ትንቢት ኤርምያስ 40

BCVትግርኛ16 ፍቕድታት4:15 ስማዕ
ስማዕ 4:15 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እዙይ እዩ።

2እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ንኤርሚያስ ወሰዶ፤ ከምዙይውን በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ኽፉእ ነገር እዙይ ኣብዝ ስፍራ ተናገረ።

3እንሆ ድማ ኣምፅኦ፤ ሕዚ እውን ከምቲ ዝተዛረቦ ገበረ፤ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደልኩምን፥ ቃሉውን ስለ ዘይሰማዕኹምን፥ እዝ ነገር እዙይ በፅሐኩም።

4ሕዚ ኸዓ እንሆ፥ ሎሚ ነቲ ኣብ ኣእዳውካ ዘሎ ሰንሰለት ፈታሕኹ። ናብ ባቢሎን ምሳይ ክትከይድ ድሌትካ እንተ ኾይኑ ነዓናይ፥ ኣነውን ብፅቡቕ ዓይኒ ኽሪአካ እየ። ምሳይ ናብ ባቢሎን ክትከይድ እንተ ዘይደሊኻ ግና፥ ተቐመጥ፤ እንሆ፥ ኵላ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ናብቲ ኽትከዶ ፅቡቕን ቅኑዕን ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ።

5ኤርሚያስ ገና መልሲ እንተይሃበ ናቡዘረዳን ቀፂሉ፦ “ናብቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ልዕሊ ኸተማታት ይሁዳ ዝሸሞ ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ተመለስ፤ ምስኡውን ኣብ ማእኸል ህዝቢ ተቐመጥ፤ ወይ ከዓ ናብቲ ቕኑዕ ኮይኑ ዝተርኣየካ ኺድ” በሎ። እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከዓ ስንቅን ውህብቶን ሂቡ ኣፋነዎ።

6ሽዑ ኤርሚያስ ናብ ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ናብ ምፅጳ ኸደ እሞ፥ ምስኡ ኣብ ማእኸል እቶም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ተቐመጠ።

7ኵሎም እቶም ኣብ ሃገረ ሰብ ዝነበሩ፥ ኢዶም ዘይሃቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ኵሎም ሰቦም፥ ንጉስ ባቢሎን ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ከም ዝሸሞ እሞ፥ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን፥ ነቶም ናብ ባቢሎን እንተይተማረኹ ተሪፎም ዝነበሩ ድኻታት እታ ሃገርን፥ ከም ዘማዕቘቦም ምስ ሰምዑ፥

8እስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ዮሃናንን ዮናታንን ደቂ ቃሬያ፥ ሰራያ ወዲ ተንሁሜት፥ ደቂ ዮፌ እቲ ነጦፋዊ፥ ያእዛንያ ወዲ ማእካታዊ ምስ ኵሎም ሰቦም ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ።

9ጎዶልያስ፥ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን፥ ንኣኣቶምን ንሰቦምን ከምዙይ ኢሉ መሓለሎም “ንባቢሎናውያን እንተይፈራሕኹም ተገዝእዎም። ንንጉስ ባቢሎን ተገዝኡ፤ ኣብዛ ሃገር ከዓ ተቐመጡ እሞ ሰናይ ክኾነልኩም እዩ።

10እንሆ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቶም ናባና ዝመፁ ባቢሎናውያን፥ ክቖመልኩም ኣብ ምፅጳ ኽቕመጥ እየ፤ ንስኻትኩም ግና ዘለላ ወይንን ዘይቲ ኣውሊዕን ፍረ ሓጋይን ኣክቡ፤ ኣብ ማዕኸናትኩም ከዓ ኣንብሩ እሞ፥ ኣብተን ዝሓዝኩምወን ከተማታትኩም ተቐመጡ” ድማ በሎም።

11ኵሎም እቶም ኣብ ሞኣብን ኣብ ማእኸል ደቂ ኣሞንን ኣብ ኤዶምያስን ኣብ ኵሉ ሃገራትን ዝነበሩ ኣይሁድ ከዓ፥ እቲ ንጉስ ባቢሎን ኣብ ይሁዳ ተረፍ ከም ዝሓደገ፥ ንጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ወዲ ሳፋን ድማ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ኸም ዝሸመሎም ምስ ሰምዑ፥

12ሽዑ ዅሎም ኣይሁድ ከካብቲ ዝተሰደዱሉ ተሰጒጎምዎ ዝነበሩ ዅሉ ቦታ ተመለሱ እሞ፥ ናብ ሃገር ይሁዳ ጎዶልያስ ናብ ዘለዎ ናብ ምፅጳ መፁ፤ የመና ብዙሕ ፍረ ሓጋይ ድማ ኣከቡ።

13ዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ኵሎም እቶም ኣብ ሜዳ ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ናብ ጎዶልያስ ናብ ምፅጳ መፁ እሞ፥

14“በዓሊስ ንጉስ ደቂ ኣሞን ንእስማኤል ወዲ ናታንያ፥ ክቐትለካ ኢሉ ኸም ዝሰደዶ ትፈልጥ ዲኻ?” በልዎ። ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ኣይኣመኖምን።

15ዮሃናን ወዲ ቃሬያ ንጎዶልያስ ኣብ ምፅጳ “እቶም ኣባኻ ዝተኣከቡ ኣይሁድ ፋሕ ክብሉ፥ እቶም ተረፍ ይሁዳ ድማ ኽጠፍኡስ፥ ስለ ምንታይ እስማኤል ወዲ ናታንያ ንኣኻ ዝቐትለካ? ሓደ እኳ እንተይፈለጠ ኸይደ ኽቐትሎ ፍቐደለይ” ኢሉ ብሕቡእ ተዛረቦ።

16ጎዶልያስ ወዲ ኣኪቃም ግና ንዮሃናን ወዲ ቃሬያ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስማኤል ትሕሱ ኢኻ ዘለኻ እሞ፥ እዝ ነገር እዙይ ኣይትግበር” በሎ።

ትርጓሜ

40:1-6 እቲ ሓለቓ ሓለውቲ፡ ኤርምያስ ዝተነበዮ ንምፍጻም መሰርሒ ኣምላኽ ኮይኑ ስለ ዝተባዕተወ፡ ዝሕበን ዝነበረ ይመስል። ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ርእሶምን ሓጢኣቶምን ዘየቕልቡን ዕውራት ዝኾኑ ክነሶም፡ ፍትሕን ሓቅን ኣምላኽ ብዛዕባ ካልኦት ክርእዩ ይኽእሉ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ ይኹን ጸኒሑ፡ ኩሎም ሰባት ሓጢኣቶም ናይ ኩሉ መከራኦም ምኽንያት ምዃኑ ክግንዘቡ እዮም። ኤርምያስ ርእሱ ከም ዝደለዮ ንምግባር ፍቓድ ረኸበ፡ ግን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ባቢሎን ገዛኢ እታ ምድሪ ናብ ዝነበረ ገዳልያ ኪኸይድ ተመኺሩ። ኤርምያስ ኣብዚ ውሳነ እዚ ብቕንዕና ምግባሩ ዘጠራጥር እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ወደ ባቢሎን በተማረኩት በኢየሩሳሌምና በይሁዳ ምርኮኞች መካከል የዘበኞቹ አለቃ ናቡዘረዳን በሰንሰለት አስሮ በወሰደው ጊዜ ከራማ ከለቀቀው በኋላ ከእግዚአብሔር ዘንድ ወደ ኤርምያስ የመጣ ቃል… አማርኛ ENGNIV The word came to Jeremiah from the Lord after Nebuzaradan commander of the imperial guard had released him at Ramah. He… English GAZBIB Nebuzaraadaan abboomaan loltuu mootichaa Raamaadhaa ana Ermiyaasin erga hiiksisee booddee, dubbiin Waaqayyoo gara koo i… Afaan Oromoo BCV GIZ ቃል ዘኮነ እምኀበ እግዚአብሔር ኀበ ኤርምያስ ነቢይ፡ እምድኅረ ተፈነወ ናቡዛርዳን ሊቀ መበስላን እምራማ፡ ሶበ ነሥኦ እንዘ እሱር በማእሰር፡ ወማእከለ ፈላስያን ዘኢየሩሳሌም ወዘይሁዳ እለ ተ… giz GAZGAZ Nebuzaraadaan abboomaan loltuu mootichaa Raamaadhaa ana Ermiyaasin erga hiiksisee booddee, dubbiin Waaqayyoo gara koo i… Afaan Oromoo BCV aksum ኣዛዚ ሰራዊት ናቡዘረዳን ንኤርሚያስ ካብ ኢየሩሳሌምን ካብ ይሁዳን፥ ናብ ባቢሎን ናብ ዝተወሰዱ ማእኸል ኵሎም ምሩኻት፥ ብሰንሰለት ኣሲሩ ምስ ኣምፅኦ፥ ካብ ራማውን ፈቲሑ ምስ ሰደዶ፥ ካብ እ… ትግርኛ AMHNIV የክብር ዘበኞች አዛዥ ናቡዘረዳን ኤርምያስን ከኢየሩሳሌምና ከይሁዳ ወደ ባቢሎን በሚወስዱት ምርኮኞች ሁሉ መካከል በራማ በሰንሰለት ታስሮ ባገኘው ጊዜ አስፈታው፤ ከዚህ በኋላ የእግዚአብሔር ቃ… አማርኛ SWAHSUV Neno hili ndilo lililomjia Yeremia, kutoka kwa Bwana, baada ya wakati ule Nebuzaradani, amiri wa askari walinzi, alipom… Kiswahili