1በቲ ጊዜ እቱይ ኢየሱስ፥ ብሰንበት ብማእኸል ዝሩእ ገራሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠምዮም ስለ ዝነበሩ፥ ሸዊት እናቐንጠቡ ኽበልዑ ጀመሩ።
2ፈሪሳውያን ድማ እዙይ ሪኦም “ረአ! ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ክግበር ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ” በልዎ።
3ንሱ ድማ፦ “ዳዊት ምስ ጠመየ፥ እንታይ ድዩ ዝገበረ? ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ፥ ንኻህናት ንበይናቶም እምበር፥ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን፥ ክበልዕዎ ዘይግባእ ሕብስቲ ቝርባን፥ ከም ዝበልዐዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
5ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብሰንበት፥ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፥ በደል ከዓ ኸም ዘይኾኖም ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም?
6ኣነ ግና ኻብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ፥ እብለኩም ኣለኹ።
7ግና ‘ካብ መስዋእቲ፥ ምሕረት እፈቱ’ ዝበሎ እንታይ ምዃኑ እንተ እትፈልጡስ፥ ነዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምዎምን ኔርኩም፤
8ወዲ ሰብ፥ ጐይታ ሰንበት እዩ እሞ” በሎም።
9ኢየሱስ ካብኡ ሓሊፉ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ሀ) ኣተወ።
10እንሆ ኸዓ ኢዱ ዝሰለለት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ክኸስዎ ኸዓ፥ “ብሰንበት ምሕዋይዶ ይግባእ እዩ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11ኢየሱስ ከዓ፦ “ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ፥ ብሰንበት ናብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፥ ሒዙ ዘየውፅኣ ሰብ መን እዩ?
12ካብ በጊዕስ ሰብዶ ግዳ እምብዛ ኣይበልፅን? እምበኣር ብሰንበት ፅቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ” በሎም።
13ሽዑ ነቲ ሰብኣይ “ኢድካ ዘርግሕ” በሎ። ንሱ ኸዓ ዘርግሓ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ሓወየት፤ ከምታ ኻልአይታውን ኮነት።
14ፈሪሳውያን ግና ኻብኡ ወፂኦም ከመይ ገይሮም ከም ዝቐትልዎ ተማኸሩ።
15ኢየሱስ ድማ ነዙይ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ፤ ብዙሓት ሰባት ከዓ ተኸተልዎ፤ ንዅሎምውን ኣሕወዮም።
16ከየግህድዎ ድማ ኣጠንቀቖም።
17እዙይ ከዓ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ
18“እንሆ እቲ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ደስ ዝብለኒ ዘፍቅሮ ኣገልጋሊየይ፥ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕ??ር እየ፤ ንኣህዛብ ድማ ፍትሒ ኸብስር እዩ።
19ንሱ ኣይከራኸርን፤ ዓው ኢሉ ኣየድምፅን፤ ሓደ እኳ ኣብ ኣደባባይ ድምፁ ኣይሰምዕን እዩ።
20ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብፅሕ ንቕጥቁጥ ሻምበቆ ኣይሰብርን፤ ንዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ።
21ኣህዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም።” ተብሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ኽፍፀም እዩ።
22ድሕሪዙይ ጋኔን ዝሓደሮ ሓደ ዕዉርን በሃምን ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ፥ ከም ዝርእን ከም ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።
23ኵሎም እቶም ህዝቢ ከዓ “እዙይስ እቲ ወዲ ዳዊትዶ ኣይኮነን?” ኢሎም ተደነቑ።
24ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፥ “እዙይ ብሓለቓ ኣጋንንቲ ‘ብብኤል ዜቡል’ እዩ እምበር፥ ንኣጋንንቲ ኣየውፅኦምን እዩ” በሉ።
25ኢየሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፤ “ኵላ ንስንሳታ እትፈላለ መንግስቲ ትጠፍእ፤ ንስንሳታ እትፈላለ ዅላ ኸተማ ወይ ገዛ ድማ ኣይትቐውምን እያ።
26እምበኣር ሰይጣን ንሰይጣን ዘውፅኦ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ንስንሳቱ ተፈላልዩ ማለት እዩ፤ እታ መንግስቱኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም?
27ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል ዜቡል ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ፥ ደቅኹም ደኣ ብመን የውፅእዎም? ስለዙይ ንሳቶም ፈረድቲ ክኾኑኹም እዮም።
28ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዘውፅኦም እንተ ደኣ ኾይነ ግና፥ እምበኣር መንግስቲ እግዚኣብሄር፥ ናባኻትኩም መፂኣ ኣላ ማለት እዩ።
29“ወይ ከዓ ቕድም ነቲ ሓያል እንተይኣሰረ፥ ናብ ገዛ ሓያል ኣትዩ፥ ኣቑሑኡ ኽጕርጕር ዝኽእል መን እዩ? ድሕሪዙይ እዩ፥ ነቲ ገዛኡ ዝጕርጕር።
30እቲ ምሳይ ዘይኮነ ተፃራርየይ እዩ፤ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከዓ ይብትን።
31ስለዙይ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ፀርፍን ይሕደገሉ እዩ፤ ንመንፈስ ቅዱስ ዝፀረፈ ግና፥ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
32ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ ዘይግባእ ቃል ዝተዛረበ ኽሕደገሉ እዩ፤ ኣብ ልዕሊ መንፈስ ቅዱስ፥ ዘይግባእ ዝተዛረበ ግና፥ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኾነ፥ ኣብታ እትመፅእ ኣይሕደገሉን እዩ እብለኩም ኣለኹ።
33“ፅቡቕ ኦም ብፍረኡ እዩ ዝፍለጥ እሞ፥ ፅቡቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ፅቡቕ ይኸውን፤ ወይ ከዓ ሕማቕ ኦም ግበሩ፤ ፍረኡ ድማ ሕማቕ ይኸውን።
34ኣቱም ውሉድ ኣትማን! ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፥ ክፉኣት እንተለኹም፥ ከመይ ኢልኩም ፅቡቕ ምዝራብ ትኽእሉ?
35“ሕያዋይ ሰብ፥ ካብቲ ሰናይ መዝገብ ልቡ፥ ሰናይ ነገር የውፅእ፤ እቲ ኽፉእ ሰብ ግና፥ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ፥ ክፉእ ነገር የውፅእ።”
36“ኣነ ግና፥ እትፀድቕ ብቓልካ፥ እትዅነንውን ብቓልካ ኢኻ እሞ፥ ሰባት ብዝዛረብዎ ዅሉ ዘይጠቅም ቃል፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ኽጥየቑሉ እዮም እብለኩም ኣለኹ።”
38ሽዑ ገሊኣቶም ካብ መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን መፂኦም “ኦ መምህር! ካባኻ ምልክት ክንርኢ ንደሊ ኢና” በልዎ።
39ንሱ ግና ኸምዙይ ኢሉ መለሰሎም፦ “እዛ ኽፍእትን ዘይተኣምንን ትውልዲ እዚኣ፥ ምልክት ትደሊ ኣላ፤ እንተ ኾነ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃባን እዩ።
40ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።
41ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ(ለ) እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
42ንግስቲ ኣዜብ፥ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ መፂኣ እያ እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ተሲኣ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ኽትኵንና(ሐ) እያ፤ እምበኣር ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
43“ርኹስ መንፈስ፥ ካብ ሰብ ምስ ወፀ፥ ዕረፍቲ ደልዩ ማይ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ዀለል ይብል፤ ግና ኣይረክብን።
44ሽዑ ‘ናብቲ ዝወፃእኹሉ ቤተይ ደኣ ኽምለስ’ ይብል፤ እንተ መፀ ድማ፥ ጥራሑን ተዀስቲሩን ተመዓራርዩን ይረኽቦ።
45ድሕሪዙይ ይኸይድ እሞ፥ ካብኡ ዝገደዱ ሸውዓተ ኻልኦት ርኹሳት መናፍስቲ ሒዙ ይመፅእ፤ ኣትዮም ከዓ ኣብኡ ይሓድሩ። ነቲ ሰብ እቱይ ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ ዝገደደ ይኸውን፤ ነዝ ኽፉእ ትውልዲ እዙይ ድማ፥ ከምኡ ክኾኖ እዩ።”
46ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም እንተሎ፥ እንሆ እኖኡን ኣሕዋቱን ከዛርብዎ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ።
47ሓደ ሰብ ከዓ “እኖኻን ኣሕዋትካን ከዘራርቡኻ ደልዮም፥ ኣብ ደገ ደው ኢሎም ኣለዉ” በሎ።
48ኢየሱስ ግና ነቲ ዝነገሮ “እኖይ መን እያ? ኣሕዋተይከ እንመን እዮም?” ኢሉ መለሰሉ።
49ናብ ደቀ መዛሙርቱ ኢዱ ዘርጊሑ እናመልከተ “እኖይን ኣሕዋተይን እዚኣቶም እዮም። ኵሉ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር፥ ንሱ ሓወይን ሓፍተይን እኖይን እዩ” በለ።