1ምስ ወግሐ፥ ኵሎም ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን፥ ንኢየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ።
2ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ፥ ንጲላጦስ ነቲ ሹም ኣሕሊፎም ሃብዎ።
3ሽዑ እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ፥ ንኢየሱስ ከም ዝተፈርዶ ምስ ረአየ፥ ተናሲሑ “ንፁህ ሰብ ንሞት ኣሕሊፈ ብምሃበይ በዲለ” እናበለ፥ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ግና “ንሕና እንታይ ገዲሱና፥ ባዕልኻ ትፈልጥ” በልዎ።
5ንሱ ኸዓ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ፥ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርቢይዎ ወፀ፤ ከይዱውን ተሓኒቑ ሞተ።
6እቶም ሊቃነ ካህናት ግና፥ ነቲ ገንዘብ ወሲዶም “ዋጋ ደም ስለ ዝኾነ፥ ኣብ ሙዳየ ምፅዋት ክነእትዎ ኣይግባእን እዩ” በሉ።
7ተማኺሮም ከዓ ብእኡ፥ ንመቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን፥ ግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ዓደጉሉ።
8ስለዙይ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ “ግራት ደም” ትብሃል ኣላ።
9እቲ ብነቢይ ኤርሚያስ “ነቲ ደቂ እስራኤል ዋጋ ዝገምገሙሉ፥ ዋጋ ናይቲ ኽቡር፥(ሀ) ሰላሳ ብሩር ወሰዱ።
10ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ እውን፥ ንግራት ናይ ሰራሒ ኣቕሓ መሬት ሃብዎ” ኢሉ ዝተነግረ ቓል ተፈፀመ።
11ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ገዛኢ ቖመ። እቲ ገዛኢ ድማ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ኢየሱስ ከዓ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ”(ለ) በሎ።
12ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ክኸስዎ እንተለዉ፥ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን።
13ሽዑ ጲላጦስ “ብኽንደይ ነገራት ኣብ ልዕሌኻ ይምስክሩ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ?” በሎ።
14ንሱ ግና እቲ ገዛኢ የመና ኽሳዕ ዝግረም ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን።
15እቲ ገዛኢ ብበዓል፥ ነቶም ህዝቢ ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ልማድ ነበሮ።
16ሽዑ በርባን ዝተብሃለ ብዓመፅ ዝተፈለጠ እሱር ነበረ።
17ጲላጦስ ከዓ ንኢየሱስ ብቕንኣት ከም ዘትሓዝዎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፥ “ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ? ንበርባንዶ ወይ ነዝ ክርስቶስ ዝበሃል ኢየሱስ?” በሎም።
19ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ እንተሎ ድማ ሰበይቱ፥ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ፥ ብዛዕባኡ ብዙሕ ተሳቕየ እየ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ፃድቕ ሰብ፥ ሓንቲ ኸይትብድል ተጠንቀቕ!” ኢላ ለኣኸትሉ።
20ሊቃነ ካህናትን ሽማግለታትን ግና፥ ነቶም ህዝቢ “በርባን ይፈታሕ ኢየሱስ ግና ይቀተል” ኢሎም ንኽልምኑ ሕራይ ኣበልዎም።
21ሽዑ እቲ ገዛኢ “ካብ ክልቲኦም ነየንኦም ክፈትሐልኩም ትደልዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ “ንበርባን” በልዎ።
22ጲላጦስ ከዓ “ነዝ ክርስቶስ ዝተብሃለ ኢየሱስከ እንታይ ክገብሮ?” በሎም። ኵሎም ድማ “ይሰቐል!” በሉ።
23ጲላጦስ “ንሱ እንታይ ክፉእ ገበረ?” በሎም። ንሳቶም ግና “ይሰቐል!” እናበሉ ኣበርቲዖም ድምፂ ኣስምዑ።
24ስለዙይ ጲላጦስ እዝ ነገር እዙይ ሁከት ንምልዕዓል እንተ ዘይኮይኑ፥ ከም ዘይጠቅም ምስ ረአየ፥ ማይ ወሲዱ፥ “ኣነ ኻብ ደም እዝ ፃድቕ ሰብ እዙይ ንፁህ እየ፤ ባዕልኻትኩም ትፈልጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓፀበ።
25ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸዓ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን፥ ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን!” ኢሎም መለሱሉ።
26ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ገሪፉ ኽስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም።
27ድሕሪዙይ እቶም ወታደራት ጲላጦስ፥ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም፥ ነቲ ሰራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ።
28ክዳኑ ቐንጢጦም ከዓ ቐይሕ ካባ ኸደንዎ።
29ናይ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተምበርከኹ “ሰላም፥ ኦ ንጉስ ኣይሁድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
30እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ።
31ምስ ኣላገፁሉ ድማ፥ ነቲ ቐይሕ ካባ ቐንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፤ ክሰቕልዎውን ወሰድዎ።
32ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ስምኦን ዝስሙ ሓደ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፥ ንመስቀል ኢየሱስ ክፀውር ኣገደድዎ።
33ጎልጎታ፥ ትርጕሙ “ሓምሓም ርእሲ” ተብሂሉ ናብ ዝፅዋዕ ስፍራ ምስ በፅሑ፥
34ሓሞት ዝተሓወሶ መፂፅ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ጥዒሙ ምስታይ ኣበየ።
35ምስ ሰቐልዎ(ሐ) ነቲ ኽዳውንቱ ዕፃ ኣውዲቖም ተኻፈሉ።
36ኣብኡ ተቐሚጦም ከዓ ይሕልውዎ ነበሩ።
37ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፥ “እዙይ ኢየሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዝብል ናይ ኽሲ ፅሑፍ ኣንበሩሉ።
38ሽዑ ምስኡ ኽልተ ሸፋቱ፥ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ፥ ተሰቐሉ።
39እቶም ብጥቃኡ ዝሓልፉ ዝነበሩ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥
40“ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ፥ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንፅ፥ እስኪ ንባዕልኻ ኣድሕን! ወዲ እግዚኣብሄር እንተ ደኣ ኴንካስ እስኪ ኻብ መስቀል ውረድ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
41ከምኡውን እቶም ሊቃነ ካህናት ምስ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ኮይኖም፦
42“ንኻልኦት ኣድሓነ፤ ንባዕሉ ግና ኸድሕን ኣይኸኣለን፤ ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ ኻብ መስቀል ይውረድ፤ ንሕና ኸዓ ብእኡ ኽንኣምን።(መ)
43ንሱ ብእግዚኣብሄር ተኣሚኑ እዩ፤ ‘ኣነ ወዲ እግዚኣብሄር እየ’ እውን ኢሉ እዩ እሞ፥ ዝፈትዎ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ሕዚ የድሕኖ!” እናበሉ የላግፁሉ ነበሩ።
44ከምኡውን እቶም ምስኡ ዝተሰቐሉ ኸተርቲ የላግፁሉ ነበሩ።
45እንሆ ኻብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ትሽዓተ ሰዓት፥ ኵሉ ምድሪ ፀልመተ።
46ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኢየሱስ “ኤሎሄ! ኤሎሄ! ላማ ሰበቅታኒ?” እናበለ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ እዙይ ከዓ “ኣምላኸይ፥ ኣምላኸይ፥ ንምንታይ ሓደግካኒ?” ማለት እዩ።
47ገሊኣቶም ካብቶም ኣብኡ ቖይሞም ዝነበሩ ሰባት ነዙይ ምስ ሰምዑ፥ “እዙይስ ንኤልያስ እዩ ዝፅውዕ ዘሎ” በሉ።
48ሽዑ ሓደ ኻብኣቶም ጐይዩ፤ ሰፍነግ ወሲዱ፥ መፂፅ መሊኡ፥ ብዘንጊ ገይሩ ኽሰትዮ ኣቕረበሉ።
49ገሊኣቶም ግና “ሕደግዎ፥ ኤልያስ መፂኡ ዘድሕኖ እንተ ኾይኑ ኽንርኢ ኢና” በሉ።
50ኢየሱስ ደጊሙ ዓው ኢሉ ድምፂ ኣስምዐ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት።
51እንሆ ኸዓ መጋረጃ ቤተ መቕደስ፥ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተቐደደ፤ ምድሪ ተናወፀት፤ ኣኻውሕ ድማ ተጨደዱ።
52መቓብራትውን ተኸፈቱ፤ ሞይቶም ዝነበሩ ናይ ብዙሓት ቅዱሳን ሬሳታት ድማ፥ ካብ ሞት ተስኡ።
53ከካብ መቓብሮም ወፂኦም፥ ድሕሪ ትንሳኤኡ(ሠ) ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፤ ንብዙሓትውን ተርኣይዎም።
54እቲ ሓለቓ ሚእትን፥ እቶም ንኢየሱስ ክሕልዉ ምስኡ ዝነበሩን ከዓ፥ ነቲ ምንዋፅ ምድርን ነቲ ዝኾነ ነገራትን ሪኦም፥ “እዙይስ ናይ ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበሉ የመና ፈርሑ።
55ኣብኡ ኸዓ ንኢየሱስ እናገልገላኦ፥ ካብ ገሊላ ጀሚረን ዝተኸተላኦ ብዙሓት ኣንስቲ፥ ብርሑቕ ይሪኣ ነበራ።
56ካብኣተንውን ማርያም መግደላዊት፥ ማርያም እኖ ያእቆብን ዮሳን፥ እኖ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ።
57ምስ መሰየ ግና፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፀ። ንሱ ኸዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ።
58ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ኽህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ።
59ዮሴፍ ድማ ነቲ ናይ ኢየሱስ ስጋ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሓሪ ገነዞ፤
60ኣብቲ ኣብ ኰዅሒ ዘውቀሮ፥ ናይ ባዕሉ ሓድሽ መቓብርውን ቀበሮ፤ ሓደ ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ድማ፥ ነቲ ኣፍ መቓብር ዓፅይዎ ኸደ።
61ኣብኡ ኸዓ ማርያም መግደላዊትን፥ እታ ኻልአይታ ማርያምን፥ ኣብ መንፅር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ።
62ብፅባሒቱ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፥(ረ) ሊቃነ ካህናትን ፈሪሳውያንን ተኣከቡ እሞ፥ ናብ ጲላጦስ ከይዶም፥
63“ጐይታ! እቲ መስሓቲ፥ ብህይወቱ እንተሎ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና።
64ስለዙይ ደቀ መዛሙርቱ(ሰ) መፂኦም ከይሰርቅዎ፥ ንህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ሞት ተሲኡ ኸይብሉ እሞ፥ ካብ እታ ቐዳመይቲ፥ እታ ዳሕረወይቲ ጌጋ ዝገደደት ከይትኸውንስ፥ ክሳዕ ሳልሳይ መዓልቲ፥ እቲ መቓብር ብፅኑዕ ክሕሎ ኣዝዝ” በልዎ።
65ጲላጦስ ከዓ፥ “ሓለውቲ ሒዝኩም ኪዱ እሞ፥ ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ኣፅኒዕኹም ሓልዉ” በሎም።
66ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።