1ጢባርዮስ ቄሳር ካብ ዝነግስ፥ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት፥ ጲላጦስ ጴንጤናዊ ኣብ ይሁዳ ኽገዝእ እንተሎ፥ ሄሮድስ ኣብ ገሊላ፥(ሀ) ፊልጶስ ሓዉ ኣብ ኢጡርያስን ኣብ ሃገር ጥራኮኒዶስን፥ ሊሳንዮስ ድማ ኣብ ሰቢላኒስ ገዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ፥
2ሃናን ቀያፋን ከዓ ሊቃነ ካህናት ኣብ ዝነበሩሉ፥ ቃል እግዚኣብሄር፥ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ ምድረ በዳ መፀ።
3ንሱ ድማ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን፥ ናይ ንስሃ ጥምቀት እናሰበኸ፥ ኣብ ኵሉ ኸባቢ ዮርዳኖስ ዞረ።
4እዙይ ከዓ ኸምቲ ኣብ መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ፦ “ናይ ሓደ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ኣመዓራርዩ፤ መንገድታቱውን ኣቕንዑ፤
5ኵሉ ጕድጓድ ይምላእ፤ ኵሉ እምባን ኰረብታን ትሕት ይበል፤ ኵሉ ጥውይዋይ ዝኾነ ይቕናዕ፤ ድንጉር ይተኻኸል፤
6ኵሉ ስጋ ዝለበሰውን ምድሓን እግዚኣብሄር ይርአ፤” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ።
7ዮሃንስ ነቶም ክጥመቑ ናብኡ ዝመፁ ሰባት “ኣቱም ውሉድ ኣትማን፥ ካብቲ ዝመፅእ ቍጥዓ ኽተምልጡኸ፥ መን ሓበረኩም?
8እምበኣርከስ ንንስሃ ዝበቅዕ ፍረ ኣፍርዩ እምበር፥ ብልብኹም ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣለና’ ብምባል ኣይትዘሃሩ፤ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን እዚኣተን፥ ውሉድ ከተስአሉ ኸም ዝኽእል እነግረኩም ኣለኹ።
9እንሆ ማሕፀ ኣብ ሱር(ለ) ኣእዋም ተቐሪቡ ኣሎሞ፥ ኵሉ ፅቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ኦም ክቝረፅ እዩ፤ ናብ ሓዊውን ክድርበ እዩ” ይብሎም ነበረ።
10እቶም ህዝቢ ድማ “እንታይ ደኣ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
11ንሱ ኸዓ “ክልተ ኽዳን ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይሃቦ፤ ምግቢ ዘለዎውን ከምኡ ይግበር” ኢሉ መለሰሎም።
12ተቐበልቲ ቐረፅ ድማ ኽጥመቑ መፂኦም “ኦ መምህር፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ።
13ንሱ ድማ “ካብቲ ዝተኣዘዘልኩም ሕልፊ ኣይትውሰዱ” በሎም።
14ወታደራት ድማ “ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ኢሎም ጠየቕዎ። ንሱ ኸዓ “ንሓደኳ ኣይትግፍዑ፤ ብሓሰትውን ኣይትኽሰሱ፤ ደመወዝኩም ይእኸልኩም” በሎም።
15እቶም ህዝቢ ኣብ ትፅቢት ነበሩሞ፥ ኵሎም ንዮሃንስ “እዙይ እቲ ክርስቶስ ደኾን ይኸውን?” እናበሉ ብልቦም ይሓስቡ ነበሩ።
16ዮሃንስ ከዓ “ኣነ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘለኹ፤ እቲ ኻባይ ዝብርትዕን፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕን ግና፥ ይመፅእ ኣሎ፤ ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን፥ ከጥምቐኩም እዩ።
17ንሱ ዓውዱ ዘፅርየሉ፥ እኽሉ ናብ ቆፎኡ ዝኸተሉ መስአ፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣሎ። ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸቃፅሎ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።
18ካልእውን ብዙሕ ነገር፥ ነቶም ህዝቢ ይምህሮምን የብስሮምን ነበረ።
19እንተ ኾነ ዮሃንስ፥ ንንጉስ ሄሮድስ(ሐ) ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ሄሮድስ ዝገበሮ ኽፉእ ነገርን ይግስፆ ስለ ዝነበረ፥
20ሄሮድስ ኣብ ልዕሊ እዝ ዅሉ እዙይ ወሲኹ(ሐ) ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓፀዎ።
21ኵሉ እቲ ህዝቢ ምስ ተጠመቐ፥ ኢየሱስውን ተጠመቐ፤ ክፅሊ እንተሎ፥ ሰማይ ተኸፍተ።
22መንፈስ ቅዱስውን፥ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፤ “ብኣኻ ዝተሓጐስኩ፥ ዝፈትወካ ወደይ ንስኻ ኢኻ” ዝብል ድምፂ ድማ ካብ ሰማይ መፀ።
23ሽዑ ኢየሱስ፥ ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍውን ይመስሎም ነበረ፤
24ወዲ ኤሊ፥ ወዲ ማቲ፥ ወዲ ሌዊ፥ ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ዮና፥ ወዲ ዮሴፍ፥
25ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ኣሞፅ፥ ወዲ ናሆም፥ ወዲ ኤሲሊ፥ ወዲ ናጌ፥
26ወዲ ማኣት፥ ወዲ ማታትዩ፥ ወዲ ሴሜይ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮዳ፥
27ወዲ ዮናን፥ ወዲ ሬስ፥ ወዲ ዘሩባቤል፥ ወዲ ሰላትያል፥ ወዲ ኔሪ፥
28ወዲ ሜልኪ፥ ወዲ ሓዲ፥ ወዲ ዮሳ ወዲ ቆሳም፥ ወዲ ኤልሞዳም፥ ወዲ ኤር፥
29ወዲ ዮሴዕ፥ ወዲ ኤልኣዘር፥ ወዲ ዮራም፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ሌዊ፥
30ወዲ ስምኦን፥ ወዲ ይሁዳ፥ ወዲ ዮሴፍ፥ ወዲ ዮናን ወዲ ኤልያቄም፥
31ወዲ ሜልያ፥ ወዲ ማይናን፥ ወዲ ማጣት፥ ወዲ ናታን፥ ወዲ ዳዊት፥
32ወዲ እሴይ፥ ወዲ ኢዮቤድ፥ ወዲ ቦኤዝ፥ ወዲ ሰልሞን፥ ወዲ ነኣሶን፥
33ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥
34ወዲ ያእቆብ፥ ወዲ ይስሓቅ፥ ወዲ ኣብርሃም፥ ወዲ ታራ፥ ወዲ ናኮር፥
35ወዲ ሴሮሕ፥ ወዲ ራግው፥ ወዲ ፋሌቅ፥ ወዲ ኤቤር፥ ወዲ ሳላ፥
36ወዲ ቃይንም፥ ወዲ ኣርፋክስድ፥ ወዲ ሴም፥ ወዲ ኖህ፥ ወዲ ላሜህ፥
37ወዲ ማቱሳላ፥ ወዲ ሄኖክ፥ ወዲ ያሬድ፥ ወዲ መላልኤል፥ ወዲ ቃይናን፥
38ወዲ ሄኖስ፥ ወዲ ሴት፥ ወዲ ኣዳም፥ ወዲ እግዚኣብሄር።