ትንቢት ዘካርያስ 9

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:40 ስማዕ
ስማዕ 3:40 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፆር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሴድራክ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደማስቆውን ይዓርፍ፤ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገድ እስራኤልን እዩ።

2ከምኡውን ኣብታ እተዋስና ሃማት፥ የመና ጥበበኛታት ኣብ ዝኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ጢሮስን ኣብ ልዕሊ ሲዶናን እዩ።

3ጢሮስውን ንባዕላ ዕርዲ ሰሪሓ ኣላ፤ ንብሩር ከም ሓመድ፥ ንፅሩይ ወርቂ ድማ ኸም ጭቃ መንገዲ ደለበት።

4እንሆ፥ ጐይታ ኽገፋ እዩ፤ ኣብ ባሕሪ ንዘሎ ሓይላውን ክድምስስ እዩ፤ ንሳውን ብሓዊ ኽትቃፀል እያ።

5ኣስቀሎና ነዙይ ሪኣ ኽትፈርሕ እያ፤ ጋዛውን ነዙይ ሪኣ የመና ኽትሓምም እያ። ኣስቀሎና ድማ ኸምኣተን ተስፋ ኽትቈርፅ እያ። እቲ ንጉስ ካብ ጋዛ ኽጠፍእ እዩ። ኣብ ኣስቀሎና ኸዓ ዝነብር ኣይርከብን።

6“ኣብ ኣዛጦን ዝተሓናፈፀ ዓሌት ክነብር እዩ፤ ትዕቢት ፍልስጥኤማውያንውን ከጥፍእ እየ።

7ደሙ ኻብ ኣፉ፥ ነቲ ርኹስ ነገርውን ካብ ማእኸል ኣስናኑ ኸወግድ እየ፤ ንሱ ድማ ንኣምላኽና ተረፍ ክኸውን እዩ። ኣብ ይሁዳውን ከም ሓደ ሓለቓ ክኸውን እዩ፤ ኣስቀሎና ከዓ ኸም ኢያቡሳዊ ክኸውን እዩ።

8ኣነ ኸዓ ዝኾነ ኸይኣትዋን ከይምለሳን፥ ንቤተይ ከም ሓላዊ ሰራዊት ሰፈር ገይረ ኽሕልዋ እየ። ጭንቆም ሪአ እየሞ፥ ድሕሪ ደጊም ንህዝበይ ጨቈንቲ ኣይሓልፍዎምን።”

9ኣቲ ጓል ፅዮን፥ የመና ደስ ይበልኪ፤ ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም፥ ዕልል በሊ፤ እንሆ ንጉስኪ ፃድቕን መድሕንን እዩ፤ ትሑት እዩ፤ ኣብ ኣድጊ፥ ኣብ ገልገል ኣድጊ፥ ኣብ ፃዕቢ ተቐሚጡ ናባኺ ክመፅእ እዩ።

10“ንሰረገላታት፥ ካብ ኤፍሬም፥ ነፍራስ ከዓ ኻብ ኢየሩሳሌም ከጥፍእ እየ። ቀስትታት ውግእ ክስበር እዩ፤ ንኣህዛብውን ሰላም ክእውጅ እዩ፤ ግዝኣቱ ኸዓ ኻብ ባሕሪ፥ ክሳዕ ባሕሪ፥ ካብቲ ሩባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ክኸውን እዩ።”

11“ንኣኺ ድማ ስለ እቲ ምሳኺ ዝኣተኹዎ፥ ናይ ቃል ኪዳን ደም፥ ነቶም እሱራትኪ፥ ማይ ካብ ዘይብሉ ጕድጓድ፥ ሓራ ኣውፂአዮም ኣለኹ።

12ኣቱም ብተስፋ እትነብሩ እሱራት፥ ናብ ዕርድኹም ተመለሱ፤ ሕዚ ኽልተ ዕፅፊ ገይረ፥ ከም ዝመልሰልኪ እነግረኪ ኣለኹ።

13ንይሁዳ ኸም ቀስቲ፥ ንኤፍሬም ከዓ ኸም ፍላፃ ኽገብሮም እየ፤ ኦ ፅዮን፥ ንደቅኺ፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ግሪኽ ከልዕሎም እየ፤ ንኣኺውን ከም ሰይፊ ሓያል ክገብረኪ እየ።”

14እግዚኣብሄር ኣብኣቶም ክግለፅ እዩ፤ ፍላፃታቱ ኸም በርቂ ኽወፅእ እዩ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር መለኸት ክነፍሕ እዩ፤ ብኣውሎ ንፋስ ደቡብ ድማ ክኸይድ እዩ።

15ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ንህዝቡ ኸዕቝቦም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኽድምስስዎም እዮም፤ ኣእማን እቲ ወንጭፍ ድማ ኽረግፁ እዮም፤ ከም ወይኒ ኽሰትይዎም እዮም፤ ከም ፅዋዕን ከም መኣዝናት መሰውኢን፥ ዝተማልኡ ክኾኑ እዮም።

16በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ፥ ከም መጓሳ ኣባጊዕ ከድሕኖም እዩ፤ ንሳቶም ድማ ኸምቲ ኣብ ዘውዲ ዘሎ ኽቡር ኣዕናቝ ዘንፀባርቕ፥ ከምኡ ኣብ ምድሩ ኸንፀባርቑ እዮም።

17ሕያዋይነቱ ኸመይ ዓብዪ እዩ! ፅባቐኡኸ ኸምይ ዓብዪ እዩ! እኽሊ ነጕባዝ፥ ወይኒ እውን ንቘናጁ የለምልም።

ትርጓሜ

9:1-8 ኣብዚ ንብዙሓት ኣህዛብ እተነግረ ፍርዲ ኣሎ። መቄዶናውያንን ወረስቲ እስክንድርን ኣብዘን ሃገራት እዘን ኪዋግኡ ኸለዉ፡ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ኺከላኸለሎም ተመባጺዑ። ቤት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ሃገር ጸላኢ ትርከብ፤ ቤተ ክርስትያኑ ኸኣ ከም ዕንባባ ሱፍ ኣብ ማእከል እሾኽ እያ። ሓይሊ ኣምላኽን ሰናይነቱን ብፍሉይ ምሕላዋ ይረአ። እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያኑ ይኸብባ፤ ሰራዊት ናይ ዕቡያት ተቓወምቲ ኪሓልፉን ኪምለሱን ኸለዉ ኸኣ፡ ኣዒንቱ ይሕልዋ እሞ ኺሰግሩ ኣይክእሉን። ከምኡ’ውን፡ ብቕሩብ ግዜ፡ ኣንዳዲ ከም ብሓድሽ ብኣኣ ዘይሓልፈሉ እዋን ኪመጽእ እዩ።

9:9-17 እቲ ነብዪ፡ እዚ ትንቢት እዚ፡ ኣስጋር ኣይሁድ ብዛዕባኡ ከም ዝገለጽዎ፡ ብዛዕባ ምጽኣት መሲሕ ብሓጎስ ይገልጽ። ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብሆሳዕናታት ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተወ፡ ባህርይ ንጉሶም ሓዘ። ግናኸ፡ መንግስቱ መንፈሳዊት መንግስቲ እያ። ብግዳማዊ ሓይሊ ወይ ብስጋዊ ኣጽዋር ኣይትሰጎምን። ወንጌሉ ናብ ዓለም ክስበኽ እዩ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ከኣ ተቐባልነት ክረክብ እዩ። ሓጢኣተኛዊ ኩነታት፡ ኩነታት ባርነት እዩ። ማይ ዘይብሉ፡ ምጽንናዕ ዘይብሉ ጕድጓድ ወይ ቤት ማእሰርቲ እዩ። ብባህርይና ድማ ኩላትና ኣብዚ ጕድጓድ እዚ እሱራት ኢና።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የእግዚአብሔር ቃል ሸክም በሴድራክ ምድር ላይ ነው፥ በደማስቆም ላይ ያርፋል፤ የእግዚአብሔር ዓይን ወደ ሰውና ወደ እስራኤል ነገድ ሁሉ ዘንድ ነው፤ አማርኛ ENGNIV The word of the Lord is against the land of Hadrach and will rest upon Damascus– for the eyes of men and all the tribes… English BCV ፆር ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ሴድራክ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ደማስቆውን ይዓርፍ፤ ዓይኒ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ሰባትን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ነገድ እስራኤልን እዩ። ትግርኛ GAZBIB Dubbiin Waaqayyo waa'ee biyya Hadraakiif dubbate mandara Damaasqoo irras in ga'e; iji namoota kan biraa, iji gosoota Is… Afaan Oromoo BCV GIZ ተረፈ ቃለ እግዚአብሔር በምድረ ሴድራ ወደማስቆ መሥዋዕቱ ለእግዚአብሔር ወኵሉ ሕዝበ እስራኤል። giz GAZGAZ Dubbiin Waaqayyo waa'ee biyya Hadraakiif dubbate mandara Damaasqoo irras in ga'e; iji namoota kan biraa, iji gosoota Is… Afaan Oromoo AMHNIV የእግዚአብሔር ቃል ንግር በሴድራክ ምድር ላይ ይወርድበታል፤ በደማስቆም ላይ ያርፍበታል፤ የሰዎችና የእስራኤል ነገዶች ሁሉ ዐይን፣ በእግዚአብሔር ላይ ዐርፎአልና። አማርኛ SWAHSUV Ufunuo wa neno la Bwana, lililosemwa juu ya nchi ya Hadraki, na Dameski itakuwa mahali pake pa kustarehe; kwa maana jic… Kiswahili