1ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስን ኣብ መገዲ ሓጥኣን ዘይቀውምን ኣብ ዝፋን መላገጽቲ ዘይቅመጥን ሰብ ብጹእ እዩ።
2ባህታኡ ግና ብሕጊ እግዚኣብሄር እዩ። ኣብ ሕጉ ድማ ለይትን መዓልትን የስተንትን።
3ከምቲ ኣብ ወሓይዝ ማይ እተተኽለ፡ ብግዜኡ ፍርያቱ ዚፈሪ ኦም ኪኸውን እዩ። ቆጽሉ እውን ኣይነቅጽን እዩ። ዝገብሮ ኩሉ ድማ ክስስን እዩ።
4እኩያት ከምኡ ኣይኰኑን፡ ከምቲ ንፋስ ዚሰጕጎ ሓሰር እዮም።
5ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፡ ሓጥኣን ከኣ ኣብ ኣኼባ ጻድቃን ኣይኪቐውምን እዩ።
6እግዚኣብሄር መገዲ ጻድቃን ይፈልጥ እዩ፣ መገዲ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።