ወንጌል ማቴዎስ 2

BCV aksumትግርኛ20 ፍቕድታት3:28 ስማዕ
ስማዕ 3:28 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ?” እናበሉ ናብ ኢየሩሳሌም በፅሑ።

3ንጉስ ሄሮድስ እዙይ ሰሚዑ ደንገፀ፤ ኵሎም ህዝቢ ኢየሩሳሌምውን ምስኡ ደንገፁ።

4ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃነ ካህናትን መምህራን ህዝብን ኣኪቡ፥ “ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ?” ኢሉ ጠየቖም።

5ንሳቶም ከዓ “ኣቲ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ፥ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕልዎም ንጉስ ካባኺ ኽወፅእ እዩ እሞ፥ ካብ ነገስታት ይሁዳ ኸቶ ኣይትንእስን ኢኺ ዝብል፥ ብነቢይ ተፅሒፉ ስለ ዘሎ፥ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ እዩ” በልዎ።

7ድሕሪዙይ ሄሮድስ ንሰብኣ ሰገል ብሕቡእ ፀዊዑ፥ ካብኣቶም ድማ ዘመን እቲ ዝተርኣዮም ኮኸብ ኣፀቢቑ ተረድአ።

8ናብ ቤተ ልሔም ድማ ሰደዶምሞ፥ “ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህፃን ብጥንቃቐ መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ ድማ ኣነ መፂአ ምእንቲ ኽሰግደሉ ንገሩኒ” በሎም።

9ንሳቶም ከዓ ኻብቲ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ እቲ ብምብራቕ ዝረአይዎ ኮኸብ ኣብ ልዕሊ እቲ ህፃን ዝነበራ ቦታ መፂኡ ኽሳዕ ዝቐውም(ሀ) መርሖም።

10ነቲ ኮኸብ ምስ ረአይዎ፥ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጐሱ።

11ናብ ቤት ኣትዮም፥ ነቲ ህፃን ምስ ማርያም እኖኡ ረአይዎ፤ ተደፊኦም ድማ ሰገዱሉ። ሳፁኖም ከፊቶም ከዓ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገፀ በረኸት ኣቕረቡሉ።

12ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ ብሕልሚ ስለ ዘጠንቀቖም፥ ብኻልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመለሱ።

13ንሳቶም ምስ ከዱ ኸዓ፥ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርኣዮ፤ “ሄሮድስ ነዝ ህፃን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ ናብ ግብፂ ህደም፤ ክሳዕ ዝነግረካ ኸዓ ኣብኡ ፅናሕ” በሎ።

14ዮሴፍ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ብለይቲ ናብ ግብፂ ኸደ።

15እቲ እግዚኣብሄር ብነቢይ “ንወደይ ካብ ግብፂ ፀዋዕኽዎ” ዝበሎ ምእንቲ ኽፍፀም ድማ፥ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ፀንሐ።

16ሽዑ ሄሮድስ እቶም ሰብኣ ሰገል ከም ዘላገፁሉ ምስ ተረድአ የመና ተቘጥዐ እሞ፥ ንዅሎም ህፃናት ቤተ ልሔምን፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢኣ ንዝነበሩ ህፃናትን፥ ካብ ሰብኣ ሰገል ጠይቑ ብዝተረድኦ ዘመን፥ ሰራዊቱ ልኢኹ፥ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዝነበሩ ህፃናት ኣቕተለ።

17ሽዑ እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ፦ “ኣብ ራማ ድምፅን ብዙሕ ዋይዋይታን ብኽያትን ተሰምዐ፤ ራሄል ምእንቲ ደቃ በኸየት፤ ሞይቶም እዮም እሞ፥ ምፅንናዕ ኣበየት” ዝተብሃለ ተፈፀመ።

19ሄሮድስ ምስ ሞተ፥ እንሆ ኣብ ግብፂ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተርእዩ፥

20“እቶም ንነፍሲ እዝ ህፃን ዝደልዩ፥ ሞይቶም እዮም እሞ ተስእ፤ ነዝ ህፃንን ንኖኡን ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ” በሎ።

21ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ህፃንን ንኖኡን ሒዙ፥ ናብ ምድሪ እስራኤል ተመለሰ።

22ግና ኣርኬላኦስ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ፥ ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ ሰሚዑ፥ ናብኡ ምኻድ ፈርሐ። ብሕልሚ ምስ ተገለፀሉ ድማ፥ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ።

23እቲ ብነቢያት “ናዝራዊ(ለ) ኽብሃል እዩ” ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍፀም፥ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መፂኡ ተቐመጠ።

ትርጓሜ

2:1-8 እቶም ካብ መዋስዕቲ ጸጋ ብብዙሕ ርሕቀት ዝነብሩ ብዙሕ ግዜ ብብዙሕ ትግሃት ይጽዕሩ፡ ንክርስቶስን ንምድሓኑን ድማ ብዝያዳ ይፈልጡ። ግናኸ ዝኾነ ሕቡእ ጥበብ ወይ ንጹህ ሰብኣዊ ፍልጠት ሰባት ናብኡ ኪመርሕ ኣይክእልን። ንክርስቶስ ክንመሃሮ ዘሎና፡ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ጸልማት ከም ዚበርህ ብርሃን ገይርና ብምስትምቓርን ንምምሃር መንፈስ ቅዱስ ብምድላይን እዩ። እቶም ኣብ ልቦም ጽባሕ ኮኾብ ዝበርሃሎም፣ በዚ ድማ ገለ ፍልጠት ክርስቶስ ዝረኸቡ፣ ንምምላኹ ዕዮኦም ይገብርዎ። ሄሮድስ እኳ እምበር ኣዝዩ ኣረጊት ነበረ፡ ንቤተሰቡ ፍቕሪ ኣርእዩ ዘይፈልጥ፡ ሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ክሳዕ ሰብኣይነቱ ዚበጽሕ ኪነብር ከም ዘይከኣል እውን ግሁድ እዩ ነይሩ፡ ብፍርሃት ተቐናቓኒ ኪሽገር ጀመረ። መንፈሳዊ ባህሪ ናይ መንግስቲ መሲሕ ኣይተረድኦን። ካብ ምዉት እምነት ንጠንቀቕ። ሓደ ሰብ ብብዙሓት ሓቅታት ኪእመን ይኽእል እዩ፡ ግናኸ ንትምኒቱ ወይ ንሓጢኣተኛ ፍቓዳቱ ስለ ዚቛረጽዎ ኪጸልኦም ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ እምነት ዘይተረጋግአ ኪገብሮ እዩ፡ ንሓቅን ንዕዮ ኣምላኽን ንምጽራር ድማ ኣዝዩ ቁሩብን ቆራጽን ኪኸውን እዩ። ኣብኡ ድማ ንዓወት ኪትስፎ ኸም ዚኽእል ዕሽሽ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

2:9-12 እዞም ሰብ ጥበብ ነቲ ኮኾብ ምስ ረኣይዎ ዝሓዘዎም ሓጎስ፣ ድሕሪ ነዊሕን ጓሂ ዝመልኦን ለይቲ ፈተናን ምጥንጣዕን፣ ብሓይሊ መንፈስ ባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ እሞ ብመወዳእታኡ ኸኣ መንፈስ ውልድነት ዝቕበሉ፣ ምስ መንፈሶም ኮይኑ ደቂ ኣምላኽ ምዃኖም ዝምስክር ሰባት ጥራይ እዮም ዝፈልጥዎ። ቤተ መንግስቱ ሓንቲ ሕርቢ ከም ዝኾነት፣ እታ ድኻ ወላዲቱ ኸኣ በይና ከም እትእንግዶ ምስ ረኸቡ፣ ከመይ ዝበለ ተስፋ ምቑራጽ ከም ዝስምዖም ንቡር ኢዩ። ይኹን እምበር፣ እዞም ሰብ ጥበብ ተስፋኦም ኣይቆረጹን፤ ነቲ ዝደለይዎ ንጉስ ስለ ዝረኸብዎ ግና ህያባቶም ኣቕረቡሉ። ትሑት ሓታቲ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣዳራሻትን ብዙሓት ህዝቢ ዝነብርዎም ከተማታትን ብኸንቱ ድሕሪ ምድላይ፣ ንዕኡን ንደቀ መዛሙርቱን ኣብ ትሑት ድኳናት ምስ ረኸበ ኣይሰናኸልን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ኢየሱስም በይሁዳ ቤተ ልሔም በንጉሡ በሄሮድስ ዘመን በተወለደ ጊዜ፥ እነሆ፥ ሰብአ ሰገል፦ “የተወለደው የአይሁድ ንጉሥ ወዴት ነው? ኮከቡን በምሥራቅ አይተን ልንሰግድለት መጥተናልና፡” እያሉ… አማርኛ ENGNIV After Jesus was born in Bethlehem in Judea, during the time of King Herod, Magi from the east came to Jerusalem English BCV ኢየሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምድሪ ይሁዳ ምስ ተወለደ፥ እንሆ ኻብ ሃገር ምብራቕ ዝመፁ ሰብኣ ሰገል፥ “ኮኸቡ ብምብራቕ ርኢና ኽንሰግደሉ መፂእና ኢና እሞ፥ እቲ ዝተወለደ ን… ትግርኛ GAZBIB Bara mooticha Herodisitti, Yesus mandara Betlihem kutaa biyya Yihudaatti yommuu dhalate, kunoo namoonni ogeeyyiin urjii… Afaan Oromoo BCV GIZ ወተወሊዶ እግዚእ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ በመዋዕለ ሄሮድስ ንጉሥ፡ ናሁ መጽኡ መሰግላን እምብሔረ ጽባሕ ወበጽሑ ውስተ ኢየሩሳሌም። giz GAZGAZ Bara mooticha Herodisitti, Yesus mandara Betlihem kutaa biyya Yihudaatti yommuu dhalate, kunoo namoonni ogeeyyiin urjii… Afaan Oromoo AMHNIV በንጉሡ በሄሮድስ ዘመን፣ ኢየሱስ በቤተልሔም ይሁዳ ከተወለደ በኋላ ጠቢባን ከምሥራቅ ወደ ኢየሩሳሌም መጥተው፣ አማርኛ SWAHSUV Yesu alipozaliwa katika Bethlehemu ya Uyahudi zamani za mfalme Herode, tazama, mamajusi wa mashariki walifika Yerusalem… Kiswahili