ወንጌል ማርቆስ 4

BCV aksumትግርኛ41 ፍቕድታት5:31 ስማዕ
ስማዕ 5:31 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።

2ብምስላታት ገይሩ ብዙሕ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ፦

3“ስምዑ፥ እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ።

4ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መፂአን ድማ በልዓኦ።

5ገሊኡ ድማ፥ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ፥ ቀልጢፉ በቘለ።

6ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።

7ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።

8ገሊኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቘለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሰላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ።

9ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።

10ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ።

11ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፤ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥

12‘ምርኣይ ክሪኡ ግና ኸየስተብህሉ፥ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ፥ ንስሃ ኸየኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ፥’ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም። ”

13ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?

14እቲ ዘራኢ ቓል(ሀ) እዩ ዝዘርእ።

15ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።

16ከምኡ ኸዓ ገሊኣቶም፥ ነቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ።

17ንጊዜኡ እምበር ሱር የብሎምን፤ ደሓር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ፥ ቀልጢፎም ይኽሕዱ።

18ገሊኣቶም ከዓ፥ ነቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ፤

19እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።

20ገሊኣቶም ከዓ ኸምቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኣቶም ሰላሳ፥ ገሊኣቶም ስሳ፥ ገሊኣቶምውን ሚእቲ ይፈርዩ።”

21ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ውሽጢ ኸፈር ወይ ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ዓራት ድዩ ዘቐምጦ? ኣብ ቀዋሚ ቐንዲልዶ ኣይኾነን ዘቐምጦ?

22ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይግለፅ ስዉር የለን፤

23ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”

24መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ።

25ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።”

26ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ።

27ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤(ለ) እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቍል፤ ይዓቢውን።

28እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥

29ፈፂሙ ምስ ፈረየ ኸዓ፥ ቀውዒ ስለ ዝበፅሐ ማዕፂድ ይሰድድ።”

30መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ ክንምስላ?(ሐ) እንታይከ ምስላ ንግበረላ?(መ)

31ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት፥ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ።

32ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልትውን ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ፥ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።”

33ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።

34ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ።

35በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም።

36ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ።

37ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ።

38ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ።

39ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ።

40ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ?(ሠ) ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።

41ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ።

ትርጓሜ

4:1-20 እዚ ምሳሌ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ትምህርቲ ሓቚፉ ነይሩ፣ ስለዚ እውን ኵሎም ክሰምዑ ዝኽእሉ ክእዘዝዎ ግቡእ ነይሩ። ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዙሓት ነገራት ኣለዉ፤ ንቐናዳት ሓቅታት ወንጌል እንተዘይተረዲእናዮም እሞ፣ ነቶም ዝኸበዱ ብኸመይ ክንምሃሮም ኢና! ከም ደቀ-መዛሙርቲ ክርስቶስ እንረኽቦም ዘለና መሰላት ክንውድሶም ክሕግዘና እዩ፣ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰለ መሰላት ዘይብሎም ኵሎም ኣሰካፊ ኩነታቶም ብዕምቆት እንተደኣ ኣስተንትና። ኣብ ዓባይ ግራት ቤተ-ክርስትያን፣ ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ይዝርኣ። ካብቶም ቃል ወንጌል ዝሰምዑ ብዙሓት፣ ፍረ ምእንቲ ከፍርዩ ገለ ጥራይ ይቕበልዎ። ብዙሓት ንጊዜኡ ብቃል ኣዝዮም ይነጥፉ፣ ንሳቶም ግና ነባሪ ረብሓ ኣይረኽቡን። እቲ ቃል ኣብ ኣእምሮ ሰባት ነባሪ ጽልዋ ኣየውርድን እዩ፣ ምኽንያቱ ልቦም ክቕበሎ ብግቡእ ኣይተዳለወን። ሰይጣን ብዛዕባ ዘይሓስቡ ሰማዕቲ ኣዝዩ ይደናደን፣ ከምቲ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ዝርከብ ዘርኢ ዝመላለሳ። ብዙሓት ኣብ ዘይፍርይን ሓሳውን እምነት ይቕጽሉ፣ ናብ ሲኦል እውን ይወርዱ። ዘይዕሙቕ ጽልዋታት፣ ኣይነብሩን። ብዙሓት ስራሕ ልቢ ኣይግደሱን፣ ብዘይካኡ ሃይማኖት ዋላ ሓንቲ የብሉን። ካልኦት ካብ ቃል ኣምላኽ ክጥቀሙ ይዕገቱ፣ ብብዝሒ ዓለም። እቶም ካብ ዓለም ብቑሩብ ዝረኸቡ እውን፣ ስጋኦም ብምብህላሎም ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ደግሞም በባሕር ዳር ሊያስተምር ጀመረ። እጅግ ብዙ ሰዎችም ወደ እርሱ ስለ ተሰበሰቡ እርሱ በታንኳ ገብቶ በባሕር ላይ ተቀመጠ፤ ሕዝቡም ሁሉ በባሕር ዳር በምድር ላይ ነበሩ። አማርኛ ENGNIV Again Jesus began to teach by the lake. The crowd that gathered around him was so large that he got into a boat and sat… English BCV ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበ… ትግርኛ GAZBIB Yesus ciisa bishaanichaa bukkeetti ammas barsiisuu jalqabe. Tuuti isa biratti walitti qabame immoo sonaan baay'annaan, … Afaan Oromoo BCV GIZ ወአኀዘ ካዕበ ይምሀሮሙ ለአሕዛብ እንተ መንገለ ባሕር ወተጋብኡ ኀቤሁ ብዙኃን ሰብእ እስከ ሶበ የዐርግ ውስተ ሐመር ወይነብር ውስተ ሐመር ወኵሉ ሰብእ ውስተ ምድር ይቀውሙ። giz GAZGAZ Yesus ciisa bishaanichaa bukkeetti ammas barsiisuu jalqabe. Tuuti isa biratti walitti qabame immoo sonaan baay'annaan, … Afaan Oromoo AMHNIV በሌላ ጊዜ ደግሞ በባሕሩ አጠገብ ያስተምር ጀመር። እርሱ ባለበት አካባቢ እጅግ ብዙ ሕዝብ ስለ ተሰበሰበ፣ በባሕሩ ላይ ወዳለች ጀልባ ገብቶ ተቀመጠ፤ ሕዝቡም ሁሉ በባሕሩ ዳርቻ ባለው ስፍራ … አማርኛ SWAHSUV Akaanza kufundisha tena kando ya bahari. Wakamkusanyikia mkutano mkubwa mno, hata yeye akapanda chomboni, akakaa bahari… Kiswahili