ትንቢት ዘካርያስ 12

BCV aksumትግርኛ14 ፍቕድታት3:21 ስማዕ
ስማዕ 3:21 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦

2“እንሆ፥ ንኢየሩሳሌም፥ ኣብ ዙርያኣ ንዘለዉ ዅሎም ኣህዛብ ገድገድ ከም ዘብል ፅዋዕ ኽገብራ እየ፤ ከምኡውን ኢየሩሳሌም እንትትክበብ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኸምዙይ ክኸውን እዩ።

3በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንኢየሩሳሌም ንዅሎም ኣህዛብ ከቢድ እምኒ ኽገብራ እየ፤ እቶም ኵሎም ክስከምዋ ዝፍትኑ፥ ንባዕላቶም የመና ኽቘስሉ እዮም፤ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ እውን፥ ኣብ ልዕሊኣ ኽእከቡ እዮም።

4በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንዅሉ ኣፍራስ ብድንጋፀ፥ ንዝቕመጥዎም ሰባት ድማ ብዕብዳን ክወቅዕ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንቤት ይሁዳ ብዓይነይ ክሕሉ እየ፤ ኣዒንቲ ዅሎም ኣፍራስ ኣህዛብውን ከዕውር እየ።

5ሽዑ ኣሕሉቕ ይሁዳ ብልቦም ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ብኣምላኾም ብጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብርታዐ ኣሎ’ ኽብሉ እዮም።

6“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።

7“እግዚኣብሄር ድማ ኽብሪ ቤት ዳዊትን ክብሪ ኢየሩሳሌምን ኣብ ክብሪ ይሁዳ ኸይዕበ፥ መጀመርታ ንመንበሪታት ይሁዳ ኸድሕን እዩ።

8በታ መዓልቲ እቲኣ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩ ኽምክተሎም እዩ፤ ካብ መንጎኣቶም የመና ድኹም ዝኾነ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ዳዊት ክኸውን እዩ። ቤት ዳዊትውን ቀቅድሚኣቶም ከም ዝኸይድ፥ ከም መልኣኽ እግዚኣብሄር፥ ከም ኣምላኽ ክኾኖም እዩ።

9በታ መዓልቲ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኢየሩሳሌም ከጥፍእዋ ዝለዓሉ ዅሎም ኣህዛብ፥ ከጥፍኦም ክለዓል እየ።

10“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።

11በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ከምቲ ንሃዳድሪሞን ኣብ ጐልጐል መጊዶ ዝበኸዩሉ ብኽያት፥ ከምኡ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ብኽያት ክኸውን እዩ።

12እታ ምድሪ ኸዓ ኽትበኪ እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ዓሌት ነንበይኑ፥ ዓሌት ቤት ዳዊት ንበይኖም፥ ኣንስቶም ድማ ንበይነን፥ ዓሌት ቤት ናታን ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥

13ዓሌት ቤት ሌዊ ንበይኖም፥ ኣንስቶም ከዓ ንበይነን፥ ዓሌት ሰሜኢ ንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን፥ ኮይኖም ክበኽዩ እዮም።

14ኵሎም እቶም ዝተረፉ ዓሌታት ድማ በብዓሌቶም ነንበይኖም፥ ኣንስቶምውን ንበይነን ኮይነን ክበኽያ እየን።”

ትርጓሜ

12:1-8 እዚ ንኹሎም ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ጾር ዝኸውን መለኮታዊ ትንቢት እዩ። ግናኸ ንእስራኤል ንምጽንናዕን ንጥቕሞምን እዩ። ኣምላኽ ምኽሪ ጸላእቲ ቤተ ክርስቲያን ከኽትሞን ትብዓቶም ከዳኽሞን ተስፋ ተዋሂቡ እዩ። እቲ ምሉእ ትርጉሙ ግልጺ ኣይኮነን፤ ግናኸ ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ብምጥራይ ድኻታትን ንዑቓትን እዩ ዝጅምር። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እቶም ዝደኸሙ እኳ ከም ዳዊት ክኾኑን ብትብዓትን ብኹሉ ሰናይ ነገርን ከኣ ልዑላን ክኾኑ እዮም። ብሓቂ እተደልየ እዩ እቶም ክርስትያናት ብኣብነታቶምን ብጻዕርታቶምን ገይሮም፡ ኣብ ማእከል ዕንጸይቲ ከም ሓዊ፡ ኣብ ማእከል ስራር ከም ቶርቺ ኮይኖም፡ ነበልባል መለኮታዊ ፍቕሪ ከብርሑን ሃይማኖት ብየማንን ብጸጋምን ከዝርግሑን።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ስለ እስራኤል የተነገረ የእግዚአብሔር ቃል ሸክም ይህ ነው። ሰማያትን የዘረጋ፥ ምድርንም የመሠረተ፥ የሰውንም መንፈስ በውስጡ የሠራ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፦ አማርኛ ENGNIV This is the word of the Lord concerning Israel. The Lord, who stretches out the heavens, who lays the foundation of the… English BCV ስለ እስራኤል ዝተነግረ ፆር ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ንሰማያት ዝዘርገሐ፥ ንምድሪ ዝመስረተ፥ ንመንፈስ ሰብውን ኣብ ውሽጡ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ትግርኛ GAZBIB Dubbiin Waaqayyo waa'ee Israa'eliif dubbate kanatti fufee jira; Waaqayyo inni waaqota diriirse, inni hundee lafaa kaa'e… Afaan Oromoo BCV GIZ ተረፈ ቃለ እግዚአብሔር ላዕለ እስራኤል፤ ይቤ እግዚአብሔር፦ ዘሰፍሐ ሰማየ ወሣረረ ምድረ ወይፈጥር መንፈስ ላዕለ ሰብእ፤ giz GAZGAZ Dubbiin Waaqayyo waa'ee Israa'eliif dubbate kanatti fufee jira; Waaqayyo inni waaqota diriirse, inni hundee lafaa kaa'e… Afaan Oromoo AMHNIV ስለ እስራኤል የተነገረው የእግዚአብሔር ቃል ይህ ነው፤ ሰማያትን የዘረጋ፣ ምድርን የመሠረተ የሰውንም መንፈስ በውስጡ የሠራ እግዚአብሔር እንዲህ ይላል፤ አማርኛ SWAHSUV Ufunuo wa neno la Bwana juu ya Israeli. Haya ndiyo asemayo Bwana, azitandaye mbingu, auwekaye msingi wa dunia, aiumbaye… Kiswahili