1ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።
2ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።
3መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።
4እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ።
6ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።
7መርዓ እቲ በጊዕ በፂሑ፤ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤
8ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
9ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።
10ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።
11ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።
12ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።
13ብደም ዝጠልቀየ(ሀ) ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።
14ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ።
15ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
16ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን(ለ) ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።
17ብድሕሪዙይ፥ ሓደ መልኣኽ፥ ኣብ ፀሓይ ደው ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ፦ “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤
18ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።
19እቲ ኣራዊትን፥ እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከዓ፥ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠን፥ ምስቶም ሰራዊቱን፥ ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።
20እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።
21እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።