ትንቢት ኢሳይያስ 47

BCV aksumትግርኛ15 ፍቕድታት3:06 ስማዕ
ስማዕ 3:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ።

2መዲድ ሓዚ እሞ፥ ሕሩጭ ጠሓኒ፤ ጕልባብኪ ቕልዒ፤ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ኣክቢ፤ ደናጉኺ ቐሊዕኺ ፈለግ ተሳገሪ።

3ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”

4ስም እቲ ተቤዛዊና፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ።

5“ኣቲ ባቢሎን፥ ድሕሪ ደጊም ኢተገ መንግስታት፥ ኣይትበሃሊን ኢኺ እሞ፥ ኣብ ፀልማት ኣቲኺ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ።

6ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ተቘጢዐ ነይረ፤ ንርስተይውን ተፀየፍኩ፤ ናብ ኢድኪ ድማ ኣሕሊፈ ሃብክዎም፤ ንስኺውን ኣይመሓርክዮምን፤ እኳ ደኣ ኣብቶም ኣረጋውያን፥ ኣርዑትኪ የመና ኣኽበድኪ።

7ነዙይ ኣብ ልብኺ እንተየንበርኪ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብ መወዳእታ ኽመፅእ ዘለዎውን እንተይሓሰብኪ፥ ‘ኣነስ ንዅሉ ጊዜ ንግስቲ ኾይነ ኽነብር እየ’ በልኪ።”

8“እምበኣርከስ ኣቲ ሕንቅቕቲ፥ ብልብኺ ‘ኣነ ጥራሕ እየ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን፤ ኣነስ መበለት ኣይኸውንን እየ፤ ውሉድ ድማ ኣይስእንን እየ’ እትብሊ ነውራም ነዙይ ስምዒ።

9ስእነት ውሉድን፥ መበለት ምዃንን፥ ክልቲአን ብሓንቲ መዓልቲ፥ ድንገት ክመፃኺ እየን። ኣስማትኪ እንተ በዝሐ፥ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ እኳ፥ ብምሉእ ሓይሎም ክመፁኺ እዮም።”

10“ብኽፍኣትኪ ተኣማሚንኪ፥ ‘ዝሪአኒ የለን’ በልኪ፤ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓቱኺ፤ ብልብኺውን ‘ኣነ እምበር፥ ብዘይ ዝኣይ ካልእ የለን’ በልኪ።

11ብምክንያት እዙይ፥ ክፉእ ነገር ክመፀኪ እዩ፤ በስማትኪ ኽተርሕቕዮ ዘይትኽእሊ፥ መከራ ኽወርደኪ እዩ፤ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ፥ ድንገት ክመፀኪ እዩ።

12ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፤ ምናልባሽውን ንፀላእትኺ እንተ ኣደንገፅክሉስ፥ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ፥ ዘዘውተርክዮ ጥንቈላኽን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ ቑሚ።

13ኵሉ ዝተመኸርክዮ ምኽሪ፥ መድከሚ ጥራሕ ኮነኪ፤ እቶም ፈላጣት ምልክት ሰማይን፥ እቶም ቈፀርቲ ኸዋኽብትን፥ እቶም ነቲ ኣብ ሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን፥ ይተስኡ እሞ እስኪ የድሕኑኺ።”

14“እንሆ፥ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፤ ሓዊ ኸዓ ኸቃፅሎም እዩ፤ ካብቲ ሓይሊ ሃልሃልታ ሓዊ ዝተልዓለ፥ ንርእሶም ከድሕኑ ኣይኽእሉን፤ እቲ ሓዊ ንሱ ሰብ ዝሞቖ ጓህሪ፥ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ዝበሃለሉ ሓዊ ኣይኮነን።

15ኵሉ ዕድል እቶም ዝደኸምክሎም፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ፦ እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም፥ መናግድትኺ ዝነበሩ፥ ነናብ መንገዶም ፋሕ ክብሉ እዮም፤ ከድሕነኪ ዝኽእልውን፥ ሓደ እኳ ኣይህሉን እዩ።”

ትርጓሜ

47:1-6 ባቢሎን ብምስሊ ሓንቲ ኣብ ከቢድ ጭንቂ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ተመሲላ ኣላ። ክትዋረድን መከራ ክትጸግብን ነበራ፤ ኣብ ምድሪ ተቐሚጣ፣ ብመጥሓን ድማ እትድቅስ ኰይና ተመሲላ ኣላ፣ እዚ ኸኣ እቲ ዝነውሐን ዝዓበየን ዕዮ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ቅኔኡ ጻድቕ ነይሩ፣ ሓደ እኳ ድማ ኣይክእዘዝን እዩ። ነብዪ ኣብ እግዚኣብሔር ጐይታ ሰራዊት፣ ከምቲ ቤዛን ቅዱስ እስራኤልን ኰይኑ ይብህግ። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ እኩያት ሰባት ኣብ ህዝቡ ኺስዕሩ የፍቅድ፤ ግናኸ ነቶም ብጭካኔ ዚግፍዕዎም ኪቕጽዑ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንቺ ድንግል የባቢሎን ልጅ ሆይ፥ ውረጂ በትቢያም ላይ ተቀመጪ፤ የከለዳውያን ሴት ልጅ ሆይ፥ ከዚህ በኋላ ቅልጣናምና ቅምጥል አትባይምና ያለ ዙፋን በመሬት ላይ ተቀመጪ። አማርኛ ENGNIV “Go down, sit in the dust, Virgin Daughter of Babylon; sit on the ground without a throne, Daughter of the Babylonians.… English BCV “ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ውረዲ፤ ኣብ ሓመድ ከዓ ተቐመጢ፤ ደጊም ምልክዕትን ሕንቅቕትን፥ ኣይትበሃሊን ኢኽሞ፥ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፥ ብዘይ ዙፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ። ትግርኛ GAZBIB “Yaa intala Baabilon, yaa ishee takkaa hin tuqamin jirtuu, ka'ii gad bu'ii awwaara keessa taa'i! Yaa intala Kaldootaa, … Afaan Oromoo BCV GIZ ረዲ ወንበሪ ውስተ ምድር አንቲ ድንግል ወለተ ባቢሎን፤ ንበሪ ውስተ መሬት ወአልብኪ መንበረ ወለተ ፋርስ ወኢትሰመዪ እንከ ልሕደ ወሥብሕተ። giz GAZGAZ “Yaa intala Baabilon, yaa ishee takkaa hin tuqamin jirtuu, ka'ii gad bu'ii awwaara keessa taa'i! Yaa intala Kaldootaa, … Afaan Oromoo AMHNIV “አንቺ የባቢሎን ድንግል ልጅ ሆይ፤ ውረጂ፤ በትቢያ ላይ ተቀመጪ፤ አንቺ የባቢሎናውያን ልጅ ሆይ፤ ከዙፋንሽ ውረጂ፤ መሬት ላይ ተቀመጪ፤ ከእንግዲህ ውብ ወይም ለግላጋ፣ ተብለሽ አትጠሪም። አማርኛ SWAHSUV Haya, shuka, keti mavumbini, Ewe bikira, binti Babeli; Keti chini pasipo kiti cha enzi, Ewe binti wa Wakaldayo; Maana h… Kiswahili