1ኣነ ጳውሎስ፥ ኣብ ቅድሜኹም ትሑት፥ ካባኻትኩም እንትርሕቕ ግና፥ ደፋር ዝተብሃልኩ፥ ብናይ ክርስቶስ ሕያዋይነትን ለውሃትን፥ እልምነኩም ኣለኹ።
2ነቶም ብስጋዊ መንገዲ ኸም እንነብር ገይሮም ዝቘፅሩና ሰባት፥ ብድፍረት ክምልሰሎም እኽእል እየ፤ እንተ ኾነ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብድፍረት ኣብ ምዝራብ ከይተብፅሑኒ፥ እልምነኩም ኣለኹ።
3ምንም እኳ ብልማድ ሰብ እንመላለስ እንተ ኾንና፥ ከም ልማድ ሰብ ኣይንዋጋእን።
4ኣፅዋር ውግእና፥ ስጋዊ ኣፅዋር ኣይኮነን እሞ፤ ፅኑዕ ዕርድታት ንምፍራስ ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ።
5በዙይ ከዓ ነቲ ዅሉ ሓሳብን፥ ንፍልጠት እግዚኣብሄር ብትዕቢት ዝቃረንን ነፍርሶ፤ ንዅሉ ሓሳብ ማሪኽና ድማ፥ ንክርስቶስ ከም ዝግዛእ ንገብሮ።
6ንስኻትኩም ብተኣዛዝነት ፍፁማት ምስ ኮንኩም፥ ነቲ ዅሉ ዘይእዘዝ፥ ክንቀፅዖ ድልዋት ኢና።
7ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ተመልከቱ፤ ሓደ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ፥ ዝኣምን እንተ ሃልዩ፥ ከምቲ ንሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾነ ዝተርድአ፥ ንሕናውን ናይ ክርስቶስ ከም ዝኾንና፥ ክሓስብ ይግብኦ።
8በቲ ጐይታ ንመፍረሲኹም ዘይኮነስ፥ ንምህናፅኩም ዝሃበና ስልጣን፥ ቁሩብ ሕልፊ ገይረ እንተ ደኣ ተመኪሐ ኾይነ ድማ፥ ኣይሓፍርን እየ።
9ብመልእኽታተይ ገይረ፥ ከፈራርሐኩም ዝደለኹ ኣይምሰልኩም።
10ሓድሓደ ሰባት “እተን መልእኽቲታቱ ኸበድትን ብርቱዓትን እየን፤ ብኣካል እንትረአ ግና፥ ድኹም እዩ፤ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ” ዝብሉ ኣለዉ።
11እቶም ከምዙይ ዝብሉ ሰባት፥ ከምቲ ኣብ ርሑቕ እንተለና ብመልእኽቲታትና እንብሎ፥ ብኣካል ኣብኡ ምሳኻትኩም እንተለናውን፥ ከምኡ ኸም እንብል ይፍለጡ።
12ምስቶም ባዕልቶም ንባዕላቶም ዝንእዱ፥ ርእስና ኽንቈፅር ወይ ክነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ንሳቶም ንርእሶም፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዛዝኑ፥ ንርእሶም ከዓ፥ ምስ ርእሶም ስለ ዘመዓራርዩ፥ ዘየስተውዕሉ እዮም።
13ንሕና ግና ናባኻትኩም ክሳዕ እንበፅሕ፥ በቲ እግዚኣብሄር ዝወሰነልና መጠን እምበር፥ ካብ መጠን ሓሊፍና ኣይንምካሕን ኢና።
14ቅድሚ ዅሉ፥ ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዝሰበኽናልኩም ንሕና ኢና፤ ስለዙይ ብኣኻትኩም እንተ ተመካሕና፥ ካብ ዝተወሰነልና ዝሓለፍና ኣይመስለንን።
15ንሕናስ ካብ ዝተወሰነልና ሓሊፍና፥ በቲ ኻልኦት ዝደኸሙሉ፥ ኣይንምካሕን ኢና። እኳ ደኣ እምነትኩም ክዓቢ እሞ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዝተወሰነልና ኣገልግሎት ክሰፍሕ፥ ተስፋ ንገብር ኣለና።
16ኣብቲ ኻልኦት ኣቐዲሞም ብዝሰርሑሉ እንተይተመካሕና፥ ካባኻትኩም ሓሊፍና፥ ናብ ካልኦት ሃገራት ወንጌል ክንሰብኽ ኢና።(ሀ)
17“እቲ ዝምካሕ፥ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ” ከም ዝብሎ፥
18እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፥ እቲ ንባዕሉ ዝንእድ ሰብ ኣይኮነን ተቐባልነት ዝረክብ።