ራእይ ዮሃንስ 19

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:37 ስማዕ
ስማዕ 4:37 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።

2ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።

3መሊሶም ከዓ፥ “ሃሌ ሉያ! ንዘለኣለመ ኣለም ትካ ንላዕሊ ይወፅእ” እናበሉ፥ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ።

4እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

5ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ።

6ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።

7መርዓ እቲ በጊዕ በፂሑ፤ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤

8ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።

9ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።

10ኣነ ድማ ነቲ መልኣኽ ክሰግደሉ፥ ኣብ ትሕቲ እግሩ ወደቕኩ፤ ንሱ ግና “ሕደግ! ከምኡ ኣይትግበር! ኣነውን፥ ከማኻን ከምቶም ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ዝሕልዉ ኣሕዋትካን፥ ኣገልጋሊ እየ፤ ንእግዚኣብሄር ደኣ ስገድ፤ እቲ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት፥ ናይ ትንቢት መንፈስ እዩ እሞ” በለኒ።

11ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።

12ኣዒንቱ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፤ ኣብ ርእሱውን፥ ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፤ ኣብ ልዕሊኡውን፥ እንትርፊ ባዕሉ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ዝተፅሓፈ ስም ኣለዎ።

13ብደም ዝጠልቀየ(ሀ) ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።

14ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ።

15ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።

16ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን(ለ) ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።

17ብድሕሪዙይ፥ ሓደ መልኣኽ፥ ኣብ ፀሓይ ደው ኢሉ ረአኹ፤ ነተን ኣብ ሰማይ ዝነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ድማ፥ ብብርቱዕ ድምፂ፦ “ንዕነ፥ ናብቲ ዓብዪ ድራር እግዚኣብሄር ተኣከባ፤

18ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።

19እቲ ኣራዊትን፥ እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከዓ፥ ምስቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠን፥ ምስቶም ሰራዊቱን፥ ክዋግኡ ተኣኪቦም ረአኹ።

20እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።

21እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።

ትርጓሜ

19:1-10

ንዝረኸብናዮ ንኣምላኽ ምምስጋን፡ ብዛዕባ እቲ ገና ንዓና ኺግበር ዘለዎ ምምልማል እዩ። ኣብዛ መዝሙር ዓወት እዚኣ ኣብ መንጎ መላእኽትን ቅዱሳንን ስምረት ኣሎ። ክርስቶስ ናይ ቤዛነት ዝረኸበት ቤተ ክርስትያኑ መርዓዊ እዩ። እዚ ካልኣይ ሕብረት እዚ ኣብ ሰማይ ኪፍጸም እዩ፤ ግናኸ መጀመርታ ናይቲ ኽብሪ ዝመልኦ ሽሓዊ ዓመት (በዚ ማለት፡ ንሽሕ ዓመት ኣብ ምድሪ ዝኸውን ግዝኣት ክርስቶስ ወይ ድማ ሓጎስ ዝመልኦ ኩነታት) ኣብ ምድሪ ኸም በዓል መርዓኡ ኪቑጸር ይኽእል እዩ። ሽዑ ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ፡ ብትምህርቲ፡ ብስርዓት፡ ብኣምልኾ፡ ከምኡውን ብግብሪ ካብ ስሕተታት፡ ምፍልላይ፡ ከምኡውን ምብልሻው ተንጺሓ፡ ከም ፍትውቱን ፍቕርቱን ብእኡ ብግልጺ ንኽትድነቕ ኪዳሎ እያ። እታ ቤተ ክርስትያን ተራእየት፤ ብሓጓፍ፡ ብሽላኽን ክዳውንቲ እኖ ኣመንዝራታት ዘይኮነስ፡ ግናኸ ብጽሩይ ጻዕዳ ክዳውንቲ። ብኽዳውንቲ ጽድቂ ክርስቶስ፡ ንምስጋት ተቖጺሩ፡ ከምኡውን ንምቅዳስ ተዋሂቡ። ተስፋታት ወንጌል፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ቓላት፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተኸፊቱ፡ ተሰሪሑ፡ ከምኡውን ተሓቲሙ፡ ብቕዱሳት ስርዓታት፡ ናይ መርዓ ድግስ እዩ። እዚ ዚመጽእ ሓጎስ ዝመልኦ መዓልታት ክርስትያናት ኪቕበልዎ ዘለዎም ነቲ ብዙሕ ጸጋን ምጽንናዕን ዚጠቅስ ዚመስል እዩ። ሃዋርያ ንመልኣኽ ክብሪ ኣቕረበ። እቲ መልኣኽ ነጺግዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ከዚህ በኋላ በሰማይ፦ “ሃሌ ሉያ፤ በዝሙትዋ ምድርን ያጠፋችይቱን ታላቂቱን ጋለሞታ ስለ ፈረደባት፥ የባሪያዎቹንም ደም ከእጅዋ ስለ ተበቀለ፥ ፍርዶቹ እውነትና ጽድቅ ናቸውና ማዳንና ክብር ኃይ… አማርኛ ENGNIV After this I heard what sounded like the roar of a great multitude in heaven shouting: “Hallelujah! Salvation and glory… English GAZBIB Kana booddee tuuta baay'ee sagalee guddaadhaan waaqa keessaa huursu nan dhaga'e; innis, ?Haaleluyaa! Fayyinni, guddinni… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምድኅረ ዝንቱ ተሰምዐ ቃል ዐቢይ እምሰማይ ከመ ዘብዙኅ ሰብእ ወይብሉ፦ “ሃሌ ሉያ እስመ ስብሐት ወፍርቃን ወኀይል ለአምላክነ። giz GAZGAZ Kana booddee tuuta baay'ee sagalee guddaadhaan waaqa keessaa huursu nan dhaga'e; innis, ?Haaleluyaa! Fayyinni, guddinni… Afaan Oromoo BCV aksum ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ። ትግርኛ AMHNIV “ከዚህ በኋላ የብዙ ሰዎችን ድምፅ የሚመስል ታላቅ ድምፅ በሰማይ እንዲህ ሲል ሰማሁ፤ ሃሌ ሉያ! ማዳን፣ ክብርና ኀይል የአምላካችን ነው፤ አማርኛ SWAHSUV Baada ya hayo nikasikia sauti kama sauti ya makutano mengi, sauti kubwa mbinguni, ikisema, Haleluya; Kiswahili