1ብድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኾይኑ ኽምህሮም ጀመረ። ኣብ ባሕሪ ናብ ጃልባ ደዪቡ ኽሳዕ ዝቕመጥ፥ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ።
2ብምስላታት ገይሩ ብዙሕ ነገራት መሃሮም። ክምህሮም እንተሎ ድማ፦
3“ስምዑ፥ እንሆ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ።
4ክዘርእ እንተሎ ሓድሓደ ዘርኢ፥ ኣብ ወሰን መንገዲ ወደቐ፤ ኣዕዋፍ መፂአን ድማ በልዓኦ።
5ገሊኡ ድማ፥ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኰዅሒ ወደቐ፤ ዕምቈት ሓመድ ስለ ዘይብሉ ኸዓ፥ ቀልጢፉ በቘለ።
6ፀሓይ ምስ በረቐ ግና ፀምለወ፤ ሱር ስለ ዘይነበሮውን ሓረረ።
7ገሊኡ ኸዓ ኣብ ማእኸል እሾዅ ወደቐ፤ እቲ እሾኽ ከዓ ዓብዩ ሓነቖ፤ ፍረውን ኣይሃበን።
8ገሊኡ ድማ ኣብ ፅቡቕ መሬት ወደቐ፤ በቘለ፤ ዓበየ፤ ፈረየውን፤ ገሊኡ ሰላሳ፥ ገሊኡ ስሳ፥ ገሊኡ ኸዓ ሚእቲ ሃበ።
9ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።
10ንበይኑ ምስ ኮነ ኸዓ፥ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዝነበሩ፥ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርት ኮይኖም፥ ብዛዕባ እቲ ምስላታት ጠየቕዎ።
11ንሱ ኸዓ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ንኣኻትኩም እዩ ተውሂቡ ዘሎ፤ ነቶም ብወፃኢ ዘለዉ ግና፥
12‘ምርኣይ ክሪኡ ግና ኸየስተብህሉ፥ ምስማዕውን ክሰምዑ ግና ኸየስተውዕሉ፥ ንስሃ ኸየኣትዉሞ ምሕረት ከይግበረሎምስ፥’ ኵሉ ብምስላ እዩ ዝንገሮም። ”
13ከምዙይ ድማ በሎም፦ “ነዝ ምስላ እዙይዶ ኣየስተውዓልኩምዎን ኢኹም? ከመይ ጌርኩም ደኣ፥ ንዅሉ ምስላታት ክትርድእዎ ኢኹም?
14እቲ ዘራኢ ቓል(ሀ) እዩ ዝዘርእ።
15ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።
16ከምኡ ኸዓ ገሊኣቶም፥ ነቲ ኣብ ኰዅሒ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፥ ሽዑ ንሽዑ ብሓጐስ ይቕበልዎ።
17ንጊዜኡ እምበር ሱር የብሎምን፤ ደሓር ግና ስለ እቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ኮነ፥ ቀልጢፎም ይኽሕዱ።
18ገሊኣቶም ከዓ፥ ነቲ ኣብ እሾዅ ዝተዘርአ ይመስሉ፤ ይሰምዑ፤
19እንተ ኾነ ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን፥ ፍቕሪ ሃብትን፥ ካልእ ትምኒትን ኣትዩ፥ ነቲ ቓል ይሓንቆ፤ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን።
20ገሊኣቶም ከዓ ኸምቲ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ዝተዘርአ እዮም፤ ነቲ ቓል ይሰምዕዎ፤ ይቕበልዎ፤ ገሊኣቶም ሰላሳ፥ ገሊኣቶም ስሳ፥ ገሊኣቶምውን ሚእቲ ይፈርዩ።”
21ኢየሱስ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ሰብ መብራህቲ ኣብሪሁ ኣብ ውሽጢ ኸፈር ወይ ከዓ፥ ኣብ ትሕቲ ዓራት ድዩ ዘቐምጦ? ኣብ ቀዋሚ ቐንዲልዶ ኣይኾነን ዘቐምጦ?
22ዘይገሃድ ሕቡእ፥ ዘይግለፅ ስዉር የለን፤
23ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
24መሊሱ ድማ ኸምዙይ በሎም፦ “ነቲ እትሰምዕዎ ኣስተብህሉሉ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም፥ ክውሰኸልኩምውን እዩ።
25ንዘለዎ ይወሃቦ፤ ነቲ ዘይብሉ ግና፥ እታ ዘላቶ እኳ የሕድግዎ እዮም እሞ።”
26ከምዙይ ድማ በለ፦ “መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ግራቱ ዘርኢ ኸም ዝዘርእ ሰብ እያ።
27ንሱ ብለይቲ ይድቅስ ብመዓልቲ ድማ ይትስእ፤(ለ) እቲ ዘርኢ ድማ ንሱ እንተይፈለጠ ይበቍል፤ ይዓቢውን።
28እታ ምድሪ ባዕላ ተብቍል፤ ቅድም በቝሊ፥ ደሓር ዘለላ፥ ኣብቲ ዘለላ ድማ፥ ብፁሕ ስርናይ፥
29ፈፂሙ ምስ ፈረየ ኸዓ፥ ቀውዒ ስለ ዝበፅሐ ማዕፂድ ይሰድድ።”
30መሊሱ ድማ ኸምዙይ በለ፦ “ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ብምንታይ ክንምስላ?(ሐ) እንታይከ ምስላ ንግበረላ?(መ)
31ካብ ኵሉ ዘርኢ ምድሪ ዝነኣሰት፥ ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት ፍረ ኣድሪ እያ።
32ምስ ተዘርአት ግና ትበቍል፤ ካብ ኵሉ ኣሕምልትውን ትዓቢ፤ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ኸዕርፋ ኽሳዕ ዝኽእላ ኸዓ፥ ዓበይቲ ጨናፍር ትገብር።”
33ከም መጠን ምስትውዓሎም፥ ነቲ ቓል በዝ ኸምዙይ ዝበለ ምስላታት ይነግሮም ነበረ።
34ብዘይ ምስላ ኣይተዛረቦምን፤ ንደቀ መዛሙርቱ ግና ንበይናቶም ኵሉ ይገልፀሎም ነበረ።
35በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፥ ንደቀ መዛሙርቱ “ናብ ማዕዶ ንሳገር” በሎም።
36ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፥ ምስኣቶም ብጃልባ ወሰድዎ፤ ካልኦት ጃልባታት ከዓ ምስኡ ነበራ።
37ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ተልዓለ፤ እታ ጃልባ ኽሳዕ ማይ እትመልእ ድማ፥ እቲ ማዕበል ናብታ ጃልባ ይኣቱ ነበረ።
38ኢየሱስ ግና ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣበራቢሮም፥ “መምህር፥ ምጥፋእና ኣየሕዝነካን ድዩ?” በልዎ።
39ንሱ ኸዓ ተሲኡ ነቲ ነፋስ ገሰፆ፤ ነታ ባሕሪ ድማ “ፀጥ በሊ! ህድኢ!” በላ። እቲ ንፋስ ድማ ፀጥ በለ፤ ዓብዪ ህድኣትውን ኮነ።
40ንሱ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ “ስለ ምንታይ ትፈርሑ?(ሠ) ክሳዕ ክንድዙይዶ እምነት የብልኩምን?” በሎም።
41ንሳቶም ግና የመና ፈርሑ፤ ንስንሳቶም ድማ “እዝ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዝዎስ፥ መን እዩ!” ተበሃሃሉ።