1እግዚኣብሄር ኣብ ማሕበር ኣማልኽቲ ቖመ፤ ኣብ ማእኸል ኣማልኽቲውን ይፈርድ።
2ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ብዓመፅ እትፈርዱ? ንገፅ ሓጥኣን ርኢኹም ከዓ እተዳልዉ?
3ንድኻታትን ንደኽታማትን ፍረዱሎም፤ ንጥቑዕን ንምስኪንን ከዓ ፍትሒ ኣውፅኡሎም።
4ንድኻን ንምስኪንን ኣናግፉ፤ ካብ ኣእዳው ሓጥኣንውን ኣናግፍዎም።
5ኣይፈልጡን፤ ኣየስተውዕሉን፤ ኣብ ውሽጢ ፀልማት ይመላለሱ፤ ኵሉ መሰረት ምድሪ ተናወፀ።
6ኣነስ፥ “ኣማልኽቲ ኢኹም፤ ኵልኻትኩምውን ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም” በልኩ፤
7“ግና ኸም ሰብ ክትሞቱ፥ ከም ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕውን ክትወድቁ ኢኹም” በልኩ።
8ኦ ኣምላኽ፥ ተስእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እውን ፍረድ፤ ንስኻ ንዅሎም ኣህዛብ ክትወርስ ኢኻ።