1ከምዙይ ክንብል እንተለና፥ ገና ንባዕልትና ንንእድ ዲና ዘለና? ወይ ከምቲ ገሊኣቶም ዝገብርዎ፥ ናባኻትኩም ወይ ከዓ ኻባኻትኩም፥ ናይ ናእዳ መልእኽቲ የድልየና ድዩ?
2እታ ዅሉ ሰብ ምእንቲ ኽፈልጣን ከንብባን፥ ኣብ ልብና(ሀ) ዝተፅሓፈት ናይ ናእዳ መልእኽትና፥ ንስኻትኩም ኢኹም።
3ንስኻትኩም፥ ካብ ክርስቶስ ዝተልኣኸት፥ ብኣናውን ዝበፅሐት፥ ብቐለም ዘይኮነ፥ ብመንፈስ እቲ ህያው ዝኾነ እግዚኣብሄር ዝተፅሓፈት፥ ኣብ ፅላት እምኒ ዘይኮነ፥ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ዝተቐርፀት መልእኽቲ ምዃንኩም፥ ግሁድ እዩ።
4እዙይ እንብል ዘለና ኸዓ፥ በቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዘለና፥ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ እምነት እዩ።
5ዝኾነ ነገር ንምግባር፥ ብቕዓት ዝሃበና እግዚኣብሄር እዩ እምበር፥ ካብ ባዕልና ዝኾነ ብቕዓት የብልናን።
6ናይታ ብፊደል ዝተፅሓፈት ሕጊ ዘይኮነስ፥ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ ዝኾነት ሓዳስ ኪዳን፥ ኣገልገልቲ ኽንከውን ብቑዓት ዝገበረና እግዚኣብሄር እዩ፤ ፈደል ይቐትል፥ መንፈስ ግና ህይወት ይህብ እዩ እሞ።
7ደቂ እስራኤል፥ ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝኾነ ኽብሪ፥ ገፅ ሙሴ ምጥማት ሰኣኑ። እቲ ኣብ ፅላት እምኒ ብፊደል ዝተቐርፀ፥ ሞት ዘስዕብ ሕጊ፥ ብኽብሪ ኻብ ተገልፀ፥
8እቲ ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ብኽብሪ ዘይግለፅ?
9እቲ ዅነኔ ዘስዕብ ኣገልግሎት ካብ ከበረ፥ እቲ ፅድቂ ዘስዕብ ኣገልግሎት ደኣ፥ ከመይ በሊፁ ዘይኸብር?
10እቲ ኽቡር ዝነበረ፥ እዝ ኻብኡ ዝኸበረ ብምምፃኡ ኽብሪ ኸም ዘይነበሮ ኾነ።
11እቲ እናሃሰሰ ዝኸይድ ሓላፊ፥ ብኽብሪ ኻብ መፀ፥ እቲ ፀኒዑ ዝነብር ደኣ ኸመይ ኣብሊፁ ብኽብሪ ዘይኸውን!
12ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።
13ንሕና፥ ከምቲ ሙሴ ነቲ ዝሃስስ ዝነበረ ምንፅብራቕ ገፁ፥ ደቂ እስራኤል ከይሪእዎ ዝጕልበብ ዝነበረ ኣይኮንናን።
14እንተ ኾነ ልቦም ተደፊኑ እዩ፤ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ እንተለዉ፥ እቲ ጕልባብ ገና ኽሳዕ ሎሚ ኣይተቐልዐሎምን፤ እቲ ጕልባብ እቱይ ዝቕላዕ፥ ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ እሞ።
15እወ፥ ክሳዕ ሎሚውን ሕጊ ኦሪት ክንበብ እንተሎ፥ ልቦም ብጕልባብ ክዉል እዩ።
16ሓደ ሰብ ናብ ጐይታ እንትምለስ ግና፥ እቲ ጕልባቡ ይቕንጠጠሉ እዩ።
17ጐይታስ፥ መንፈስ እዩ፤ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፥ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።
18ንሕና ዅልና ኸዓ፥ ብቕሉዕ ገፅ፥ ክብሪ ጐይታ ኸም መስትያት እናንፀባረቕና፥ መንፈስ ካብ ዝኾነ ጐይታ ከም ዝግበር፥ ነቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ምእንቲ ኽንመስል፥ ካብ ክብሪ፥ ናብ ክብሪ ኽንልወጥ ኢና።