1በቲ ወርሓት እቱይ መጥምቕ ዮሃንስ፥ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ እያ እሞ፥ ንስሃ እተዉ” እናበለ፥ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መፀ።
3እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ፥ “ ‘ጐደና እግዚኣብሄር ፅረጉ፤ መንገዱውን ኣቕንዑ’ ኢሉ፥ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምፂ ኣዋጅ ነጋሪ” ተብሂሉ ዝተነግረሉ ንሱ ዮሃንስ እዩ እሞ።
4ክዳኑ ኻብ ፀጕሪ ግመል ዝተሰርሐ ነበረ፤ ዕጣቕ ሕቘኡ ድማ፥ ፈልቊ ቘርበት፥ ቀለቡ ኸዓ ኣንበጣን መዓር ፅዴናን ነበረ።
5ሽዑ ሰብ ኢየሩሳሌምን ኵሎም ሰብ ይሁዳን፥ ኵሉ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ይመፁ ነበሩ።
6ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ኸዓ፥ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብዮሃንስ ይጥመቑ ነበሩ።
7ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ክጥመቑ እንትመፁ ምስ ረአየ ኸምዙይ በሎም፦ “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ መዓት ክተምልጡ መን ሓበረልኩም?
8እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።
9ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል እተምልጡ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ንእግዚኣብሄር ከም ዝከኣሎ እብለኩም ኣለኹ።
10እንሆ ሕዚ ማሕፀ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተቐሪቡ ኣሎ። እምበኣር ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ይቝረፅ፤ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ።
11ኣነ ንንስሃ ብማይ ኣጥምቐኩም ኣለኹ፤ እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ግና፥ ካባይ ይሕይል እዩ፤ ኣነ ኣሳእኑ ኽፀውር እኳ ኣይበቅዕን እየ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ።
12ዓውዱ ዘፅርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ፤ ስርናዩ ኣብ ቆፎኡ ኽእክብ፥ ነቲ ሓሰር ግና፥ ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ።”
13ሽዑ ኢየሱስ፥ ብዮሃንስ ክጥመቕ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መፀ።
14ዮሃንስ ግና “ኣነ ደኣ ብኣኻ ኽጥመቕ ይግብአኒ እምበር፥ ንስኻዶ ናባይ ትመፅእ!” ኢሉ ኣበዮ።
15ኢየሱስ ከዓ “ኵሉ ፅድቂ ኽንፍፅም ይግብአና እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሕደግ! ይኹን ደኣ” ኢሉ መለሰሉ። ድሕሪዙይ “ይኹን” በሎ።
16ኢየሱስ ምስ ተጠመቐ፥ ሽዑ ንሽዑ ኻብ ማይ ወፀ፤ እንሆ ኸዓ ሰማይ ተኸፈተ፤(ሀ) መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ኸም ርግቢ ወሪዱ፥ ኣብ ልዕሊኡ እንትቕመጥ ረአየ።
17እንሆ ድማ “ብእኡ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትዎ ወደይ እዙይ እዩ” ዝብል ድምፂ ኻብ ሰማይ መፀ።