ትንቢት ሚክያስ 7

BCVትግርኛ20 ፍቕድታት4:13 ስማዕ
ስማዕ 4:13 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን።

2ሕያዋይ ሰብ ካብ ምድሪ ጠፊኡ እዩ። ኣብ ማእኸል ሰባትውን ቕኑዕ የለን። ኵላቶም ደም ንምፍሳስ የድብዩ። ነፍሲ ወከፍ ከዓ ንሓዉ ብመርበብ ንምሓዝ ይከታተሎ።

3ተጠንቂቖም ምእንቲ ኽገብሩዎስ፥ ኣእዳዎም ንኽፍኣት የልዕሉ፤ ገዛኢ ጉቦ ይደሊ፤ ፈራዲ ድማ ጉቦ ይቕበል። ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፤ ከምኡውን ብሓባር ክፍኣት ይጕንጕን።

4እቲ ኻብኣቶም ዝሐሸ ዝተብሃለ፥ ንሱ ኸም ኣሜክላ እዩ፤ እቲ የመና ዝቐንዐ ኸዓ፥ ከም ኳዂቶ እዩ። እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፥ እታ መዓልቲ መዓትካ መፂኣ እያ፤ ሕዚ ኽሽበሩ እዮም።

5ንብፃይካ ኣይትእመኖ፥ ብዓርክኻ ድማ ኣይትተኣመን፤ ካብ ኣብ ሕቍፍኻ እትድቅስ ናይ ኣፍካ ደገ ሓሉ።

6ንሰብ ፀላእቱ ቤተሰቡ እዮምሞ፥ ወዲ ነቦኡ ኽንዕቕ እዩ፤ ጓል ኣብ ልዕሊ እኖኣ፥ መርዓት ከዓ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ኽትለዓል እያ።

7ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፥ ናብ ኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣለኹ፤ ኣምላኸይውን ክሰምዐኒ እዩ።

8ኣቲ ፀላኢተይ፥ እንተ ወደቕኩ ኽትስእ፥ ኣብ ፀልማት እንተ ተቐመጥኩውን እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፥ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ።

9ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፥ ንሱ ኽሳዕ ዝማጐተለይ፥ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውፅአለይ፥ ንቝጥዓኡ ኽዕገስ እየ። ናብ ብርሃን ከውፅአኒ እዩ፤ ፅድቁውን ክርኢ እየ።

10ሽዑ እታ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣበይ ኣሎ?” ዝበለት ፀላኢተይ ክትሪኦን፥ ሕፍረትውን ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክሪኣኣ እየን፤ ሕዚ ኸም ጭቃ መንገዲ ኽትርገፅ እያ።

11እታ መካበቢያኺ እትስርሐላ መዓልቲ ኽትመፅእ እያ፤ በታ መዓልቲ እቲኣውን ወሰንኪ ኽሰፍሕ እዩ።

12በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ኣሶርን፥ ካብ ከተማታት ግብፅን፥ ካብ ግብፂ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስን፥ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፥ ካብ እምባታት ክሳዕ እምባታት፥ ናባኺ ኽመፁ እዮም።

13እታ ምድሪ ግና ብሰንኪ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ፥ ብሰንኪ ፍረ ግብሮም ክትባድም እያ።

14ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።

15ከምቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዝወፃእኻለን ዘመን፥ ተኣምራት ከርእዮም እየ።

16ኣህዛብ ክሪኡ፥ ብኹሉ ሓይሎምውን ክሓፍሩ እዮም፤ ኢዶም ኣብ ኣፎም ክገብሩ እዮም። ኣእዛኖምውን ክፀሙ እዮም።

17ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፥ ከም ለመምታ ምድሪ እናኣንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወፁ፥ ብፍርሒ ራዕራዕ እናበሉ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመፁ እዮም፤ ንኣኻውን ክፈርሑ እዮም።

18ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።

19ተመሊሱ ኽርህርሀልና፥ ንበደልናውን ኣብ ትሕቲ እግሩ ኽረግፆ፥ ንዅሉ ሓጢኣትናውን ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ኽድርብዮ እዩ።

20ከምቲ ኻብ ጥንቲ ዘመን ጀሚርካ፥ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፥ ሓቂ ንያእቆብ፥ ምሕረት ከዓ ንኣብርሃም ክትገብር ኢኻ።

ትርጓሜ

7:1-7

እቲ ነብዪ ኣብ ማእከል ናብ ጥፍኣት ብቕልጡፍ ዝበስል ህዝቢ ብምርካቡ ይጒሂ ነበረ፣ እሞ ኣብኡ ብዙሓት ጽቡቓት ሰባት ክሳቐዩ ነበሮም። ሰባት ኣብ ገዛእ ስድራኦም ወይ ኣብ ቀረባ ዘመዶም መጸናንዕን ዕግበትን ኣይነበሮምን። ንግዴታታት ስድራቤት ምሕሳርን ምጥሓስን ናይ ኩሉ ዝናበለ ምብልሽውና ሓዘን ዝመልኦ ምልክት እዩ። እቶም ንወለዶም ዘየኽብሩ/ዘይግዝኡ ፈጺሞም ናብ ጽቡቕ ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም። እቲ ነብዪ ካልእ ድሕነትን ወይ መጸናንዕን ኣይረኣየን እንተላይ ንእግዚኣብሔር ብምጥማትን ንኣምላኹ ምድሓኑ ብምጽባይን ጥራይ። ትርእሲ ፈተናታት ክንከውን ከሎና፣ ብእኡ ክንእመን ሓይልን ጸጋን ክህልወናን ከምኡውን ኣብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ኣብነት ክንከውንን ንመለኮታዊ ቤዛና ምሉእ ብምሉእ ክንምልከት ይግባእ።

7:8-13

እቶም ብሓቂ ካብ ሓጢኣቶም ዝንስሑ ንመከራ ኪዕገሱ ዓቢ ምኽንያት ኪረኽቡ እዮም። ንእግዚኣብሔር ብዛዕባ ሕማቕ ግዜታት ክንብከይ ከሎና፡ ብዛዕባ ሕማቕ ልብና ንርእስና ክንወቅስ ይግባእ። ብግቡእ ግዜኡ ምድሓን ኪገብረልና ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ኣሎና። ንእኡ ጥራይ ክንጥምት የብልናን፡ የግዳስ ክንጽበዮ ኣሎና። ኣብ ዝዓበየ ጸበባና፡ ንእግዚኣብሔር ከም ኣምላኽ ምድሓንና ብእምነት እንተ ጠሚትና፡ ንምድሓን ተስፋ ንኸይንቆርጽ ምኽንያት ኣይንረክብን ኢና። ጸላእቲ እንተ ተሓጎሱ ይኹን እንተ ኣዋረዱ፡ ይዕብሱ እሞ ሓፍረት ኪረኽቡ እዮም። ቅጽርታት ጽዮን ንነዊሕ ግዜ ኣፍራስ ይኹኑ እምበር፡ ኪዕረዩላ ዝኾነላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ። እስራኤል ካብ ኩሉ ወገናት ኪመጽእ እዩ፡ ብምስናፍ ዘይመልስ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG የዛፍ ፍሬና የወይን ፍሬ ከተለቀሙ በኋላ እንደ ቀረው ቃርሚያ ሆኛለሁና ወዮልኝ! መብል የሚሆን ዘለላ፥ ነፍሴም የተመኘችው በመጀመሪያ የበሰለው በለስ የለም። አማርኛ ENGNIV What misery is mine! I am like one who gathers summer fruit at the gleaning of the vineyard; there is no cluster of gra… English GAZBIB Ani akka nama erga iji mukaa ciramee iji wayniis muramee booddee, haftee barbaaddatee dhabee waanan ta'eef, anaaf wayyo… Afaan Oromoo BCV GIZ አሌ ሊተ እስመ ኮንኩ ከመ ዘያስተጋብእ ሰዊተ ድኅረ ማእረር ወከመ ትቅራም ድኅረ ቀሥም ዘአልቦ አስካል ዘይበልዑ ደቂቅ። giz GAZGAZ Ani akka nama erga iji mukaa ciramee iji wayniis muramee booddee, haftee barbaaddatee dhabee waanan ta'eef, anaaf wayyo… Afaan Oromoo BCV aksum ፍረ ኦምን ፍረ ወይንን ምስተኣረዩ፥ ከም ዝተረፈ ቐሪም ኮይነ ኣለኹሞ ወይለይ! ንምግቢ ዝኸውን፥ ነፍሰይውን ዝተመነየቶ፥ ኣቐዲሙ ዝበሰለ በለስውን የለን። ትግርኛ AMHNIV ለእኔ ወዮልኝ! የወይን ዕርሻ በሚቃረምበት ጊዜ የበጋ ፍራፍሬ እንደሚለቅም ሰው ሆኛለሁ፤ የሚበላ የወይን ዘለላ የለም፤ የምንጓጓለት፣ ቶሎ የሚደርሰው በለስም አልተገኘም። አማርኛ SWAHSUV Ole wangu! Maana mimi ni kama hapo walipokwisha kuyachuma matunda ya wakati wa hari, kama zabibu zichumwazo baada ya ma… Kiswahili