ትንቢት ሆሴእ 12

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት2:03 ስማዕ
ስማዕ 2:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ።

2እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፤ ንያእቆብ ድማ ኸም መጠን መንገዱ ይቐፅዖ፤ ከም መጠን ስራሑውን ክምልሰሉ እዩ።

3ኣብ ከርሲ እኖኡ እንተሎ ዅርኵሮ ሓዉ ሓዘ፤ ምስ ጐበዘ ኸዓ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።

4ምስ መልኣኽውን ተቓሊሱ ኣሸነፈ፤ በኽዩ ለመኖ፥ ንሱውን ኣብ ቤትኤል ረኸቦ፤ ኣብኡ ኸዓ ምሳና ተነጋገረ።

5ንሱውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፤ ዝዝከረሉ ስም ከዓ እግዚኣብሄር እዩ።

6ስለዙይ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ፤ ምሕረትን ፍትሕን ሓሉ፤ ኵልሻዕ ብኣምላኽካ ተኣመን።

7ካብ ወገን ከነዓን እዩ፤ ኣብ ኢዱ ድማ ሚዛን ሓሰት ኣለዎ፤ ጥበራውን ይፈቱ።

8“ኤፍሬም ኣነ ሃብታም ኮንኩ፤ ንብረትውን ኣጥሪየለኹ። ኣብ ኵሉ ፃዕረይ፥ ሓጢኣት ዝኸውን በደል ኣይርከበንን” በለ።

9ካብ ምድሪ ግብፂ ጀሚረ ኣነ ኣምላኽኩም እየ፤ ከምቲ ብመዓልቲ በዓልኩም እትገብርዎ ዝነበረ፥ መሊሰ ኣብ ድንኳናት ከንብረኩም እየ።

10“ንነቢያት ተዛረብክዎም፤ ብዙሕ ራእያትውን ኣርአኽዎም፤ ብኢድ ነቢያት ገይረ ድማ ምስላታት ነገርኩ።

11ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”

12ያእቆብ ናብ ሶርያ ሃዲሙ ኸደ፤ እስራኤልውን ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝአ፤ ምእንቲ ሰበይቲ ኸዓ ጓሳ ኾነ።

13እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብነቢይ ገይሩ ኻብ ግብፂ ኣውፅኦም፤ ብኢድ ነቢይ ድማ ሓለዎም።

14ኤፍሬም ግና ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፤ ስለዙይ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ፤ ጐይታኡ፥ ንፀርፉ ኣብ ልዕሊኡ ኽምልሰሉ እዩ።

ትርጓሜ

12:1-6 ኤፍሬም ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ኣብ ዘለዎ እዋን፡ ብሃንደበታዊ ትምኒት ሓገዝ ሰብ ይምግብ ነበረ። ኣይሁድ ድማ፡ ንግብጻውያን ብፍረ ምድሮም ሃብቶም ከውሕስዎም ብኸንቱ ሓሲቦም ነበሩ። ምስ ይሁዳ እውን ሕሳብ ኣሎ። ኣምላኽ ንሓጢኣት ህዝቡ ይርኢ፡ እሞ በዚ ድማ ምስኦም ክሕሰብ እዩ። ያእቆብ እንታይ ከም ዝገበረን ኣምላኽ ድማ ንእኡ እንታይ ከም ዝገበረሉን ይእምመዩ። እምነቱ ኣብ መለኮታዊ ተስፋ ንፍርሓቱ ምስ ሰዓረ፡ ሽዑ ብጽንዓቱ ምስ ኣምላኽ ተባዕተወ። ንሱ የሆዋ እዩ፡ ዝነበረ፡ ዘሎን ዝመጽእን። ነቲ ሓደ ሰብ ዝተገልጸ ናይ ኣምላኽ ምግላጽ፡ ንብዙሓት፡ ንኹሉ ወለዶ ድማ መዘከርታኡ እዩ። እምብኣርከስ ካብ ኣምላኽ ዝዘመሙ፡ ናብኡ ይመለሱ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኤፍሬም ነፋስን ይበላል፥ የምሥራቅንም ነፋስ ይከተላል፤ ሁልጊዜም ሐሰትንና ተንኰልን ያበዛል፤ ከአሦር ጋር ቃል ኪዳን ያደርጋሉ፥ ወደ ግብፅም ዘይት ይወስዳሉ። አማርኛ ENGNIV Ephraim feeds on the wind; he pursues the east wind all day and multiplies lies and violence. He makes a treaty with As… English BCV ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፤ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከዓ ይስዕብ። ኵሉ መዓልቲ ሓሰትን ዓመፅን የብዝሕ። ምስ ኣሶር ቃል ኪዳን ይኣትዉ፤ ናብ ግብፂ ድማ ዘይቲ ይወስዱ። ትግርኛ GAZBIB “Efreem qilleensaa wajjin in oola, guyyaa guutuus qilleensa gara ba'a-biiftuu duukaa in fiiga; soba, humnaan nama irrat… Afaan Oromoo BCV GIZ ኤፍሬምሰ ጋኔን እኩይ ዘይዴግን ክብረ ወኵሎ ኩንቶ ወሐሰተ አብዝኅ፤ ወተካየደ ኪዳነ ምስለ ፋርስ ወየሐውር ግብፀ ከመ ይምህርዎ። giz GAZGAZ “Efreem qilleensaa wajjin in oola, guyyaa guutuus qilleensa gara ba'a-biiftuu duukaa in fiiga; soba, humnaan nama irrat… Afaan Oromoo AMHNIV ኤፍሬም የነፋስ እረኛ ነው፤ ቀኑን ሙሉ የምሥራቅን ነፋስ ይከተላል፤ ሐሰትንና ዐመፅን ያበዛል። ከአሦር ጋር ቃል ኪዳን ያደርጋል፤ የወይራ ዘይትንም ወደ ግብፅ ይልካል። አማርኛ SWAHSUV Efraimu hujilisha upepo, na kuandamana na upepo wa mashariki; haachi kuongeza uongo na uharibifu; nao wafanya agano na … Kiswahili