ወንጌል ሉቃስ 3

BCV aksumትግርኛ38 ፍቕድታት5:38 ስማዕ
ስማዕ 5:38 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥(ሀ) ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥

2ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ።

3ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።

4እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤

5ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤

6ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ።

7ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም?

8እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።

9እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር(ለ) ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።

10እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።

11ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።

12ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።

13ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።

14ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።

15እቶም ህዝቢ ኣብ ትፅቢት ነበሩሞ፥ ኵሎም ንዮሃንስ “እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?” እናበሉ ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።

16ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።

17ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።

18ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ።

19እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ(ሐ) ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥

20ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ(ሐ) ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።

21ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ።

22መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።

23ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤

24ወዲ ኤሊ፥ ወዲ ማቲ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥

25ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥ ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥

26ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ሴሜይ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥

27ወዲ ዮናን፥ ወዲ ሬስ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥

28ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ሓዲ፥ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም፥ ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥

29ወዲ ዮሴዕ፥ ወዲ ኤልኣዘር፥ ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥

30ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥

31ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ማይናን፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥

32ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥

33ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥

34ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥

35ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ኤቤር፥ ወዲ ሳላ፥

36ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥

37ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥

38ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥ ወዲ እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

3:1-14 ዕላማን ሓሳብን ኣገልግሎት ዮሃንስ ነቶም ህዝቢ ካብ ሓጢኣቶም ናብ መድሓኒኦም ምምጻእ ነበረ። ንሱ ኑፋቄ ወይ ጉጅለ ዘይኮነስ፡ ሓደ ኣገባብ ህይወት እዩ ሰበኸ። እቲ ምልክት ወይ ስነ-ስርዓት ድማ ብማይ ምሕጻብ ነበረ። ዮሃንስ በቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ቃላት ንምሕረት ሓጢኣት ንስሓ ምውሳድ ከም ዘድሊ ሰበኸ፡ እቲ ናይ ማይ ጥምቀት ከኣ ናይቲ ናይ ልቢ ንጽህናን ሓዳስ ምግባርን ደጋዊ ምልክት ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ ናይ ሓቀኛ ንስሓ ምልክት ወይ ፍረታት እዩ፡ ከምኡ'ውን ናይቲ ንስሓ ምእማን። እዚ ድማ ብኣገልግሎት ዮሃንስ፡ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኢሳ 40:3፡ ፍጻሜ እዩ። ኣብ ልቢ ንወንጌል መገዲ ክኸውን እንከሎ፡ ንሓያል ሓሳባት ምውራድን ንክርስቶስ ምእዛዝ ብምግባርን፡ ንነፍሲ ምድማዕን፡ ኣብ መገዲ ክርስቶስን ጸጋኡን ዜዕንቅፉና ኩሎም ነገራት ምውጋድን ክኸውን እንከሎ፡ ሽዑ ንምድሓን ኣምላኽ ንምቕባል ምድላው ይኸውን። ኣብዚ ዮሃንስ ዝሃቦም ዝተፈላለዩ መጠንቀቕታታትን ምዕዶታትን ኣለዉ። እቲ ገበነኛን ዝበላሸወን ወለዶ ሰብ፡ ወለዶ ኣፍራሰስ ኮይኑ ኣሎ። ንኣምላኽ ጽሉእ፡ ንሓድሕዱ ድማ ዚጸላላእ። ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ ቊጥዓ ንምምልማል፡ ብንስሓ እንተዘይኮይኑ ካልእ መገዲ የልቦን። ብለውጢ መገድና ድማ ለውጢ ኣእምሮና ክንርኢ ኣሎና። ኣብ ልብናን ህይወትናን ብሓቂ ቅዱሳት እንተዘይኮንና፡ እምነትናን ምስ ኣምላኽን ማሕበሩን ዘሎና ምትእስሳርን ብፍጹም ኣየገልግለናን እዩ። ንስሓ ዚግብኦ ፍረታት እንተ ዘየምጻእና፡ ጥፍኣትና ዝኸፍአ ኪኸውን እዩ። ዮሃንስ መጥምቕ ንብዙሓት ዓይነት ሰባት መምርሒ ሃበ። ንስሓኦም ዚእመኑን ዚምብሉን፡ በተግባር ህይወቶም፡ ብመሰረት ቦታኦምን ኵነታቶምን ከርእይዎ ኣለዎም። ወንጌል ምሕረት እምበር መስዋእቲ ኣይደልን። ዕላማኡ ኸኣ ክንገብሮ እንኽእል ኵሉ ሰናይ ምግባርን፡ ንኵሎም ሰባት ቅኑዓት ክንከውን ምግፋሕናን እዩ። እቲ ንሰብ ንዘይርትዓዊ ረብሓ ንምሕዳግ ዚመርሕ መርገጺ፡ ብግጉይ ዝረኸቦ ኸኣ ንኽምልስ ይመርሖ። ዮሃንስ ንወተሃደራት ግቡኦም ነገሮም። ሰባት ካብ ፈተናታት ሞያኦም ክጠንቀቑ ይግባእ። እዘን መልስታት እዚኤን፡ ንቶም ዝሓተቱ ሰባት ዘሎዎም ግቡእ ከምኡ'ውን ኣብቲ ጊዜ ንሓቀኛነቶም መርኣዪ ኮና። ብዘይ ሓቀኛ ንስሓ፡ ሓደ እኳ ምድሓን ክርስቶስ ክቕበል ስለ ዘይክእል ወይ ዘይደሊ፡ ምልክታትን ፍረታትን ናይዚ ንስሓ እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ኣሎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ጢባርዮስ ቄሣርም በነገሠ በአሥራ አምስተኛይቱ ዓመት፥ ጴንጤናዊው ጲላጦስም በይሁዳ ሲገዛ፥ ሄሮድስም በገሊላ የአራተኛው ክፍል ገዥ፥ ወንድሙ ፊልጶስም በኢጡርያስ በጥራኮኒዶስም አገር የአራተኛ… አማርኛ ENGNIV In the fifteenth year of the reign of Tiberius Caesar–when Pontius Pilate was governor of Judea, Herod tetrarch of Gali… English BCV ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥(ሀ) ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥… ትግርኛ GAZBIB Xiberiyos mootichi mo'ee waggaa kudha shanaffaatti, Phonxos Philaaxos biyya Yihudaa bulche; Herodis immoo biyya Galiila… Afaan Oromoo BCV GIZ ወአመ ዐሠርቱ ወኀምስቱ ዓመተ መንግሥቱ ለጢባርዮስ ቄሳር እንዘ ጲላጦስ ጰንጤናዊ መልአከ ይሁዳ ወሄሮድስ ንጉሥ ላዕለ ገሊላ ወፊልጶስ እኁሁ መልአከ ኢጡርያስ ወለብሔረ ጥራኮኒዶስ ወሊሳንዩስ … giz GAZGAZ Xiberiyos mootichi mo'ee waggaa kudha shanaffaatti, Phonxos Philaaxos biyya Yihudaa bulche; Herodis immoo biyya Galiila… Afaan Oromoo AMHNIV ጢባርዮስ ቄሣር በነገሠ በዐሥራ አምስተኛው ዓመት፣ ይኸውም ጳንጥዮስ ጲላጦስ የይሁዳ ገዥ፣ ሄሮድስ የገሊላ አራተኛው ክፍል ገዥ፣ ወንድሙ ፊልጶስ የኢጡርያስና የጥራኮኒዶስ የአራተኛው ክፍል ገ… አማርኛ SWAHSUV Mwaka wa kumi na tano wa kutawala kwake Kaisari Tiberio, Pontio Pilato alipokuwa liwali wa Uyahudi, na Herode mfalme wa… Kiswahili