1እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
2እንሆ ኸዓ፥ ኣምበላይ ፈረስ እንትወፅእ ረአኹ፤ እቲ ዝተቐመጦ ድማ፥ ቀስቲ ሒዙ ነበረ፤ ኣኽሊልውን ሃብዎ፤ ክስዕር ወፀ፤ ሰዓረ ድማ።
3ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአç በለኒ።
4ካልእ ቀይሕ ፈረስ ድማ ወፀ፤ ነቲ ዝተቐመጦውን፥ ሰባት ንስንሳቶም ንኽቃተሉ፥ ካብ ምድሪ ሰላም ከጥፍእ ስልጣን ተውሃቦ። ዓብዪ ሰይፊ እውን ተውሃቦ።
5ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከዓ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ፀሊም ፈረስውን ረአኹ። እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።
6ካብ ማእኸል እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ድምፂ ሰብ ብዝመስል፥ “ሓደ መስፈሪ ስርናይ ብዲናር፥ ሰለስተ ምሸ ስገም ከዓ ብዲናር፥ ዘይትን ወይንን ግና ኣይትጕዳእ”(ሀ) እንትብል ሰማዕኹ።
7ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
8እንሆ ድማ ግራጫ ፈረስ ረአኹ፤ ስም እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረውን፥ ሞት እዩ። ሲኦልውን ይስዕቦ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ራብዓይ ክፋል ምድሪ ብዅናት፥ ብጥሜት፥ ብፌራ፥ ብኣራዊት ምድሪ ገይሮም፥ ንኽቐትሉ ስልጣን ተውሃቦም።
9ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ።
10ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም?” እናበሉ ጠርዑ”
11ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።
12እቲ በጊዕ፥ ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ክፈትሖ እንተሎ ኸዓ ረአኹ። ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ፀሓይ ከም ወጮ ፀለመት፤ ወርሒ እውን ኵለንትናኣ፥ ከም ደም ኮነት።
13ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።
14ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።
15ነገስታት ምድርን፥ መሳፍንትን፥ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ሃብታማትን፥ ሓያላትን፥ ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን፥ ኣብ ውሽጢ በዓትታትን፥ ኣብ ኣኻውሕ እምባታትን ተሓብኡ።
16ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።
17እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም(ለ) መፂኣ እያ እሞ፥ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል?” በልዎም።