ትንቢት ኤርምያስ 12

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:50 ስማዕ
ስማዕ 3:50 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ?

2ንስኻ ተኸልካዮም እሞ ሱር ሰደዱ፤ ዓበዩ ፍረውን ፈረዩ። ንስኻ ዅልሻዕ ኣብ ኣፎም ኣለኻ፤ ካብ ልቦም ግና ርሑቕ ኢኻ።

3ኦ እግዚኣብሄር ንኣይ ግና፥ ትፈልጠኒ፥ ትሪአኒ፥ ብዛዕባኻ ዘለኒ ሓሳብውን ንስኻ ትምርምር ኢኻ። ከም ዝሕረዱ ኣባጊዕ ኰብኵቦም፥ ንመዓልቲ ማሕረዲውን ፈሊኻ ኣዳልዎም።

4ምድሪ እትበኪ ኽሳዕ መኣዝ እያ? ሳዕሪ በረኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝነቅፅ? ንሳቶም ‘መወዳእታና ኣይፈልጥን’ ብምባሎም፥ ብሰንኪ ኽፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ህዝቢ፥ እንስሳን ኣዕዋፍን ይጠፍኡ ኣለዉ።”

5እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ኻብ ኣድከሙኻ፥ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ፥ ክትቀዳደም ኢኻ? ኣብ ሰላም ሃገር ካብ ተኣመንካ፥ ኣብ ትዕቢት ዮርዳኖስ ደኣ፥ እንታይ ክትገብር ኢኻ?

6እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”

7“ቤተይ ሓዲገ ኣለኹ፤ ርስተይውን ሓዲገ ኣለኹ፤ ነታ ዝፈትዋ ንኣኣ፥ ኣብ ኢድ ፀላእታ ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።

8ርስተይ ኣብ ዱር ከም ዘሎ ኣንበሳ ኾይናትኒ ኣላ፤ ኣብ ልዕለይ ድምፂ ተስምዕ ኣላ፤ ስለዙይውን ፀላእኽዋ።

9ርስተይዶ ከም ዝንጕርጕር ኣሞራታት ኮይናትኒ፥ ኣሞራታትከ ኣብ ዙርያኣን፥ ኣብ ልዕሊኣንዶ ኾይኖም እዮም? ኪዱ ንዅሎም ኣራዊት በረኻ ኣክቡዎም፤ ክበልዑውን ኣምፅእዎም።

10ብዙሓት ጓሶት ንተኽሊ ወይነይ ኣጥፍእዋ፤ ነታ ዕድሎት ርስተይውን ይረግፅዋ ኣለዉ፤ ንግደ ርስተይ ከም ዝፀወመ ምድረ በዳ ገበርዋ።

11ኣባደምዋ፤ ኵላ ባዲማስ ኣብ ቅድመይ ትሓዝን ኣላ፤ ብዛዕባኣ ብልቡ ዝግደስ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ ኸዓ፥ እታ ሃገር ብምልእታ ምድረ በዳ ኾነት።

12ኣብ ምድረ በዳ ናብ ዘለዉ፥ ዑና ዀረብታታት ዘረፍቲ ተዋፈሩ፤ ሰይፊ እግዚኣብሄር ካብ ሓደ ወሰን፥ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ምድሪ ይበልዕ ኣሎሞ፥ ንዅሉ ስጋ ዝለበሰ ሰላም የለን።

13ስርናይ ዘርኡ፤ እሾዅ ድማ ዓፀዱ፤ ብዙሕ ፀዓሩ፤ ጥቕሚ ግና ኣይረኸቡን፤ ካብ ፅኑዕ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ፥ ብኣዝመራኹም ክትሓፍሩ ኢኹም።”

14እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ንህዝበይ እስራኤል ዘውረስክዎም ርስቲ ንዝነኽኡ ዅሎም ክፉኣት ጐረባብቲ፥ ካብ ምድሮም ክነቕሎም እየ። ንቤት ይሁዳውን ካብ ማእኸሎም ክነቕሎ እየ።

15ምስ ነቐልኩዎም ግና፥ መሊሰ ኽምሕሮም እየ፤ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነናብ ርስቱን ነናብ ሃገሩን ክመልሶ እየ።

16ብበዓል ክምሕሉ ንህዝበይ ከም ዝመሃሩዎም ንሳቶም ድማ መንገዲ ህዝበይ ብትግሃት እንተ ተምሃሩ፥ ህያው እግዚኣብሄር ኢሎም ብስመይ እንተ መሓሉ፥ ሽዑ ኣብ ማእኸል ህዝበይ ክምስረቱ እዮም።

17እንተ ዘይሰምዑ ግና ኣነ ነቲ ህዝቢ እቱይ ፈፂመ ኽነቕሎ እየ፤ ከጥፍኦውን እየ” ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

12:1-6

ምምሕዳር ኣምላኽ ክንርድኦ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ክስመዓና ከሎ እኳ፣ ንሱ ንሓደ እኳ ካብ ፍጥራቱ ዝተሓተ በደል ከም ዘይገበረ ብምእማን ብዛዕባኡ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወና ኣለዎ። ንሱ ምሳና ወይ ምስ ካልኦት ዝገብሮ ምምሕዳር ክንርድኦ ኣጸጋሚ ክኾነና ከሎ፣ ንሓፈሻዊ ሓቅታት ከም ቀዳማይ መርሆታትና ገይርና ክንርእየን፣ ከምኡውን ኣብአን ክንጸንዕ ይግብኣና፡ እግዚኣብሔር ጻድቕ እዩ። እቲ ምስኡ ዘሎና ኣምላኽ ልብና ንእኡ ብኸመይ ከም ዘሎ ይፈልጥ እዩ። ንምጥባር ግብዝናን ንቕንዕና እቲ ቕኑዕን ይፈልጥ እዩ። መለኮታዊ ፍርዲ ንሓጢኣተኛታት ካብ መጓዕፎኦም ከም ኣባጊዕ ናብ መብጽዒ ከተርሕቆም እዩ። እዚ ፍርያም ምድሪ ስለ ክፍኣት እቶም ኣብኣ ዝነበሩ ናብ በረኻ ተለዊጡ። እግዚኣብሔር ነብዪ ወቐሰ። ተቓውሞ ሰባት ዓናቶት ከምቲ ካብ ገዛእቲ ይሁዳ ዝጽበዮ ዝነበረ ዘስግእ ኣይነበረን። ክንድዚ ዝበለ ክፍኣት ስለ ዘሎ ሓዘንና፣ በቲ ንሱ ዘምጸኦ ፈተናታት ምኽንያት ብዙሕ ግዜ ምስ ምጕርምራም ይሓዋወስ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አቤቱ፥ ከአንተ ጋር በተምዋገትሁ ጊዜ አንተ ጻድቅ ነህ፤ ነገር ግን ከአንተ ጋር ስለ ፍርድ ልናገር። የኃጢአተኞች መንገድ ስለምን ይቃናል? በደልንስ ለሚያደርጉ ሁሉ ስለምን ደኅንነት ይሆናል? አማርኛ ENGNIV You are always righteous, O Lord, when I bring a case before you. Yet I would speak with you about your justice: Why do… English BCV “ኦ እግዚኣብሄር፥ ምሳኻ ብዝማጐተሉ ጊዜ፥ ንስኻ ፃድቕ ኢኻ፤ ምስ ናይ እዙይውን፥ ስለ ፍርዲ ምሳኻ ኽናገር እደሊ ኣለኹ፥ መንገዲ ኸዳዓትስ ንምንታይ ይሳኻዕ? ትግርኛ GAZBIB Yaa Waaqayyo, ati qajeelaa dha; kanaafis falmata koo si duratti nan dhi'eeffadha; haa ta'u iyyuu malee, waa'ee firdiif … Afaan Oromoo BCV GIZ ጻድቅ አንተ እግዚኦ እስመ እትዋቀስ በኀቤከ፡ ወባሕቱ ፍትሐ እነግር፤ ለምንት ፍኖተ ኃጥአን ድሉት፡ ወተፈሥሑ ኵሎሙ ዓላውያን በማዕሌት? giz GAZGAZ Yaa Waaqayyo, ati qajeelaa dha; kanaafis falmata koo si duratti nan dhi'eeffadha; haa ta'u iyyuu malee, waa'ee firdiif … Afaan Oromoo AMHNIV እግዚአብሔር ሆይ፤ ጒዳዬን በፊትህ ሳቀርብ፣ አንተ ጻድቅ መሆንህን እያወቅሁ ነው። የክፉዎች መንገድ ለምን ይሰምራል? የከዳተኞችስ ኑሮ ለምን ይሳካል? አማርኛ SWAHSUV Wewe u mwenye haki, Ee Bwana, nitetapo nawe, lakini nitasema nawe katika habari ya haki. Mbona njia ya wabaya inasitawi… Kiswahili