ትንቢት ሆሴእ 4

BCVትግርኛ19 ፍቕድታት3:04 ስማዕ
ስማዕ 3:04 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።

2መርገምን ሓሰትን ቅትለትን ስርቅን ዝሙትን በዝሐ፤ ደም ምስ ደም ተሓዋወሰ።

3ስለዙይ እታ ምድሪ ትበኪ ኣላ፤ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ምስ ኣራዊት በረኻን ኣዕዋፍ ሰማይን ክደኽሙ፥ ዓሳታት ባሕሪ እውን እንተይተረፉ ኽውድኡ እዮም።”

4እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝብኻ ምስ ካህን ከም ዝከራኸር እዩሞ፥ ሓደኳ ኣይከራኸር፤ ሓደኳ ኣይግናሕ።

5ብመዓልቲ ሰንከልከል ትብሉ ኣለኹም፤ እቶም ነቢያትውን ምሳኻትኩም ሰንከልከል ይብሉ ኣለዉ። ኣነውን ንኖኹም ከጥፍኣ እየ።

6ህዝበይ ፍልጠት ካብ ምስኣኑ ዝተልዓለ ይጠፍእ ኣሎ። ንስኻትኩም ፍልጠት ስለዝነዓቕኩም ኣነውን ካህናት ከይትኾኑኒ ነዓቕኩኹም። ሕጊ ኣምላኽኩም ስለዝረሳዕኹም፥ ኣነውን ንደቅኹም ክርስዖም እየ።

7“ብዝበዝሑ መጠን ኣብ ልዕለይ ዝገብርዎ ሓጢኣት በዚሑ ኣሎ። ኣነ ድማ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ኽልውጦ እየ።

8ሓጢኣት ንህዝበይ ምግቢ ኾይንዎም ኣሎ፤ ልቦም ድማ ናብ በደል የድህብ ኣሎ።

9እቶም ካህናትውን ካብቶም ህዝቢ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። ንዅሎምውን ከም መጠን ኣካይዳኦም ክቐፅዖም እየ። ከም ስራሓቶምውን ክኸፍሎም እየ።

10ንእግዚኣብሄር ምኽታል ሓዲጎም እዮም እሞ፥ ይበልዑ ግና ኣይፀግቡን፤ የመንዝሩ ግና ኣይበዝሑን እዮም።

11“ምንዝርናን ብወይኒ ምስካርን ኣእምሮ የጥፍእ እዩ።

12ንህዝበይ መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፥ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም ኣመንዚሮም እዮም እሞ፥ ህዝበይ ነቲ ዕንፀይቲ ይጥይቑ፤ በትሮምውን ይምልሰሎም።

13ኣብ ርእሲ እምባታት ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ኾረብታታት፥ ኣብ ትሕቲ ፅቡቕ ፅላል ዘለዎ ኣውሕን ስየን ፅሕድን፥ ዕጣን ይዓጥኑ። ስለዙይውን ኣዋልድኩም ይምንዝራ፤ መራዑትኩም ድማ ይዝምዋ።

14ኣወዳትኩምውን ምስተን ኣብ ቤተ ጣዖት ዘለዋ ኣመንዝራታት ይምንዝሩ፤ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲ ድማ ይስውኡ ኣለዉሞ፥ ኣዋልድኩም እንተመንዘራ፥ መራዑኹምውን እንተ ዘመዋ፥ ኣነ ኣይቀፅዐንን እየ። ዘየስተውዕል ህዝቢ ኽጠፍእ እዩ።

15“ኣታ እስራኤል ንስኻ እንተመንዘርካ ይሁዳ ኣይበድል፤ ንስኻትኩምውን ናብ ጌልገላ ኣይትእተዉ፤ ናብ ቤት ኣዌንውን ኣይትደይቡ፤ ‘ህያው እግዚኣብሄር’ ኢልኩም ከዓ ኣይትምሓሉ።

16እስራኤል ከም ሕንጊድ ዓርሒ ሓንጊዱ እዩ እሞ፥ ሕዚ እግዚኣብሄር ኣብ ገፊሕ ቦታ ኸም ጡቦትዶ ኸዋፍሮ እዩ?

17ኤፍሬም ምስ ጣዖታት ሓቢሩ እዩ እሞ ሕደግዎ።

18ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፤ ምንዝርናውን የብዝሑ ኣለዉ፤ ኣሕሉቓ የመና ነውሪ ፈተዉ።

19ንፋስ ብኣኽናፋ ኣሲርዋ፤ ንሳቶምውን ካብ መስዋእቶም ዝተልዓለ ኽሓፍሩ እዮም።

ትርጓሜ

4:1-5 ሆሴዕ ንብልሽውና ከምኡውን ንጣኦት ኣምልኾ ይቘንጽል (ይነቅፍ)። ኣብታ ሃገር ሓቂ፣ ምሕረት ወይ ፍልጠት ኣምላኽ ኣይነበረን። እታ ሃገር ብቕትለት መልአት ነበረት (2 ነገስት 21:16)። ስለዚ፡ ነታ ሃገር ዘዕንዉ መዓታት ቀሪቦም ነበሩ። ሓጢኣትና፡ ብውልቀ ሰባት፣ ብስድራ፣ ብጎረባብቲ፣ ከምኡውን ከም ህዝቢ መጠን፣ ጐይታ ምሳና ክምጕት ምኽንያት ይኸውን። እምበኣር፡ ከየጥፍእ ምእንቲ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንስገድ እሞ ርእስና ነትሕት።

4:6-11 ካህናትን ህዝብን ክልቲኦም ፍልጠት ነጸጉ፤ ኣምላኽ ድማ ብቕንዕና ክነጽጎም እዩ። ንሕጊ ኣምላኽ ረሲዖምዎ፤ ኣብ ኣእምሮኦም ንምሓዝን ንውሉድ ወለዶኦም ከተመሓላልፍዎን ኣይደለዩን ኣይጸዓሩን። ስለዚ ድማ ኣምላኽ ብቕንዕና ንኦምን ንውሉዳቶምን ክርስዖም እዩ። ነቲ ክብረትና ዝኾነና ተጠቒምና ንኣምላኽ እንተ ኣሕሲርናዮ፡ ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ንዓና ናብ ውርደት ክቕየረልና እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እናንተ የእስራኤል ልጆች ሆይ፥ እውነትና ምሕረት እግዚአብሔርንም ማወቅ በምድር ስለሌለ እግዚአብሔር በምድሩ ላይ ከሚኖሩ ጋር ክርክር አለውና የእግዚአብሔርን ቃል ስሙ። አማርኛ ENGNIV Hear the word of the Lord, you Israelites, because the Lord has a charge to bring against you who live in the land: “Th… English GAZBIB Yaa namoota Israa'el, biyyicha keessa amanamummaan, jaalalli, Waaqayyoon beekuun waan hin jirreef, Waaqayyo warra biyyi… Afaan Oromoo BCV GIZ ስምዑ ቃለ እግዚአብሔር ደቂቀ እስራኤል እስመ ይትዋቀሦሙ እግዚአብሔር ለእለ ይነብሩ ውስተ ምድር። giz GAZGAZ Yaa namoota Israa'el, biyyicha keessa amanamummaan, jaalalli, Waaqayyoon beekuun waan hin jirreef, Waaqayyo warra biyyi… Afaan Oromoo BCV aksum ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። ትግርኛ AMHNIV በምድሪቱ በምትኖሩ በእናንተ ላይ እግዚአብሔር የሚያቀርበው ክስ ስላለው፣ እናንት እስራኤላውያን ይህን የእግዚአብሔርን ቃል ስሙ፤ “ታማኝነት የለም፤ ፍቅርም የለም፤ እግዚአብሔርንም ማወቅ በም… አማርኛ SWAHSUV Lisikieni neno la Bwana, enyi wana wa Israeli; kwa maana Bwana ana mateto nao wakaao katika nchi, kwa sababu hapana kwe… Kiswahili