ቆሬ ኣብ ምድረበዳ ንሙሴን ንኣሮንን ብምቅዋም ዕልወት ዝመርሐ ሌዋዊ ነበረ (ዘኁ.16)። ንሱ ወዲ ይስሃር እዩ ነይሩ ካብ ወገን ቃሃት ድማ ነበረ (ዘጸ 6:21,24)። ቆሬ ምስ ዳታን፣ ኣቢራምን 250 ዝኾኑ ፍሉጣት መራሕቲ ማሕበረሰብን ኮይኑ ንሙሴን ንኣሮንን ካብ ጉባኤኦም ንላዕሊ ርእሶም ኣዕብዮምዎም ኢሎም ከሰስዎም (ዘኍ 16:1-3)። ተኸተልቲ ቆሬ ዕጣን ምስ ኣቕረቡ ኣምላኽ ብሓዊ ኣጥፍኦም (ዘኍ 16:35)። ምድሪ ተኸፊታ ንቆሬ፣ ንዳታን፣ ንኣቢራምን ንስድራቤቶምን ወሓጠቶም (ዘኍ 16:31-33)። ደቁ ግን ኣይሞቱን (ዘኍ 26:11)። እቶም ናይቶም ዓመጸኛታት ዝነበሩ መቓጽል ኣስራዚ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ከም ዘይዕልዉ ንምዝካር ንመሰውኢ መሸፈኒ ኾኑ (ዘኍ 16:38-40)። ወለዶ ቆሬ ሙዚቀኛታት ቤተ መቕደስ (1ኛ ዜና 6:22,37፤ መዝ.42-49፤ 84-88) ከምኡውን ሓለውቲ ደገ (1ኛ ዜና 9:19፤ 26.1,19) ኾኑ። ገሊኦም ኣብ ጺቅላግ ምስ ዳዊት ዝተሓወሱ ሓያላት ተዋጋእቲ ነበሩ (1ኛ ዜና 12:6)፣ ካልኦት ድማ ድሕሪ ስደት ኣብ ኢየሩሳሌም ሰፈሩ (1ኛ ዜና 9:31)። ቆሬያውያን ድማ ኣብ ዘመን ንግስና ኢዮሳፍጥ ዘመሩ (2ኛ ዜና 20:19) ከምኡውን ኣብ ዝርዝር ወገናት ሌዋውያን ተኻቲቶም ኣለዉ (ዘኍ 26:58)።
ቆሬ
ይስሃርትግርኛካብ ነገድ ሌዊ ዝኾነ፣ ኣብ ግብጽን ኣብ ምድረበዳን ዝነበረ ሰብ፤ ንመጀመርታ ግዜ እተጠቕሰ ኣብ ዘጸ.6.21 እዩ።