1ዋልያ ናብ ዓይኒ ማያት ከም ዝናፍቕ፥ ኦ ጐይታ ኸምኡ ነፍሰይ ናባኻ ትናፍቕ ኣላ።
2ነፍሰይ፥ ናብ ህያው ኣምላኽ ትናፍቕ፤ መኣዝ ክበፅሕ እየ? ገፅ ኣምላኸይከ መኣዝ እየ ዝርኢ?
3ኵልሻዕ ኣምላኽካ ኣበይ እዩ? እንትብሉኒ፥ ንብዓተይ መዓልትን ለይትን ቀለብ ኮነኒ።
4እዙይ እንትሓስብ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት፤ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ መንበሪ ምስጋና ኽኣቱ እየሞ፤ እቶም በዓል ዝገብሩ ሰባት ቃል ሓጐስን ምስጋናን ኣስምዑ።
5ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።
6ኦ ኣምላኸይ፥ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ተሃወኸት፤ ስለዙይ ከዓ ኣብ ምድሪ ዮርዳኖስ፥ ኣብ እምባ ኣርሞንኤም፥ ኣብቲ ንእሽተይ እምባ እዝክረካ ኣለኹ።
7ብድምፂ መንጫዕጫዕታኻ ቓላይ ንቓላይ ትፅውዓ፤ ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ።
8እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ምሕረቱ ይእዝዝ፤ ብለይቲ ድማ እቲ ዝማሬኡ ምሳይ ይኸውን፤ መብፅዓይ ናብ ኣምላኽ ህይወተይ እዩ።
9ንእግዚኣብሄር፦ ንስኻ መፀግዕየይ ኢኻ፤ “ንምንታይ ረሳዕኻኒ? ፀላእተይ እንተጨንቑኒ ንምንታይ ሓዚነ ዝመላለስ?” እብሎ።
10ፀላእተይ ኵልሻዕ “ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” እንትብሉኒ፥ ኣዕፅምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ፀረፉኒ።
11ኦ ነፍሰይ ንምንታይ ትሓዝኒ? ንምንታይከ ትህውኽኒ? ንመድሓኒ ገፀይ ንኣምላኸይ ከመስግኖ፥ ብእግዚኣብሄር ተኣመኒ።