ትንቢት ኢሳይያስ 6

BCV aksumትግርኛ13 ፍቕድታት2:55 ስማዕ
ስማዕ 2:55 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።

2ኣብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ። ነንሕድሕዶም ከዓ ሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፤ ብኽልተ ኽንፎም ገፆም ይሽፍኑ ነበሩ፤ ብኽልተ ኽንፎም ድማ ኣእጋሮም ይሽፍኑ፤ ብኽልተ ኽንፎምውን ይበሩ ነበሩ።

3ሓደ ንሓደ ኸዓ ብዓብዪ ድምፂ፥ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኵላ ምድሪ ኸዓ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ” ይብሉ ነበሩ።

4ካብቲ ዓው ኢሎም ዘስምዕዎ ድምፂ ዝተልዓለ፥ መሰረት እቲ ልዳውቲ ተናወፀ፤ ነቲ ቤትውን ትኪ መልኦ።

5ሽዑ ድማ “ከናፍረይ ዝረኸሰ ሰብ እየ፤ ኣብ ማእኸል እቲ ኸናፍሩ ዝረኸሰ ህዝቢ ኸዓ እነብር ኣለኹሞ፥ ንንጉስ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣዒንተይ ሪአናኦ እየን እሞ፥ ወይለይ ጠፋእኹ!” በልኩ።

6ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፥ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጕጤት ሒዙ፥ ናባይ እናበረረ መፀ።

7ብእኡ ኸዓ ኣፈይ ነኽአ እሞ “እንሆ፥ እዙይ ንኸናፍርካ ነኺእዎ እዩ፤ በደልካ ተወጊዱልካ፥ ሓጢኣትካውን ተሓዲጉልካ እዩ” በለኒ።

8ሽዑ ናይ እግዚኣብሄር ድምፂ “ንመን ክልእኽ? መንከ ክኸደልና እዩ?” እንትብል ሰማዕኹዎ። ኣነውን “እኒሀኹ ንኣይ ለኣኸኒ” በልኩ።

9ንሱ ድማ “ኪድ እሞ ነዝ ህዝቢ እዙይ ‘ምስማዕስ ክትሰምዑ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተውዕሉን፤ ምርኣይውን ክትሪኡ ኢኹም፤ ግና ኣይተስተብህሉን ኢኹም’ ኢልካ ንገሮም።”

10ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተ???ዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።

11ኣነ ኸዓ “ኦ ጐይታ! ክሳዕ መኣዝ እዩ?” በልኩዎ። ንሱ ድማ መሊሱ ኸምዙይ በለኒ፦ “ከተማታት ዝነብረለን ስኢነን ክሳዕ ዝፈርሳ፥ ኣባይቲውን ሰብ ዘይብለን ክሳዕ ዝኾና፥ እታ ሃገርውን በረኻ ኾይና ኽሳዕ እትባድም፥

12እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም ኣብ ማእኸል እታ ምድሪ እውን ፅምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሑ እዩ በለኒ።

13ዓስራይ ኣፍ ናይቲ ህዝቢ እኳ ኣብታ ምድሪ እንተ ተረፈ፥ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ከምቲ ዝተቘርፀ መሞናን ኣውሕን ጕንዱ ጥራሕ ዝተርፍ፥ ከምኡ ድማ እቲ ዝተርፍ ጕንዲ፥ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን እዩ።”

ትርጓሜ

6:1-8፡ ኣብዚ ምሳሌያዊ ራእይ እዚ፡ ቤተ-መቕደስ ክሳዕ ቅድስተ-ቅዱሳን ተኸፊቱ ይርአ። እቲ ነብዪ ካብ ቤተ-መቕደስ ወጻኢ ደው ኢሉ፡ መለኮታዊ ህልውና ኣብ መንበር ምሕረት፡ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኪዳን፡ ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ሴራፊምን ተቐሚጡ ረኣየ፡ መለኮታዊ ክብሪ ድማ ንዅሉ እቲ ቤተ-መቕደስ መላእዎ። ንኣምላኽ ኣብ ዝፋኑ ተዓዘብ። እዚ ራእይ እዚ፡ ብዮሃንስ 12:41 ከምዚ ተባሂሉ ተረዲኡ ኣሎ፡ ማለት ኢሳይያስ ሕጂ ክብሪ ክርስቶስ ረኣየ፡ ብዛዕባኡ ድማ ተዛረበ፡ እዚ ድማ መድሓኒና ኣምላኽ ምዃኑ ምሉእ መርኣያ እዩ። ብክርስቶስ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣብ ዝፋን ጸጋ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ብእኡ ድማ ናብ ቅድስተ-ቅዱሳን ዝወስድ መገዲ ተኸፊቱ። ንቤተ-መቕደስ ኣምላኽ፡ ንቤተ-ክርስትያኑ ኣብ ምድሪ፡ ብኽብሩ ዝመልአ ተዓዘብ። ጭራ ኽዳኑ፡ ማለት መእዘዊ ኽዳኑ፡ ንቤተ-መቕደስ፡ ንዅላ ዓለም መላእዋ፡ ከመይሲ ዅሉ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ እዩ። ምስዚ ዅሉ ግን ኣብ ኵሉ ንስሓ ዝነበረ ልቢ ይነብር። በቶም ቅዱሳት ኣገልገልቲ እተሓግዘ መንግስቱ ተዓዘብ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን፡ እቶም ቅዱሳት መላእኽቲ፡ ሴራፊም ተባሂሎም ዝጽውዑ፡ ደው ኢሎም ነበሩ፡ እዚ ቃል እዚ “መናድድ” ማለት እዩ፤ ንሳቶም ብፍቕሪ ንኣምላኽ፡ ብቕንኣት ድማ ንኽብሩ ንሓጢኣት ይነድዱ። እቶም ሴራፊም ገጾም ብጕልጕል ምሽፋኖም፡ ምስጢራዊ ምኽንያታት ምኽሮም፡ መንግስቶም ወይ ተስፋኦም እንተ ዘይተረድኡ እኳ፡ ንዅሉ ትእዛዛት ኣምላኽ ክእዘዙ ድሉዋት ምዃኖም ይገልጽ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG ንጉሡ ዖዝያን በሞተበት ዓመት እግዚአብሔርን በረጅምና ከፍ ባለ ዙፋን ላይ ተቀምጦ አየሁት፥ የልብሱም ዘርፍ መቅደሱን ሞልቶት ነበር። አማርኛ ENGNIV In the year that King Uzziah died, I saw the Lord seated on a throne, high and exalted, and the train of his robe fille… English BCV በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። ትግርኛ GAZBIB Bara Uziyaan mootichi du'e, gooftichi teessoo dheeraa fi ol ka'aa irra taa'ee andaarri uffata isaas mana qulqullummaa g… Afaan Oromoo BCV GIZ ወእምዝ በዓመት በዘ ሞተ ዖዝያን ንጉሥ ርኢክዎ ለእግዚአብሔር እንዘ ይነብር ዲበ መንበሩ ልዑል ወነዋኅ ወምሉእ ቤተ ስብሓቲሁ። giz GAZGAZ Bara Uziyaan mootichi du'e, gooftichi teessoo dheeraa fi ol ka'aa irra taa'ee andaarri uffata isaas mana qulqullummaa g… Afaan Oromoo AMHNIV ንጉሥ ዖዝያን በሞተበት ዓመት እግዚአብሔርን ከፍ ባለና በከበረ ዙፋን ላይ ተቀምጦ አየሁት፤ የልብሱም ዘርፍ ቤተ መቅደሱን ሞልቶት ነበር። አማርኛ SWAHSUV Katika mwaka ule aliokufa mfalme Uzia nalimwona Bwana ameketi katika kiti cha enzi, kilicho juu sana na kuinuliwa sana,… Kiswahili