ወንጌል ማቴዎስ 10

BCV aksumትግርኛ41 ፍቕድታት5:34 ስማዕ
ስማዕ 5:34 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውፅእዎም፥ ንዝኾነ ደዌን ሕማምን ድማ፥ ከሕውዩ ስልጣን ሃቦም።

2ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ሃዋርያት ድማ፦ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ዝተብሃለ ስምኦን፥ ሓዉ እንድርያስ፥ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፥ ሓዉ ዮሃንስ፥

3ፊልጶስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ቶማስ፥ እቲ ተቐባሊ ቐረፅ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ታዴዎስ ዝተብሃለ ልብድዮስ፥

4ስምኦን ቀናኢን፥ እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ።

5ኢየሱስ ነዞም ዓሰርተ ኽልተ ለኣኾም። ከምዙይ ኢሉውን ኣዘዞም፦ “ናብተን ከም ኣባጊዕ ዝጠፍኣ ቤት እስራኤል ደኣ እምበር፥ ናብ ምድሪ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፤ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።

7ኬድኩም ድማ ‘መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ እናበልኩም ስበኹ።

8ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ(ሀ) ዝተቐበልኩምዎ ብዘይ ዋጋ(ለ) ሃቡ።

9ኣብ ቅናውትኹም ወርቂ፥ ብሩር፥ ወይ ነሃስ፥ ኣይትሓዙ።

10ከምኡ ኸዓ ስንቂ ንመንገዲ፥ ወይ ክልተ ኽዳን፥ ወይ ኣሳእን፥ ወይ በትሪ ኣይትሓዙ፤ ንሰራሕተኛ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ።

11ኣብ ዝኣተኹምዋ ኸተማ ወይ ዓዲ፥ ኣብኣ እቲ ብቑዕ መን ከም ዝኾነ ጠይቑ፤ ክሳዕ እትወፁ ድማ፥ ኣብኣ ፅንሑ።

12ኣብ ገዛ ኽትኣትዉ እንተለኹም ሰላም በልዎ።

13እቲ ገዛ እቱይ ዝግብኦ እንተ ኾይኑ፥ ሰላምኩም ይሕደሮ፤ ዘይግብኦ እንተ ኾይኑ ግና፥ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ።

14እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ወይ ቃልኩም እንተ ዘይሰሚዖምኹም ግና፥ ካብታ ገዛ ወይ ካብታ ኸተማ ኽትወፁ እንተለኹም ሓመድ ኣእጋርኩም ንገፉ።

15ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣስ፥ ንምድሪ ሰዶምን ገሞራን ከም ዝቐለለን፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

16“እንሆ ኣነ ኸም ኣባጊዕ፥ ናብ ማእኸል ተዃሉ እሰደኩም ኣለኹ፤ ደጊም ከም ተመን ብልህታት፥ ከም ርግቢ ኸዓ የዋሃት ኩኑ።

17ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮም እሞ።

18ንኣኣቶምን ንኣህዛብን ምስክር ምእንቲ ክኸውን፥ ብኣይ ምኽንያት ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም።

19ኣሕሊፎም ክህቡኹም እንተለዉ፥ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ከም እትዛረቡ ኽወሃበኩም እዩ እሞ፥ ከመይ ወይ እንታይ ክንዛረብ ኢና ኢልኩም ኣይትጨነቑ።

20መንፈስ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም እዩ፥ ብኣኻትኩም ኣቢሉ ዝዛረብ እምበር፥ ንስኻትኩም ኣይኮንኩምን እትዛረቡ።

21ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም።

22ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ሰብ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም፤ እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፥ ንሱ ኽድሕን እዩ።

23ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።

24ካብ መምህሩ ዝበልፅ ተምሃራይ፥ ካብ ጐይታኡ ዝበልፅ ኣገልጋሊ የለን።

25ተምሃራይ ከም መምህሩ፥ ኣገልጋሊ ኸም ጐይታኡ እንተ ኾነ ይኣኽሎ እዩ። ንበዓል ገዛ ‘ብኤል ዜቡል’ ካብ በልዎ፥ ንቤተሰቡ ግዳ ኸመይ ብዙሕ ዘይብልዎም።

26“እምበኣር ዘይቕላዕ ክዱን፥ ዘይፍለጥ ድማ ሕቡእ የለንሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።

27ብፀልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፤ ኣብ እዝንኹም ሕሹኽ ዝበልኩኹም ከዓ፥ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ።

28ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከእቱ ዝከኣሎ ደኣ ፍርሕዎ እምበር፥ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ፥ ንነፍሲ ግና ኽቐትልዋ ዘይከኣሎም፥ ኣይትፍርሕዎም።

29ክልተ ኣዕዋፍዶ ብሳንቲም(ለ) ይሽየጣ ኣይኮናን? ሓንቲ እኳ ኻብኣተን፥ ብዘይ ፍቓድ ሰማያዊ ኣቦኻትኩም፥ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።

30ንስኻትኩም ግና፥ ኵለን ፀጕሪ ርእስኹም እኳ ቝፁራት እየን።

31እምበኣርከስ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ፥ እምብዛ ትበልፁ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሑ።

32“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።

33ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኽሕደኒ ግና፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ።

34“ኣነ ናብ ምድሪ ሰላም ከውርድ ዝመፃእኹ ኣይምሰልኩም፤ ሰይፊ(ሐ) እምበር ሰላም ከውርድ ኣይመፃእኹን።

35ወዲ ኻብ ኣቦኡ፥ ጓል ካብ እኖኣ፥ መርዓት ካብ ሓማታ፥ ክፈላሊ እየ ዝመፃእኹ።

36ንሰብ ፀላእቱ፥ ቤተሰቡ ክኾኑ እዮም።

37እቲ ነቦኡ ወይ ንኖኡ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱ ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።(መ) ንወዱ ወይ ንጓሉ ኻባይ ኣብሊፁ ዝፈቱውን ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።

38እቲ መስቀሉ ፆይሩ ደድሕረይ ዘይኽተል ንኣይ ዝግባእ ኣይኮነን።

39ንህይወቱ ኸድሕና ዝደለየ ኸጥፍኣ እዩ፤ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና ኸድሕና እዩ።

40“ንኣኻትኩም ዝቕበል፥ ንኣይ ይቕበል፤ ንኣይ ዝቕበል ድማ፥ ነቲ ዝለኣኸኒ ይቕበል።

41ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፥ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ፤ ንፃድቕ ብስም ፃድቕ ዝቕበልውን፥ ዓስቢ ፃድቕ ይረክብ።

42ካብዞም ኣናእሽተይ ንሓደ እኳ፥ ብስም ደቀ መዝሙረይ ፅዋዕ ዝሑል ማይ ዘስቲ፥ ዓስቡ ኸቶ ኸም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።”

ትርጓሜ

10:1-4 እቲ ቃል 'ሃዋርያ' ማለት 'መልእኽተኛ' እዩ። እዞም ድማ መልእኽተኛታት ክርስቶስ ነበሩ፣ መንግስቱ ከበስሩ ተላኢኾም። ክርስቶስ ስልጣን ሃቦም ንኹሉ ዓይነት ሕማም ከሕውዩ። ብጸጋ ወንጌል ንዝኾነ ቁስሊ መሕወዪ፣ ንዝኾነ ሕማም ድማ ፈውሲ ኣሎ። ክርስቶስ ንምሕዋዩ ዝኽእለሉ ስልጣን ዘይብሉ መንፈሳዊ ሕማም የለን። ኣስማቶም ተሰኒዱ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ክብሮም እዩ። እንተኾነ፣ ኣስማቶም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ፣ ንኽድሰቱ ዝበለጸ ምኽንያት ነበሮም፣ ኣስማት እቶም ዓበይትን ስልጡናትን ናይ ምድሪ ሰባት ኣብ ሓመድ እናተቐብረ ከሎ።

፲፥፭-፲፭

ወንጌል ናብ ኣህዛብ ክሳብ ኣይሁድ ዝነጽግዎ ክበጽሕ የብሉን። እዚ ኣብ ሃዋርያት ዝነበረ ዕጽዋ ኣብ ቀዳማይ ኣገልግሎቶም ጥራይ እዩ ነይሩ። ናብ ዝኸድዎ ኩሉ ቦታ፡ መንግስቲ ሰማያት ቀሪባ እያ ኢሎም ክእውጁ ነበሮም።

ንእምነት ንምጽናዕ ሰበኹ፤ መንግስቲ ድማ ንተስፋ ንምሕያው፤ ናይ ሰማይ ድማ ንፍቕሪ ሰማያዊ ነገራት ንምጥባቕ፡ ንምቁናዕ ምድራዊ ነገራት እዩ፤ ቀሪባ እያ ድማ፡ ሰባት ከየንቀብቑ ንእኡ ምእንቲ ኺዳለዉ።

ክርስቶስ ነቲ ትምህርቶም ንምጽናዕ ተኣምራት ክገብሩ ስልጣን ሃቦም። ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝመጸት፡ እዚ ኣድላዪ ኣይኮነን። እዚ ድማ ዕላማ እቲ ዝሰብክዎ ዝነበሩ ትምህርቲ፡ ሕሙማት ነፍሳት ንምሕዋይ፡ ኣብ ሓጢኣት ዝሞቱ ድማ ንምትንሳእ ከም ዝነበረ ኣርኣየ።

ንምሕዋይን ምድሓንን ነፍሳት ሰባት ናይ ጸጋ ወንጌል ክነበስር ከሎና፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ዓስበኛ መንፈስ ዘርኢ ነገር ክንርሕቖ ይግባእ።

ኣብ ዘይፈልጥዎ ከተማታትን ዓድታትን እንታይ ከም ዝገብሩ ተዋሂቦም። ባርያ ክርስቶስ ናብ ዝተላኣኸሉ ዝኾነ ይኹን ቦታ ልኡኽ ሰላም እዩ። መልእኽቱ ናብቲ እኩያት ሓጥኣን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ኩሉ ቦታ ግና እቶም ዝበለጹ ሰባት ክረክብ ይግባእ።

ብልቢ ንኹሉ ክንጽሊ ይግባኣና፡ ንኹሉ ድማ ብኣኽብሮት ክንዋስእ።

ነቶም ዝነጸግዎም ከመይ ገይሮም ከም ዝገብሩ ተዋሂቦም። ኩሉ ምኽሪ ኣምላኽ ክእወጅ ይግባእ፡ ነቲ ጸጋዊ መልእኽቲ ዘይሰምዑ ድማ፡ ኩነታቶም ሓደገኛ ምዃኑ ክርኣዩ ኣለዎም።

እዚ ነቶም ወንጌል ዝሰምዑ ኩሎም ብሓቂ ኣብ ልቦም ኪእትዎ ይግባእ፡ ምእንቲ ዕድላቶም ንፍርዶም ጥራይ ንምብዛሕ ከይጥቀሙ።

10:16-42 ጐይታና ንደቀ መዛሙርቱ ንስደት ምእንቲ ኺዳለዉ ኣጠንቀቖም። ንጸላእቶም ዕድል ዚህብ ኩሉ ነገር፡ ብናይ ዓለም ወይ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታው፡ ኩሉ ገጽ ክፋእ ወይ ስስዐ፡ ከምኡውን ኩሉ ስውር ተግባራት ኪሕልዉ ነበሮም። ክርስቶስ ብዛዕባ ጸገማት ትንቢት ተነበየ፡ እቲ ጸገማት ንሓድሽ ነገር ምእንቲ ኸይከውን ጥራይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እምነቶም ምእንቲ ኺጸንዕ እዩ። እንታይ ከም ዚሰቅዩን ካበይ ከም ዚመጾምን ነገሮም።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አሥራ ሁለቱን ደቀ መዛሙርቱን ወደ እርሱ ጠርቶ፥ እንዲያወጡአቸው በርኩሳን መናፍስት ላይ ደዌንና ሕማምንም ሁሉ እንዲፈውሱ ሥልጣን ሰጣቸው። አማርኛ ENGNIV He called his twelve disciples to him and gave them authority to drive out evil spirits and to heal every disease and s… English BCV ኢየሱስ ነቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ፀዊዑ፥ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውፅእዎም፥ ንዝኾነ ደዌን ሕማምን ድማ፥ ከሕውዩ ስልጣን ሃቦም። ትግርኛ GAZBIB Yesus bartoota isaa kudha lamaan ofitti waamee, hafuurota xuraa'ota akka baasaniif, dhukkubaa fi dhibee hundumaas akka … Afaan Oromoo BCV GIZ ወጸውዖሙ ለዐሠርቱ ወክልኤቱ አርዳኢሁ ወወሀቦሙ ሥልጣነ ዲበ መናፍስት ርኩሳን ከመ ያውፅእዎሙ ወይፈውሱ ኵሎ ድዉያነ ወሕሙማነ። giz GAZGAZ Yesus bartoota isaa kudha lamaan ofitti waamee, hafuurota xuraa'ota akka baasaniif, dhukkubaa fi dhibee hundumaas akka … Afaan Oromoo AMHNIV ኢየሱስ ዐሥራ ሁለቱን ደቀ መዛሙርት ወደ እርሱ ጠርቶ ርኵሳን መናፍስትን እንዲያወጡ፣ ደዌንና ሕማምን ሁሉ እንዲፈውሱ ሥልጣንን ሰጣቸው። አማርኛ SWAHSUV Akawaita wanafunzi wake kumi na wawili, akawapa amri juu ya pepo wachafu, wawatoe, na kupoza magonjwa yote na udhaifu w… Kiswahili