ትንቢት ሆሴእ 8

BCVትግርኛ14 ፍቕድታት2:06 ስማዕ
ስማዕ 2:06 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1መለኸት ናብ ኣፍካ ኣቕርብ፤ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፥ ሕገይ ከዓ ጥሒሶም እዮምሞ፥ ከም ንስሪ፥ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።

2ንሳቶም፥ ኦ ኣምላኽና፥ ንሕና እስራኤል ፈሊጥናካ ኢና፥ እናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም።

3ግና ዅሎም እስራኤል ፅቡቕ ዝኾነ ነገር ኣወገዱ፤ ፀላኢ እውን ክሰጕጎም እዩ።

4“ንባዕላቶም ነገስታት ኣንገሱ፤ ንኣይ እንተይጠየቑ ኣሕሉቕ መረፁ፤ ኣነ ኣይፈለጥኩን፤ መጥፍኢኦም ዝኸውን ብብሩሮምን ብወርቆምን፥ ንባዕላቶም ጣዖታት ሰርሑ።

5“ኦ ሰማርያ ምራኽ ጣዖትኪ ደርብዪ፤ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኣቶም ነዲዱ እዩ፤ ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘይነፅሁ?

6እዙይ ከዓ ኻብ እስራኤል እዩ፤ እዝ በዓል ኢድ ዝሰርሖ ምስሊ ምራኽ፥ ኣምላኽ ኣይኮነን፤ ተሰባቢሩ ኽደቅቕ እዩ።

7ንፋስ ይዘርኡ፥ ኣውሎ ንፋስ ድማ ይዓፅዱ፤ እቲ ብቝሊ ቓንጫ የብሉን፤ ኣብ ፍረኡ ድማ ሕሩጭ ኣይርከብን፤ እንተ ተረኽበውን ጓኖት ይበልዕዎ።

8እስራኤል ተውሓጠ፤ ኣብ ማእኸል ኣህዛብውን ከም ዝረኸሰ ኣቕሓ ኾነ።

9ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ በረኻ፥ ናብ ኣሶር ከዱ፤ ኤፍሬም ብውህብቶ ፈተውቲ ገበረ።

10ምንም እኳ ንኣህዛብ ውህብቶ እንተ ሃቡ፥ ኣነ ሐዚ ኽእክቦም እየ፤ ካብ ፆር እቲ ንጉስን መሳፍንትን ዝተልዓለ እናደኸሙ ክኸዱ እዮም።

11“ኤፍሬም ሓጢኣት ንምስራሕ ኢሉ ብዙሕ መሰውኢታት እንተ ሰርሐ እኳ፥ እቲ መሰውኢታት ንሓጢኣት ኮኖ።

12ነዝ ሕገይ ፀሓፍኩሎም፤ ንሳቶም ግና ኸም ባዕዲ ነገር ቈፀርዎ።

13መስዋእተይ የቕርቡ፤ ስጋ ኸዓ ይሓርዱ፤ ይበልዑውን፤ እግዚኣብሄር ግና ኣይቕበሎምን፤ ንበደሎም ክዝክሮ፥ ንሓጢኣቶም ድማ ኽቐፅዕ እዩ፤ ንሳቶምውን ናብ ግብፂ ኽምለሱ እዮም።

14“እስራኤል ንፈጣሪኡ ረስዐ፤ መስገዲታትውን ሰርሐ። ይሁዳ ኸዓ ዕሩዳት ከተማታት ኣብዝሐ፤ ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ንኣዳራሻቶም ድማ ኽበልዖ እዩ።”

ትርጓሜ

8:1-4 እስራኤል ኣብ ጭንቂ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ካብ ኣምላኽ ሓለዋ ይሓትቱ ነበሩ፣ እዚ ግና ዋጋ ኣይነበሮን። 'ኣምላኸይ፣ እነተኽ እፈልጠካ' ምባል እንታይ ረብሓ ኣለዎ፣ 'ኣምላኸይ፣ እነተኽ እፈትወካ፣ እነተኽ ኣገልግለካ፣ ከምኡውን ንበይንኻ ጥራይ እነተኽ እጠብቀካ' ክንብል እንተ ዘይክኢልና?

8:5-10 ኣብ ጣኦታት ብምምላኽ፣ ብዙሕነት፣ ሰላምን ዓወትን ክረኽቡ ተስፋ ገበሩ፣ ግናኸ ትጽቢቶም ንኸንቱ ኮነ። ዝዘርእዎ ኣፍራስ የብሉን፣ ቅጠል እውን የብሉን፣ ወይ እውን እንተሃለዎ፣ ጨፍሮ ፍረ ኣይህብን እዩ፤ ኣባታቶም ዝኾነ ነገር ኣይነበረን። ግብሪ ጸልማት ፍረ ዘይብሎም እዮም፤ ኣይፋል፣ መወዳእታ እዞም ነገራትሲ ሞት እዩ። ተስፋ ሓጥኣን ክጥልሞም እዩ፣ ረብሓኦም ከኣ መፈንጠራ ክኸውን እዩ። ኣብ ግዜ ሓደጋ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ፣ ኩሉ ስጋዊ ወፈራታት ክፈሽል እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6