ትንቢት ኤርምያስ 5

BCV aksumትግርኛ31 ፍቕድታት5:45 ስማዕ
ስማዕ 5:45 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ።

2“ህያው እግዚኣብሄር” ኢሎም እኳ እንተ መሓሉ፥ ማሕላኣቶም ሓሰት እዩ።

3ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣዒንትኻዶ፥ ሓቂ ኣይኮናን ዝደልያ? ወቓዕኻዮም ግና ኣየሕመሞምን። ደቘስካዮም ግና ኣይተቐፅዑን፤ ገፆም ከም ኰዅሒ ኣትረሩ፤ ብንስሃ ምምላስውን ኣበዩ።

4ኣነ ኸዓ “እዚኣቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን ሕግጋት እግዚኣብሄርን ስለ ዘይፈለጡ፥ ብርግፅ ድኻታትን ሰነፋትን እዮም።

5ስለዙይ ናብቶም ዓበይቲ ደኣ ክኸይድ፥ ንሳቶም መንገዲ እግዚኣብሄርን፥ ሕጊ ኣምላኾምን ዝፈልጡ እዮም እሞ፥ ክነግሮም” በልኩ። ግና እዚኣቶምውን ሓቢሮም ኣርዑት ሰበሩ፥ መእሰሪውን በተኹ።

6በደሎም መጠን የብሉን፤ ጥልመቶም ከዓ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፤ ስለዙይ ኣንበሳ ካብ ዱር ወፂኡ ይሰብሮም፤ ተዅላ በረኻ ድማ የጥፍኦም፤ ነብሪ ኣብ ከተማታቶም የድቢ፤ ውፅእ ንዝበለውን ይምንጥሎ።

7“ከመይ ኢለ ይቕረ ኽብለልኪ? ደቅኺ ጠለሙኒ፤ ኣማልኽቲ ብዘይኮኑ ኸዓ ይምሕሉ ኣለዉ፤ ኣፅገብክዎም፤ ንሳቶም ድማ ዘመዉ፤ ኣብ ቤት ኣመንዝራውን ተኣኻኸቡ።

8ከምቶም ብኽንክን ዝተቐለቡ፥ ውዑያት ኣፍራስ ከዓ ኾኑ፤ ነፍሲ ወከፎም ደድሕሪ ሰበይቲ ብፃዩ ይንህር።

9ብሓቂ በዝ ነገር እዙይዶ ኽቐፅዖም ኣይግብአንን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዘመሰለ ህዝብኸ፥ ሕነ ኽፈድዮዶ ኣይግብአንን እዩ?”

10“ናብ ቅፅራ ደይብኩም ኣፍርሱ፤ ግና ፈፂምኩም ኣይተጥፍእዎ፤ እቲ ጨናፍራ ናይ እግዚኣብሄር ኣይኮነን እሞ ኣርሕቕዎ።

11ቤት እስራኤልን ቤት ይሁዳን፥ ፈፂሞም ጠሊሞምኒ እዮም እሞ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

12ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ኢሎም ሓሰት ተናገሩ፦ “እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ዝገበሮ የለን፤ ክፉእ ኣይወርደናን እዩ፤ ውግእን ጥሜትን ኣይንርእን ኢና።

13እቶም ነቢያት ከም ንፋስ ክኾኑ እዮም፤ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልዎ ቓልውን የብሎምን። እቲ ዝብልዎ ናብ ርእሶም ይውረድ” በሉ።

14ስለዙይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት “እዝ ቓል እዙይ ስለ ዝተዛረቡ፥ እንሆ፥ ንቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኸም ሓዊ ኽገብሮ እየ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ድማ ኸም ዕንፀይቲ ኽገብሮ እየ እሞ፥ እቲ ሓዊ ኽበልዖም እዩ” ይብል ኣሎ።

15ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “እንሆ ህዝቢ ኻብ ርሑቕ ከምፅአልኩም እየ፤ ንሳቶም ሓያላትን ጥንታውያንን ህዝቢ እዮም፤ ቋንቋኣቶም ዘይትፈልጥዎ፥ ዘረባኣቶም ድማ ዘይተስተውዕልዎ ህዝቢ እዮም።

16መሕደሪ ፍላፃታቶም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ኵላቶም ከዓ ጀጋኑ እዮም።

17ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”

18እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ግና በተን መዓልቲታት እቲኣተን እውን፥ ፈፂመ ኣየጥፍአኩምን እየ።

19‘እግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ምንታይ እዩ እዝ ዅሉ ዝገበረና?’ ኢሎም እንተ ጠየቑ፥ ንስኻ ‘ከምቲ ንስኻትኩም ንኣይ ዝሓደግኩምኒ እሞ፥ ኣብ ሃገርኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ዝተገዛእኹም፥ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይሃገርኩም፥ ንጓኖት ክትግዝኡ ኢኹም’ ኢልካ መልሰሎም።”

20እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ነዙይ ኣብ ያእቆብ ኣውርዩ፤ ኣብ ይሁዳ ኸዓ ንገሩ፤ ከምዙይውን በሉ።

21ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።

22ንኣይ ክትፈርሑኒዶ ኣይግብአኩምን? ይብል እግዚኣብሄር፤ ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድመይ ዘይትድንግፁ፥ ብሑፃ ገይረ ብናይ ዘለኣለም ትእዛዝ ንኸይሓልፍ ንባሕሪ ደረት ገበርኩሉ፤ ማዕበሉ እኳ እንተ በርትዐ ኣይሓልፎን፤ እንተ ሃመመውን ከቶ ኣይሳገሮን።

23እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ግና፥ እምቢተኛን ከዳዕን ልቢ ኣለዎም፤ ንድሕሪት ተመሊሶም ዕዝር በሉ።

24ብልቦም ከዓ፥ በብጊዜኡ ዝናም ፅድያን ቀውዕን ንዝህበና፥ ምዱባት ሰሙናት ቀውዒውን ዝሰርዐልና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ንፍርሓዮ ኣይበሉን።

25በደልኩም ነዙይ ኣትረፈልኩም፤ ሓጢኣትኩምውን ሰናይ ነገር ከይትቕበሉ ኣኽለአኩም።

26“ኣብ መንጎ ህዝበይ ክፉኣት ሰባት ኣለዉ፤ ከምቶም ኣዕዋፍ ክሕዙ መፈንጠር ኣፃዊዶም ዘድብዩ፥ መፈንጠር ዘርጊሖም ሰብ ይሕዙ ኣለዉ።

27ከምቲ እንዳ ዒፍ በዕዋፍ ዝመልእ፥ ከምኡ ድማ ቤቶም ብጥበራ ዝተመልአ እዩ። ስለዙይ ዓበይትን ሃብታማትን ኮኑ፤

28ረጐዱ፤ ሰብሑ። ንኽፍኣቶም ወሰን የብሉን፤ ንደኽታም ፍትሒ ኣየውፅኡሉን፤ ንድኻውን መሰሉ ኣይብይኑሉን።

29“በዝ ነገር እዙይዶ ኣነ ኣይቐፅዖምን እየ? ይብል እግዚኣብሄር፤ ነዝ ከምዙይ ዝበለ ህዝብዶ ኽብቀሎ ኣይግብአንን እዩ?

30ኣብታ ሃገር እቲኣ ጉድን ዘስካሕክሕን እዩ ዝግበር ዘሎ።

31ነቢያት ብሓሰት ይንበዩ፤ ካህናት ከዓ ብትእዛዝ ነቢያት ይግዝኡ ኣለዉ፤ ህዝበይውን ፈትዩ ተቐቢልዎ ኣሎ፤ ኣብ መወዳእታኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?”

ትርጓሜ

5:1-9 ቅኑዓትን ንኣምላኽ ዝፈርሑን ሰባት ኮይኖም ዝነብሩ ሓደ እኳ ኣይተረኽበን። ግናኸ እግዚኣብሔር ብምሉእ ምሽጥዎም ኣቢሉ ነቲ ሓቀኛ ባህሪ እቲ ህዝቢ ረኣዮ። እቶም ድኻታት ኣብ ድንቁርና ዝነበሩ ነበሩ፣ ስለዚ ድማ ክፉኣት ነበሩ። ካብቶም ንኣምላኽን ንሃይማኖትን ሓንቲ እኳ ዘይፈልጡ ሰባትስ፡ ካብ ግብሪ ጸልማት ሓሊፉ እንታይ ክትጽበ እዩ ዝከኣል? ምንም እኳ ድኻታት እንተኾኑ፡ ንመገዲ እግዚኣብሔር ዝፈልጡ፡ ኣብኣ ዝመላለሱ፡ ግቡኦም ድማ ዝፍጽሙ ናይ ኣምላኽ ድኻታት ኣለዉ። እዞም ድኻታት እዚኦም ግና ብፍቓዶም ዝደነቑ ነበሩ፣ ድንቁርናኦም ድማ መመኽነይታኦም ኣይኮነን። እቶም ሃብታማት ዕቡያትን ትዕቢተኛታትን ነበሩ። ንጸጋ ኣምላኽ ብዘይግባእ ምጥቃሞም ድማ ንሓጢኣቶም ኣኸፍኦ።

5:10-18 ብዙሓት ሰባት ኣምላኽ ከምቲ ቃሉ ዝብሎ ብዙሕ ጽኑዕ ከምዘይኸውን ብምእማኖም ጠፊኦም። በዚ ተንኮል እዚ ሰይጣን ንደቂ ሰብ ኣጥፊእዎም። ሓጥኣን ካብ ሓጢኣቶም ዚፈሎም ወይ ከኣ ኣብ ሓጢኣቶም ከነኣዊ ዚገብሮም ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኺእመኑ ኣይደልዩን እዮም። ንልኡኻት እግዚኣብሄር ብምብድላልን ብምግናይንሲ ንመጠን እከዮም መሊእዎ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG በኢየሩሳሌም መንገድ እየተመላለሳችሁ ሩጡ፥ ተመልከቱም፥ እወቁም፥ በአደባባይዋም ፈልጉ፤ ፍርድን የሚያደርገውን እውነትንም የሚሻውን ሰው ታገኙ እንደሆነ ይቅር እላታለሁ። አማርኛ ENGNIV “Go up and down the streets of Jerusalem, look around and consider, search through her squares. If you can find but one… English BCV ኣብ መንገድታት ኢየሩሳሌም ዙሩሞ፥ ረአዩን ተመልከቱን፤ ኣብ ዕዳጋታታ ኸዓ ድለዩ፤ ሓደ፥ እወ ሓደ እኳ ፍትሒ ዝገብር፥ ሓቂ ኸዓ ዝደሊ እንተ ረኸብኩም፥ ኣነውን ክምሕራ እየ። ትግርኛ GAZBIB Karaa mandara Yerusaalem irra asii fi achi adeemaatii hubadhaatii ilaalaa! Karaa ishee isa guddaa irras adeemaatii barb… Afaan Oromoo BCV GIZ ሩጹ ውስተ ፍናዊሃ ለኢየሩሳሌም ወርእዩ ወአእምሩ፡ ወኀሡ ውስት መርኅባ እመቦ ዘይገብር ፍትሐ ወየኃሥሥ ጽድቀ። giz GAZGAZ Karaa mandara Yerusaalem irra asii fi achi adeemaatii hubadhaatii ilaalaa! Karaa ishee isa guddaa irras adeemaatii barb… Afaan Oromoo AMHNIV “በኢየሩሳሌም መንገዶች እስቲ ውጡ፤ ወደ ላይ ወደታችም ውረዱ፤ ዙሪያውን ተመልከቱ ቃኙ፤ በአደባባይዋም ፈልጉ፤ እውነትን የሚሻና በቅንነት የሚሄድ፣ አንድ ሰው እንኳ ብታገኙ፣ እኔ ይህቺን ከ… አማርኛ SWAHSUV Pigeni mbio huku na huku katika njia za Yerusalemu, mkaone sasa, na kujua, na kutafuta katika viwanja vyake, kwamba mwa… Kiswahili