ወንጌል ማቴዎስ 18

BCVትግርኛ34 ፍቕድታት5:03 ስማዕ
ስማዕ 5:03 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ሰዓት እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ይዓቢ?” እናበሉ ናብ ኢየሱስ ቀረቡ።

2ኢየሱስ ድማ ንሓደ ህፃን ናብኡ ፀዊዑ፥ ኣብ ማእኸሎም ኣቖሞ እሞ፥

3ከምዙይ በለ፦ “እንተ ዘይተመሊስኩም፥ ከምዝ ህፃን እዙይውን እንተ ዘይኴንኩም ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

4እቲ ኸምዝ ህፃን እዙይ ንባዕሉ ዘትሕት፥ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ካብ ኵሉ ዝዓቢ።

5እቲ ንኸምዙይ ዝበለ ህፃን ብስመይ ዝቕበል ንኣይ ይቕበል።

6እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ፥ እምኒ መጥሓን(ሀ) ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ፥ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተ ዝጠልቕ ምሐሾ።

7“ዕንቅፋት ግድን ክመፅእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመፅእ ሰብ ወይለኡ!

8ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፥ ካባኻ ቘሪፅካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ኢድካን ክልተ እግርኻን፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበ፥ ብቘራፅካ ወይ ብሓንካስካ ናብ ህይወት ክትኣቱ ይሕሸካ።

9ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ድማ፥ ካባኻ መዝሒቕካ ደርብያ፤ ምስ ክልተ ዓይንኻ፥ ናብ ገሃነም እሳት ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ።

10“መላእኽቶም ኣብ ሰማያት፥ ኵልሻዕ ገፅ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይሪኡ እዮም እሞ፥ ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ።

11ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኽደልን ከድሕንን እዩ ዝመፀ እሞ።

12እንታይ ይመስለኩም? ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፥ ካብኣተን ሓንቲ እንተ ጠፍአቶ፥ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ሓዲጉ፥ ነታ ዝጠፍአት ክደሊዶ ኣይኸይድን?

13እንተ ረኸባ ድማ ኻብተን ዘይጠፍኣ ተስዓን ትሽዓተን፥ ብኣኣ የመና ኸም ዝሕጐስ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

14ከምኡ ድማ ኻብዞም ኣናእሽተይ ሓደ እኳ ኽጠፍእ፥ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም(ለ) ኣይኮነን።

15“ሓውካ እንተ በደለካ፥(ሐ) ኼድካ ንስኻን ንሱን በይንኻትኩም ኴንኩም መዓዶ፤ እንተ ሰምዐካ ንሓውካ ናትካ ገበርካዮ።(መ)

16እንተ ዘይሰምዐካ ግና፥ ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ወይ ሰለስተ መሰኻኽር እዩ ዝቐውም እሞ፥ ኣብ ካልኣይ ጊዜ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ።

17ንኣኣቶም እንተ ዘይሰምዖም ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያን ንገራ፤ ንቤተ ክርስቲያን እንተ ዘይሰምዓ ግና፥ ከም ኣረማዊን ከም ተቐባሊ ቀረፅን ቍፀሮ።

18“ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ፥ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኹምዎ ድማ፥ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ።

19ክልተ ወይ ሰለስተ ኾይኖም ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ፥ ኣነ ኸዓ ኣብኡ ኣብ ማእኸሎም ኣለኹ እሞ፥ ክልተ ወይ ሰለስተ ኻባኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ዅሉ ነገር እንተ ተሰማሚዖም፥ በቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክግበረሎም እዩ ኢለ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

21ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ “ኦ ጐይታ! ሓወይ እንተ በደለኒ ኽንደይ ሻዕ ይቕረ ኽብለሉ? ክሳዕ ሸውዓተዶ?” በሎ።

22ኢየሱስ ድማ “ሸውዓተ ሻዕ ሰብዓ ደኣ እምበር፥ ክሳዕ ሸውዓተ ኣይብለካን።”

23ስለዙይ መንግስተ ሰማያት፥ ምስ ኣገልገልቱ ኽፀባፀብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል፤

24ክፀባፀብ ምስ ጀመረ ዓሰርተ ሽሕ መክሊት(ሠ) ዕዳ ዘለዎ ሰብ ኣምፅኡሉ።

25ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና እቲ ጐይታኡ ንሱን፥ ሰበይቱን፥ ደቁን፥ ዘለዎ ዅሉ ሃብትን ክሽየጥ እሞ፥ እቲ ዕዳ ክኸፍል ኣዘዘ።

26እቲ ኣገልጋሊ ድማ ኣብ እግሩ ተደፊኡ፥ “ጐይታይ! ተዓገሰኒ ደኣ እምበር፥ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ለመኖ።

27እቲ ጐይታኡ ድማ ነቲ ኣገልጋሊ ራህርሀሉሞ ፈትሖ፤ ዕዳኡውን ሓደገሉ።

28እቲ ኣገልጋሊ ምስ ወፀ ግና፥ ካብቶም ብፆቱ ሚእቲ ዲናር(ረ) ዕዳ ዘለዎ ሓደ ኣገልጋሊ ረኸበ እሞ፥ “ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ” ኢሉ ሓኒቑ ሓዞ።

29ሽዑ እቲ ብፃዩ ኣገልጋሊ “ተዓገሰኒ፤ ኵሉ ኽፈድየካ እየ” እናበለ ተደፊኡ ለመኖ።

30ንሱ ግና ኣበዮ፤ ከይዱ ድማ ኽሳዕ ዕዳኡ ዝፈድዮ ኣእሰሮ።

31እቶም ብፆቱ ኣገልገልቲ ድማ፥ እቲ ዝገበሮ ሪኦም የመና ሓዘኑ፤ ከይዶምውን እቲ ዝኾነ ዅሉ ነገር ንጐይታኦም ነገርዎ።

32ሽዑ እቲ ጐይታኡ ፀዊዑ “ኣታ ኽፉእ ኣገልጋሊ! ኣነ ስለ ዝለመንካኒ ዅሉ ዕዳኻ ሓደግኩልካ፤

33ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ ነቲ ብፃይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብአካን?” በሎ።

34ጐይታኡ ኸዓ ተቘጢዑ ዅሉ ዕዳኡ ፈፂሙ ኽሳዕ ዝፈዲ ንዘሳቕይዎ ኣሕሊፉ ሃቦ።

35“እምበኣር ንስኻትኩምውን ነፍሲ ወከፍኩም፥ ንሓዉ ኻብ ልቡ በደሉ እንተ ዘይሓዲጉሉ፥ ሰማያዊ ኣቦይውን ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።”

ትርጓሜ

18:1-6 ክርስቶስ ብዛዕባ መከራኡ ብዙሕ ቃላት ተዛረበ፣ ብዛዕባ ክብሩ ግና ሓንቲ ጥራይ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ኣብኣ ኣተኲሮኦም ገበሩ እሞ ነተን ካልኦት ኣሕለፍወን። ብዙሓት ብዛዕባ መሰልን ክብርን ምስማዕን ምዝራብን ይፈትዉ፣ ብዛዕባ ዕዮን ሽግርን ዘሎ ሓሳባት ግን ምሕላፍ ድሉዋት እዮም። ጐይታና ንእሽቶ ቘልዓ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕመጠ እሞ፣ እንተዘይተመልሱ እሞ ከም ደቂ ቘልዑ እንተዘይኮኑ ኣብ መንግስቱ ኪኣትዉ ከም ዘይክእሉ ብቑምነገር ጌሩ ኣረጋገጸሎም። ደቂ ቘልዑ ንእሽቶ ክኾኑ ከለዉ፣ ስልጣን ኣይደልዩን፣ ንግዳማዊ ፍልልያት ወይ መዓርግ ኣይግድሱን፣ ካብ ክፉእ ሓሳብ ናጻ እዮም፣ ትምህርቲ ዝቕበሉ እዮም፣ ብፍቓዶም ድማ ኣብ ወለዶም ዝምክኡ እዮም። ቅልጡፍ ካልእ ባህርያት ከርእዩ ከም ዝጅምሩን ካልእ ሓሳባት ድማ ገና ንእሽቶ ከለዉ ከም ዝምሃሩን ሓቂ እዩ። ግን እዚኣቶም ምልክታት ቘልዕነት እዮም፣ እሞ ድማ ንትሑት መንፈስ ናይ ሓቀኛ ክርስትያናት ቅኑዕ ምሳሌ ይገብርዎም። ብርግጽ ንሕና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብመንፈስ ኣእምሮና ክንሕደስ የድልየና፣ ከም ንኣሽቱ ቘልዑ ንቡቓቕን ትሑታትን ክንከውን፣ ከምኡውን ካብ ኩሉ እቲ ንእሽቶ ክንከውን ድሉዋት ክንከውን። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ነዚ ትምህርቲ እዚ ነጽንዖ፣ ንመንፈስና ድማ ንመርምሮ።

18:7-14 ሰይጣን ዘለዎ ተንኮልን ሕሱም ባህርን፣ ከምኡ’ውን ድኻምን ጥፍኣትን ናይ ልቢ ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መሰናኽላት ከይህልዉ ኣይከውንን እዩ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ጥበባውን ቅዱስን ዕላማኡ ንምፍጻም ይፈቅዶም እዩ፣ እቶም ቅኑዓት ዝዀኑን ዘይኰኑን ምእንቲ ኺፍለጡ። ኣቐዲሙ ሓለፍቲ፣ ፈተንቲ፣ መሳፍቕቲ፣ ከምኡ’ውን ሕማቕ ኣብነታት ከም ዝህልዉ ስለ ዝተነግረና፡ ንጠንቀቕ እሞ ድማ ንንቕሕ። ብሕጊ ክሳዕ ዝፍቀደልና፡ ሓጢኣት ከይትኣስረና ወይ ከይትጠላልፈና ክንሕዞ ዘይንኽእል ነገር ክንጥንጥኖ ወይ ክንገድፎ ኣሎና። ናይ ሓጢኣት ደጋዊ ምኽንያታት ኪርሕቑ ይግባእ። ብፍቓድ ስጋ እንተ ነበርና፡ ክንምውት ኢና። ብመንፈስ ቅዱስ ግና ግብሪ ስጋ እንተ ኣጥፋእና፡ ክንነብር ኢና። ክርስቶስ ነፍሳት ከድሕን ናብ ዓለም መጸ፣ ነቶም ናብ ሰማይ ገጾም ዝገበሩ ንቕድሚት ዝኸዱ ካልኦት ንዝዕንቅፉ ድማ ብትሪ ኺምርምሮምን ኪኹንኖምን እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 5