኵሉ መዓልቲ ኸዓ ስመይ ይፅረፍ ኣሎ።
6ስለዙይ ህዝበይ ስመይ ክፈልጥ እዩ፤ ስለዙይውን ዝናገር ኣነ ኸም ዝኾንኩ፥ በታ መዓልቲ ኽፈልጥ እዩ፤ እንሆ ኣነ እየ።”
7እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!
8ስምዒ! እግዚኣብሄር ናብ ፅዮን ክምለስ እንተሎ፥ ዓይኒ ንዓይኒ ኽሪኡዎ እዮም እሞ፥ እቶም ሓለውትኺ ብሓባር ድምፆም ዓው ኣቢሎም፥ ብሓድነት ክዝምሩ እዮም።
9ኣትን ዑናታት ኢየሩሳሌም፥ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘፀናንዖ፥ ንኢየሩሳሌምውን ስለ ዝተቤዘዋ፥ ብሓጐስ ዕልል በላ፤ ሓቢርክን ከዓ ዘምራ።
10እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ፥ ዝተቐደሰ ቅልፅሙ ኸርኢ እዩ፤ ኵሎም ኣብ ወሰን ምድሪ ዘለዉ፥ ናይ ኣምላኽና ምድሓን ክሪኡ እዮም።
11ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።
12እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፥ ኣምላኽ እስራኤል ድማ፥ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፥ ብታህዋኽ ኣይትወፁን፤ ሃዲምኩምውን ኣይትኸዱን ኢኹም።
13“እንሆ፥ ኣገልጋሊየይ ዝገብሮ፥ ብምስትውዓል እዩ፤ ክገንን፥ ልዕል ልዕል ክብል፥ የመናውን ክኸብር እዩ።
14ብዙሓት ብኡኡ ኽሳዕ ዝግረሙን ዝድንግፁን፥ ካብ ዝኾነ ሰብ መልክዑ ዝተፈለየ፥ ካብ ዅሉ ወዲ ሰብ፥ ብዝኸፍእውን ተጐሳቘለ።
15ከምኡ ኸዓ ንብዙሓት ኣህዛብ ከደንቕ እዩ፤ እቶም ብዙሓት ነገስታትውን፥ ተነጊርዎም ዘይፈልጥ ስለ ዝሪኡ፥ ሰሚዖምዎ ዘይፈልጡውን ስለ ዘስተውዓሉ፥ ኣብ ቅድሚኡ፥ ኣፎም ክሕዙ እዮም።”