ትንቢት ኤርምያስ 15

BCVትግርኛ21 ፍቕድታት4:22 ስማዕ
ስማዕ 4:22 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።

2‘ናበይ ክንከይድ ኢና?’ እንተ በሉኻ፥ ‘ንሞት ዝተመደበ ናብ ሞት፥ ንሰይፊ ዝተመደበ ናብ ሰይፊ፥ ንጥሜት ዝተመደበ ናብ ጥሜት፥ ንምርኮ ዝተመደበ ናብ ምርኮ’ ክኸይድ እዩ ኢልካ ንገሮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።

3እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ኣርባዕተ ዓይነት ቅፅዓት ክሰደሎም እየ፤ ንሳቶምውን፥ ሰይፊ፥ ንምቕታሎምን፥ ኣኽላባት፥ ንምጕታቶምን ኣዕዋፍ ሰማይን ኣራዊት ምድርን ከዓ፥ ንምብላዖምን ንምጥፋኦምን እዮም።

4ብሰንኪ እቲ ዅሉ ምናሴ፥ ወዲ ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝገበሮ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም መንግስታት ምድሪ፥ ንመከራ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ።”

5“ኦ ኢየሩሳሌም፥ መን እዩ ዝርህርሀልኪ? መንከ እዩ ዝበኽየልኪ? ምእንቲ ድሕንነትኪ ኽጥይቕ፥ ናባኺ ዘግልስከ መን እዩ?

6ንኣይ ሓዲግክኒ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንድሕሪትውን ተመሊስኪ ኢኺ፤ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ኸልዕል እየ፤ ከጥፍአክውን እየ፤ ድሕሪ ደጊም ምሕረት ኣይገብረልክን።

7ኣብ ኣፍ ደገ እታ ሃገር፥ ብመስአ ኣዝሮኹዎም፤ ንህዝበይ ውሉድ ከሊአ ኣጥፋእኹዎም፤ ካብ መንገዶም ከዓ ኣይተመለሱን።

8መበለታቶም ካብ ሑፃ ባሕሪ በዝሓኒ፤ ኣብ ልዕሊ እኖ ኣጓብዝ፥ ብቐትሪ መጥፍኢ ኣምፃእኹ፤ ብድንገት ጓህን ራዕድን ኣውረድኩላ።

9እኖ ሸውዓተ ደኸመት፤ ነፍሳውን ተሃወኸት፤ ቀትሪ እናሃለወ ፀሓይ ዓሪባታ እያሞ፥ ንሳ ሓፈረት፥ ተዋረደትውን፤ ነቶም ዝተረፉውን፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶም ንሰይፊ ኸወፍዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

10ኣቲ ወላዲተይ፥ ንዅሉ ምድሪ ናይ ጐይቊን ክርክርን ክኸውን ወሊድክኒ ኢኺሞ ወይለይ! ንዝኾነ ኣየለቃሕኹን፥ ካብ ዝኾነውን ኣይተለቃሕኹን፤ ግና ዅሉ ሰብ ይረግመኒ ኣሎ።

11እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ ብሓቂ ንፅቡቕ ክሕልወካ እየ፤ ብጊዜ ጭንቅን መከራንውን ፀላእትኻ ኸም ዝልምኑኻ ኽገብር እየ።

12ብሓቂ ንሓፂን፥ ነቲ ኻብ ሰሜን ዝመፀ ሓፂንን፥ ንነሃስውን ዝሰብር ኣሎዶ?

13ብሰንኪ እቲ ብዅሉ ወሰናትካ መሊኡ ዘሎ ሓጢኣትካ ሃብትኻን መዛግብትኻን ብኸምኡ ንዘመተ ኽህቦ እየ።

14ካብ ቍጥዓይ ዝተልዓለ ኣብ ልዕሌኹም ሓዊ ኽትነድድ እያ፤ ምስ ፀላእትኻ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገር ከሕልፈካ እየ።

15ሽዑ ኣነ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ትፈልጥ፤ ዘክረንን ኣድሕነንን፤ ነቶም ዘሳጕጉኒውን ተበቀሎም፤ ኣይትተዓገሶም።

16ቃልካ ምስ ረኸብኩ በላዕኽዎ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ብስምካ ተሰምየ እየ እሞ፥ ቃልካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኮነኒ።

17ኣብ ባይቶ መላገፅቲ ኣይተቐመጥኩን፤ ባህውን ኣይበለንን። ብቝጥዓ መሊእኻኒ ኢኻሞ፥ ኣብ ቅድሚ ኢድካ በይነይ ተቐመጥኩ።

18ስለ ምንታይ ሕማመይ ፀንዐኒ? ስለ ምንታይከ ቝስለይ ዘይሓዊ ኾነ? ኸም መታለሊ ዓይኒ ማይ፥ ከምቲ ነፃፊ ማይዶ ኽትኮነኒ ኢኻ?” በልኩ።

19ስለዙይ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንተ ተመሊስካ፥ ክመልሰካ እየ፤ ኣብ ቅድመይውን ደው ክትብል ኢኻ። ነቲ ዝኸበረ ኻብቲ ሕሱር እንተ ፈሊኻዮ፥ ኣፍ ክትኮነኒ ኢኻ። ንሳቶም ናባኻ ይምለሱ እምበር፥ ንስኻ ናብኣቶም ኣይትምለስን።

20ነዝ ህዝቢ እዙይ ፅኑዕ ቅፅሪ ነሃስ ክገብረካ እየ። ንሳቶም ክዋግኡኻ እዮም፤ ግና ኣነ ምእንቲ ኸድሕነካን ከናግፈካን ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይስዕሩኻን እዮም።

21ካብ ኢድ ክፉኣት ከናግፈካ፥ ካብ ኢድ ሓያላት ከዓ ኽቢዘወካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

15:1-9 እግዚአብሔር ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ብከንቱ ምለመኑ ነይሮም ይብል። እዚ ከምዚ ዝበለ ምሳሌ ምቕራቡ፥ እንተዋላ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውሙ እንተ ዝነበሩ እኳ፥ ንሳቶም ከም ዘይገብሩን ቅዱሳን ኣብ ሰማይውን ንቅዱሳን ኣብ ምድሪ ከም ዘይጽልዩን የርኢ። ኣይሁድ ብጽድቂ ፍርዲ ኣምላኽ ናብ ዝተፈላለዩ ዓይነት መከራ ተወጊዞም ነይሮም፥ እቲ ዝተረፈ ድማ ከም ሓሰር ናብ ምርኮ ምሰሓቐ። ሽዑ እታ ብህዝቢ ዝመልአት ከተማ ባድመ ኮነት። ሕማቕ ኣብነታትን ብዘይግቡእ ዝተጠቕመ ስልጣንን፥ ሰባት ምስ ሞቱ እኳ ወይ ካብ ገበናቶም ንስሓ ምስ ኣተዉ እኳ፥ ብዙሕ ግዜ ሞታዊ ሳዕቤናት የስዕቡ፤ እዚ ድማ ንኹሉ ንኻልኦት ምኽንያት ሓጢኣት ምዃን ብርቱዕ ፍርሂ ከሕድር ይግባእ።

15:10-14 ኤርምያስ ብብዙሕ ንዕቀትን ነቀፌታን ተቐበለ፣ እዚ ድማ ኣብ ክንዲ ዝባርኽዎ እሞ ብእኡ ንኣምላኽ ዘመስግኑ እዩ ነይሩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG እግዚአብሔርም እንደዚህ አለኝ፦ ሙሴና ሳሙኤል በፊቴ ቢቆሙም፥ ልቤ ወደዚህ ሕዝብ አይዘነብልም፤ ከፊቴ ጣላቸው፤ ይውጡ። አማርኛ ENGNIV Then the Lord said to me: “Even if Moses and Samuel were to stand before me, my heart would not go out to this people. … English GAZBIB Ergasiis Waaqayyo anatti dubbatee,“Musee fi Saamu'el dhufanii yoo ana kadhataniif illee, ani saba kanaaf garaa hin laaf… Afaan Oromoo BCV GIZ ወይቤለኒ እግዚአብሔር፦ እመ ቆሙ ሙሴ ወሳሙኤል ቅደመ ገጽየ፡ ኢሀሎ ነፍስየ ኀቤሆሙ፤ ፈንዎሙ ዳእሙ ለዝ ሕዝብ ይሑሩ። giz GAZGAZ Ergasiis Waaqayyo anatti dubbatee,“Musee fi Saamu'el dhufanii yoo ana kadhataniif illee, ani saba kanaaf garaa hin laaf… Afaan Oromoo BCV aksum ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ። ትግርኛ AMHNIV እግዚአብሔርም እንዲህ አለኝ፤ “ሙሴና ሳሙኤል እንኳ በፊቴ ቢቆሙ፣ ልቤ ለዚህ ሕዝብ አይራራምና፤ ከፊቴ አስወጣቸው፤ ይሂዱ። አማርኛ SWAHSUV Ndipo Bwana akaniambia, Hata wangesimama mbele zangu Musa na Samweli, moyo wangu usingewaelekea watu hawa; watupe, wato… Kiswahili