ወንጌል ማርቆስ 14

BCV aksumትግርኛ71 ፍቕድታት10:25 ስማዕ
ስማዕ 10:25 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ።

2እንተ ኾነ “ኣብ ህዝቢ ሁከት ከይለዓልስ ብበዓል ኣይኹን” በሉ።

3ኢየሱስ ኣብ ቢታንያ፥ ኣብ እንዳ ስምኦን እቲ ለምፃም፥ ኣብ ማእዲ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ብፅሩይ ናርዶስ ዝተሰናደወ፥ ሽቱ ዝመልአ ብኣልባስጥሮስ ዝተሰርሐ ብልቃጥ ሒዛ መፀት፤ ነቲ ብልቃጥ ሰይራ(ሀ) ድማ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።

4ገሊኣቶም ኰሪዮም “እዝ ኽንድዙይ ዝኣክል ጥፍኣት ምዑዝ ሽቱ ንምንታይ እዩ?

5እዝ ሽቱ እዙይ፥ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡ፥ ንድኻታትዶ ግዳ ኣይምተውሃበን ነይሩ” በሉ። ንኣኣውን ነቐፍዋ።

6ኢየሱስ ግና “ነዛ ሰበይቲ ስለ ምንታይ ተጕህይዋ ኣለኹም? ሕደግዋ፤ ሰናይ ግብሪ እያ ዝገበረትለይ።

7ድኻታትስ ዅልሻዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፤ ሰናይ ግብሪ ኽትገብሩሎም እንተ ደሊኹም ትኽእሉ ኢኹም። ንኣይ ግና ዅልሻዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም።

8እዚኣ ዝከኣላ እያ ዝገበረት፤ ኣቐዲማውን ንቐብረይ ሰብነተይ ቀብአት።

9እዝ ወንጌል እዙይ ኣብ ዝተሰብኮ፥ ኣብ ኵሉ ዓለም እዝ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

10ካብቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ፥ ሓደ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከደ።

11ንሳቶም ድማ ነዙይ ሰሚዖም ተሓጐሱ፤ ገንዘብ(ለ) ክህብዎውን ተሰማምዑ፤ ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም፥ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

12በታ በጊዕ ፋሲካ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፥ ደቀ መዛሙርቱ “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ።

13ኢየሱስ ድማ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ “ናብ ከተማ ኺዱ፤ ኣብኡ ዕትሮ ማይ ዝተሸከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፤ ንእኡ ሰዓብዎ።

14ናብታ ዝኣትዋ ገዛ ኺዱሞ፥ ነቲ በዓል ገዛ ‘መምህር፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ድራር ፋሲካ ዝበልዐላ መዕረፊ ጋሻ ኣበይ እያ? ይብለካ ኣሎ’ በልዎ።

15ንሱ ኸዓ ኣብ ደብሪ ዝተነፀፈን ዝተዳለወን ዓብዪ ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ፤ ኣብኡ ኣዳልዉልና” በሎም።

16እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብታ ኸተማ ኸይዶም፥ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ፤ ኣብኡውን ድራር ፋሲካ ኣሰናደዉ።

17ምስ መሰየ ኢየሱስ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ መፀ።

18ኣብ ማእዲ ተቐሚጦም እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ፥ “ሓደ ኻባኻትኩም፥ እቲ ምሳይ ዝበልዕ ዘሎ፥ ከም ዘትሕዘኒ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

19ንሳቶም ከዓ ኽሓዝኑ ጀመሩ፤ በብሓደውን “ኣነ ደኾን እኸውን?” በሉ።

20ኢየሱስ ከዓ “ሓደ ኻብ ዓሰርተ ኽልቴኹም እቲ ምሳይ ኣብ ፃሕሊ ዝፀብሕ እዩ።

21ወዲ ሰብስ፥ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ እቲ ንወዲ ሰብ ዘትሕዞ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይስ፥ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በሎም።

22እናበልዑ እንተለዉ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዒሉ ባረኸ፤ ቈሪሱ ኸዓ “እንኩ፥ እዙይ ስጋይ እዩ” ኢሉ ሃቦም።

23ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ሃቦም፤ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ።

24ንሱ ኸዓ “እዙይ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ፥ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ።

25ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ እግዚኣብሄር ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዙይ፥ ደጊመ ኸም ዘይሰቲ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

26መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ።

27ኢየሱስ ድማ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን ኣባጊዕ ከዓ፥ ክብተና እየን’ ዝብል ፅሑፍ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ(ሐ) ኢኹም።

28ምስ ተሳእኹ ግና፥ ናብ ገሊላ ኽቕድመኩም እየ” በሎም።

29ጴጥሮስ ድማ “ኵሎም እኳ እንተ ኸሓዱኻ፥ ኣነስ ከቶ ኣይክሕደካን እየ” በሎ።

30ኢየሱስ ከዓ “ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ደርሆ ኽልተ ሻዕ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ከም እትኽሕደኒ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።

31ጴጥሮስ ሽዑ “ምሳኻ ደኣ እመውት እምበር፥ ፈፂመ ኣይክሕደካን እየ” እናበለ የመና ኣትሪሩ ተዛረበ፤ ኵሎምውን ከምኡ በሉ።

32ጌቴሴማኒ ናብ እትበሃል ቦታውን መፁ፤ ንደቀ መዛሙርቱ ኸዓ “ኣብቱይ ከይደ ኽሳዕ ዝፅሊ ኣብዙይ ፅንሑ” በሎም።

33ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ተማሊኡ ኸዓ፥ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።

34“ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ሓዚና ኣላ፤ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ትግሁውን” በሎም።

35ቁሩብ ንቕድሚት ፈንተት ኢሉ ድማ፥ ዝከኣል እንተ ኾይኑስ፥ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ፥ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ፀለየ።

36“ኣባ፥ ኣቦይ! ኵሉ ይከኣለካ እዩ እሞ፥ ነዛ ፅዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፤ ግና ፍቓደይ ዘይኮነስ ፍቓድካ ይኹን” በለ።

37ተመሊሱ ኸዓ ደቂሶም ረኸቦም፤ ንጴጥሮስ ድማ “ስምኦን፥ ደቂስካዶ? ሓንቲ ሰዓት እኳ ኽትነቅሕዶ ኣይከኣልካን?

38ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፥ ተጊህኹም ፀልዩ፤ መንፈስ ድልዊ እዩ፤ ስጋ ግና ድኹም እዩ እሞ” በሎ።

39ከምኡውን ከይዱ ኸምቲ ቕድም ዝፀለዮ ፀለየ።

40ካልኣይ ምስ ተመለሰ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ነበራ እሞ፥ ደቂሶም ረኸቦም፤ እንታይ ከም ዝምልሱሉ ድማ ኣይፈልጡን ነበሩ።

41ንሳልሳይ ጊዜ መፂኡ ኸዓ፦ “ደጊም ደቅሱ ዕረፉ፤ ይኣክል! እታ ሰዓት በፂሓ እያ፤ እንሆ፥ ንወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም።

42ተልዓሉ፤ ንኺድ! እንሆ እቲ ዘትሕዘኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም።

43ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ ኽዛረብ እንተሎ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ ሓደ ዝኾነ፥ ይሁዳ መፀ። ምስኡውን ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ነበሩ።

44እቲ ዘትሕዞ ኸዓ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ፤ ኣፅኒዕኹም ሒዝኩም ውሰድዎ” ኢሉ ኣቐዲሙ ምልክት ሂብዎም ነበረ።

45ሽዑ ይሁዳ መፂኡ ናብኡ ቐሪቡ “መምህር” ኢሉ ሰዓሞ።

46ንሳቶም ከዓ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ።

47ካብ??ም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓደ፥ ንሓሽከር ሊቀ ካህናት ሰይፉ መዚዙ ወቕዖ፤ እዝኑውን ቈረፆ።

48ኢየሱስ ድማ “ከም ከታሪዶ በስይፍትን በብትርትን ክትሕዙኒ መፂእኹም?

49ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም እውዕል ነይረ፥ ኣይሓዝኩምንን። እዙይ ዝኾነ ግና፥ እቲ ኣብ መፃሕፍቲ ዝተፅሓፈ፥ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

50ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኸዓ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።

51ሓደ ዕርቃኑ ብነፀላ ዝሸፈነ መንእሰይ ድማ ይስዕቦ ነበረ፤ እቶም ኣጓብዝ ኸዓ ሓዝዎ።

52ንሱ ድማ ነፀላኡ ሓዲጉሎም ጥራሕ ዝባኑ ሃደመ።

53ንኢየሱስ ናብ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ፤ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን መምህራን ሕግን ድማ፥ ብሙሉኦም ናብኡ ተኣከቡ።

54ጴጥሮስ ድማ ኽሳዕ ውሽጢ ቕፅሪ ገዛ ሊቀ ካህናት፥ ርሕቕ ኢሉ ሰዓቦ፤ ኣብኡ ምስቶም ሓሻኽር ተቐሚጡውን፥ ሓዊ ይስሕን ነበረ።

55ሊቃነ ካህናትን ኵሉ እቲ መጋባእያን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ይደልዩ ነበሩ፤ ግና ኣይረኸቡን።

56ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።

57ገሊኣቶም ሰባት ተሲኦም “ ‘ኣነ ነዝ ብኢድ ሰብ ዝተሃንፀ ቤተ መቕደስ ኣፍሪሰ፥ ካልእ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ፥ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሓንፅ እየ’ እንትብል ንሕና ሰሚዕናዮ” እናበሉ ብሓሰት መስከሩ።

59በዙይውን ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን።

60እቲ ሊቀ ካህናት ድማ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “በዝ ዝምስክርዎ ዘለዉስ እትምልሶዶ የብልካን ኢኻ?” ኢሉ ንኢየሱስ ጠየቖ።

61ንሱ ግና መልሲ እንተይሃበ ስቕ በለ፤ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ደጊሙ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ቡሩኽ ንስኻ ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ።

62ኢየሱስ ድማ “ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ከዓ ኣብ የማን ሓይሊ(መ) ተቐሚጡ፥ ብደመና ሰማይ ክመፅእ እንተሎ ኽትሪእዎ ኢኹም” በሎ።

63እቲ ሊቀ ካህናት ድማ ኽዳኑ ቐዲዱ “ደጊምከ እንታይ መሰኻኽር የድልየና?

64ፀርፉ ባዕልኻትኩም ሰሚዕኹምዎ ኣለኹም፤ እንታይ ትብሉ?” በለ። ኵሎም ከዓ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም ፈረዱ።

65ገሊኣቶም ድማ እንትፍ ክብሉሉን፥ ገፁ ጐልቢቦም እናወቕዑ “ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!” ክብልዎን ጀመሩ፤ እቶም ሓሻኽርውን እናፀፍዑ ወሰድዎ።

66ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ውሽጢ ቕፅሪ እንተሎ፥ ሓንቲ ኻብተን ኣግራድ ሊቀ ካህናት መፀት።

67ጴጥሮስ ሓዊ ኽስሕን እንተሎ ምስ ረአየቶ፥ ኣተኲራ እናጠመተት፥ “ንስኻውን ምስ ኢየሱስ ናይ ናዝሬት ኔርካ ኢኻ” በለቶ።

68ንሱ ግና “ነዝ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፤ ኣየስተውዕሎንውን” ኢሉ ኸሓደ፤ ካብ ቅፅሪ ናብ ኣፍ ደገ ድማ ወፀ፤ ደርሆውን ነቀወ።

69እታ ገረድ(ሠ) ድማ ረአየቶ፤ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸዓ “እዙይውን ካብኣቶም እዩ” በለቶም።

70ንሱ ግና ደጊሙ ኸሓደ፤ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ እቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፥ ንጴጥሮስ “ንስኻ ብሓቂ ኻብኣቶም ኢኻ፤ ገሊላዊውን ኢኻ፤ ኣዘራርባኻ የፍልጠካ ኣሎ” በልዎ።

71ንሱ ግና “ነዝ እትብልዎ ዘለኹም ሰብ ኣይፈልጦን እየ” እናበለ ኽምሕልን ንባዕሉ ኽረግምን ጀመረ።

72ሽዑ ንሽዑ ድማ፥ ደርሆ ንኻልኣይ ጊዜ ነቀወ። ጴጥሮስ ከዓ ነቲ ኢየሱስ “ደርሆ ኽልተ ጊዜ እንተይነቀወ፥ ሰለስተ ሻዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘኪሩ፥ ኣምሪሩ በኸየ።

ትርጓሜ

14:1-11 ክርስቶስ ህይወቱ ሞት ክሳብ ዝኸውን ምእንታና ኣፍሰሰ ድዩ? እሞኸ ንዕኡ ዝበዝሕ ክቡር ነገር ኣሎና ኢልና ክንሓስብ ኣሎና ዲና? ንዕኡ እቲ ክቡር ቅብኣት ናይ ብሉጽ ፍቕርና ንህቦዶ? ብምሉእ ልብና ንፍቀሮ እምበር፡ እኳ ደኣ እቲ ልሙድ ቅንኣትን ፍቕርን ብጌጋ ምፍላጥን ምቕያምን እንተኾነ። ከምኡውን ንነዳያን ምጽጋዕ ንሓደ እኳ ካብ ፍሉያት ሃይማኖታዊ ግብርታት ንጎይታ የሱስ ከም ዘየምሕሮ ንዘክር። ክርስቶስ ነዚኣ ሓረምይቲ እዚኣ ንሃይማኖታዊ ኣቓልቦኣ ኣብ ኩሉ ዘመን ንዘለዉ ምእመናን ክፈልጥዎ ኣመስገነ። ንክርስቶስ ዘኽብሩ ንሱ ከኣ የኽብሮም እዩ። ስስዔ እቲ ቀንዲ ትምኒት ይሁዳ ነበረ፡ እሞ ንሱ ንሓጢኣት ምሕላፍ ጎይትኡ ኣሕሊፉ ሃቦ። ዲያብሎስ ንፈተናኡ በዚ ምስኡ ኣሰማምዖ፡ በዚ ኸኣ ሰዓሮ። ብዙሓት ኣብቲ ሓጢኣተኛዊ ምንቅስቓሶም እንታይ ክፉእ ሽርሕታት ከም ዘለዎም ርአ፤ ግን እቲ ንመደባቶም ዘሰጉም ዝመስል፡ ኣብ መወዳእታ መርገም ኮይኑ ይርከብ።

14:12-21 ኣብዚ ተዘንትዩ ዘሎ ፍጻሜታት፡ ብፍጹም ውጽኢት ትርኢት ሰብ ኣይኮነን። ግናኸ ጐይታና ኩሉ ነገራት ብዛዕባና ከይተፈጸመ ይፈልጦ። እንተተቐቢልናዮ፡ ንሱ ኣብ ልብና ኪነብር እዩ። ወዲ ሰብ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ከም በጊዕ ናብ መብጽሒ ይኸይድ፤ ግናኸ፡ ወይለኡ ነቲ ዘሕለፎ ሰብ! ኣምላኽ ሓጢኣት ሰባት ምፍቃዱ፡ ከምኡውን ካብኡ ንርእሱ ክብሪ ምውጻኡ፡ ንሳቶም ሓጢኣት ንኽገብሩ ኣየገድዶምን፤ ከምኡውን እዚ ንበደሎም ምኽንያት ኣይኸውንን፡ ወይ ቅጽዓቶም ኣየጉድልን እዩ።

14:22-31

እራት ጐይታ ምግቢ ነፍሲ እዩ፣ ስለዚ እቲ ንስጋ ዝኸውን ኣዝዩ ንእሽቶ፣ ከም ምልክት ኰይኑ ዜገልግል መጠን፣ ይኣክል እዩ። ብኣብነትን ብግብርን ጐይታና እተመስረተ እዩ፣ ክሳዕ ካልኣይ ምጽኣቱ ክጸንዕ ድማ። ብቡራኼን ምስጋናን እተመስረተ እዩ፣ ንሞት ክርስቶስ መዘከርታ ንምዃን። ስለ ደሙ ክቡር ብተደጋጋሚ ይጥቀስ፣ ከም ዋጋ ቤዛነትና። ንድኻታት ዝንሳሑ ሓጥኣን ክንደይ ዘጸናንዕ እዩ እዚ፣ ደም ክርስቶስ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈሰሰ ምዃኑ! ምእንቲ ብዙሓት እንተዀይኑኸ፣ ስለምንታይ ምእንታይ ኣይኸውንን? ምልክት ናይቲ ብሞቱ ምእንታና እተዓደገ ረብሓታት ምንጋፍ እዩ ነይሩ። ትምህርቲ እቲ እተሰቕለ ክርስቶስ ናብ ባዕልኹም ኣውርዱ፤ ንነፍስኹም ምግቢን መስተን ይኹን፣ ንመንፈሳዊ ህይወትኩም ዜደንፍዕን ዜሐድስን ድማ። መብጽዓን ቅድመ-ጥዕምን ናይቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓጐስ ኪኸውን እዩ ነይሩ፣ በዚ ድማ ካብ ስጋዊ ባህግታትን ጥዕሚታትን ከነርሕቕ። ነቲ መንፈሳዊ ጥዕሚ ዝጣዓመ ዘበለ ኩሉ፣ ብኡንብኡ ነቲ ዘለኣለማዊ ይምነይ። እቲ ዓብዪ ጓሳ ንመከራታቱ ብዘይሓንቲ ስሕተት ዝሓለፈ እኳ እንተዀነ፣ ተኸተልቱ ግን በታ ንእሽቶ መከራ እተመደበቶም ብዙሕ ግዜ ተበቲኖም እዮም። ክንደይ ኢና ንርእስና ጽቡቕ ጌርና ክንሓስብ እንቐልጥፍ፣ ንልብና ክንውክል ድማ! ጴጥሮስ ንጐይታኡ ከምዚ ገይሩ ምምላሱ ጌጋ እዩ ነይሩ፣ ፍርሃትን ብምርብራብን ዘይኮነስ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ከሁለት ቀን በኋላ ፋሲካና የቂጣ በዓል ነበረ። የካህናት አለቆችም ጻፎችም እንዴት አድርገው በተንኰል እንደሚይዙትና እንደሚገድሉት ይፈልጉ ነበር። አማርኛ ENGNIV Now the Passover and the Feast of Unleavened Bread were only two days away, and the chief priests and the teachers of t… English BCV ፋሲካን በዓል ቅጫን ክኸውን ክልተ መዓልቲ ተሪፍዎ ነበረ። ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ንኢየሱስ ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ። ትግርኛ GAZBIB Ayyaanni Faasiikaa fi, ayyaanni Maxinoo guyyaa lamatti galee ture. Luboonni warri angafoonnii fi barsiisonni seeraa kar… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእስከ ሰኑይ መዋዕል ፋሲካ በዓለ መጸለት ወኀሠሡ ሊቃነ ካህናት ወጸሐፍት ይትመየንዎ ወየአኀዝዎ ወይቅትልዎ። giz GAZGAZ Ayyaanni Faasiikaa fi, ayyaanni Maxinoo guyyaa lamatti galee ture. Luboonni warri angafoonnii fi barsiisonni seeraa kar… Afaan Oromoo AMHNIV ፋሲካና የቂጣ በዓል ሊከበር ሁለት ቀን ሲቀረው፣ የካህናት አለቆችና ጸሐፍት ኢየሱስን የሚይዙበትና የሚገድሉበትን ዘዴ ይፈልጉ ነበር። አማርኛ SWAHSUV Baada ya siku mbili ilikuwa sikukuu ya Pasaka, na mikate isiyochachwa; wakuu wa makuhani na waandishi wakatafuta njia y… Kiswahili