1ብሓቂ ፅድቂ እንተትናገሩስ፥ ኣቱም ደቂ ሰብ ብቕንዕና ትፈርዱዶ?
2ብልብኹም ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ትገብሩ ኣለኹምሞ፤ በእዳውኩምውን ኣብ ምድሪ ዓመፅ ትፍሕሱ ኣለኹምሞ።
3ሓጥኣን ካብ ማህፀን ጀሚሮም ተፈለዩ፤ ካብ ከብዲ ጀሚሮምውን ሰሓቱ፤ ሓሰትውን ተናገሩ።
4ቍጥዓኦም ከም መርዚ ተመን እዩ፤ ከም ኣራዊት ምድሪ እዝና ዝፀመመ እዩ።
5ፈላጥ እንትደግመላ፥ ቃል ኣስማተኛ ኸም ዘይትሰምዕ ኣራዊት ምድሪ እዮም።
6እግዚኣብሄር ነስናኖም ኣብ ውሽጢ ኣፎም ይሰብር፤ እግዚኣብሄር ናይ ኣናብስ መንጋጋ የድቅቕ።
7ከም ዝውሕዝ ማይ ክመኩ እዮም፤ ክሳዕ ዘድክሞም ፍላፃታቱ ይግትር።
8ከምቲ ዝመክኽ ሽምዒ ኽሃልቁ እዮም፤ ከምቲ ቝላዕ ሰበይቲ ፀሓይ ኣይርኣዩ።
9ዕሾኽኩም እንተይተፈልጠ በትሪ ኾነ፤ ህያዋን እንተለኹም፥ ብመዓቱ ኽምንጥለኩም እዩ።
10ፃድቕ ምፍዳይ ሕነ ሪኡ ይሕጐስ፤ ብደም እቲ ሓጢኣተኛውን ኢዱ ይሕፀብ።
11ሰብውን፦ “ብሓቂ ንፃድቕ ፍረ ኣለዎ፤ ኣብ ምድሪ፥ ብሓቂ ዝፈርድ ኣምላኽ ኣሎ” ይብል።