ትንቢት ኢሳይያስ 65

BCV aksumትግርኛ25 ፍቕድታት4:48 ስማዕ
ስማዕ 4:48 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ንዘይጠየቑኒ ተገለፅኩ፤ ንዘይደለዩኒውን ተረኸብኩ፤ ብስመይ ንዘይተፀውዐ ህዝቢ ኸዓ ‘ኣለኹልካ፥ ኣለኹልካ’ በልክዎ።

2ነቶም ሰናይ ብዘይኮነት መንገዲ፥ ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳብ ዝመላለሱ ኸዳዓት፥ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኹሎም።

3እዞም ህዝቢ እዚኣቶም፥ ኵልሻዕ የቘጥዑኒ፤ ኣብ እንዳ ኣታኽልቲ ይስውኡ፤ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከዓ፥ ዕጣን ይዓጥኑ።

4ኣብ መቓብራት ይቕመጡ፤ ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ይሓድሩ፤ ስጋ ሓሰማ ይበልዑ፤ ቍራዓቶም ብዝረኸሰ መረቕ ዝመልኡ እዮም።

5ንሳቶም፥ ንባዕልኻ ቑም፤ ኣነ ኻባኻ ዝበለፀ ቅዱስ እየሞ፥ ናባይ ኣይትቕረብ ይብሉ፤ እዚኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፥ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም።

6“እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድመይ ተፅሒፉ እዩ፤ ብዝገበርዎ ኽቐፅዖም እየ እምበር፥ ሸለል ኣይብሎምን እየ። ንበደሎም፥ ምስኡውን ንበደል ኣቦታቶም፥ ኣብ ሕቝፎም ክፈድዮም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።

7ኣብ እምባታት ዕጣን ዓጠኑ፤ ኣብ ኰረብታታትውን ንኣይ ፀረፉኒ። ስለዙይ በቲ ዝገበርዎ ኽቐፅዖም፥ ኣብ ሕቝፎምውን ክሰፍረሎም እየ።”

8እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ፍረ ወይኒ ኣብ ዘለላኡ ኽርከብ እንተሎ ‘በረኸት ኣለዎ እሞ፥ ኣይተጥፍእዎ’ ኸም ዝበሃል፥ ኣነውን ምእንቲ እቶም ባሮተይ ኢለ፥ ከምኡ ኽገብር እየ።

9ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።

10ነቶም ዝደልዩኒ ህዝበይ፥ ለሰ ሳሮን መውፈሪ ኣባጊዖም ክኸውን እዩ፤ ለሰ ኣኮር ድማ መዕየሚ ኸፍቲ ክኸውን እዩ።

11“ንስኻትኩም ኣቱም ንኣይ ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፥ ንፅዮን ቅዱስ እምባይ ረሲዕኹም፥ ‘ፅቡቕ ኣጋጣሚ’ ንዝተብሃለ ጣዖት ማእዲ እተቕርቡ፤ ‘ፅቡቕ ዕድል’ ንዝተብሃለ ጣዖት ድማ ወይኒ እትመልኡሉ ግና፥

12ፀዊዐኩም ስለ ዘይመለስኩምለይ፥ ተዛሪበኩምውን ስለ ዘየድመፅኩምኒ፥ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ስለ ዝገበርኩም፥ ነቲ ዘሐጕሰኒ ኸዓ ስለ ዘይመረፅኩም፥ ንሰይፊ መዲበኩም ኣለኹ፤ ኵልኻትኩም ንመሕረዲ ኽትጕንበሱ ኢኹም።

13ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።

14እንሆ፥ ባሮተይ ካብ ሓጐስ ልቢ ዝተልዓለ ዕልል ክብሉ፥ ንስኻትኩም ግና ኻብ ጓሂ ልቢ ዝተልዓለ ኽትግዕሩ፥ መንፈስኩም ስለ ዝተሰብረ ኸዓ፥ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም።

15ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።

16እቲ ኣብ ምድሪ ዝተባረኸ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክባረኽ እዩ፤ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል፥ በቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክምሕል እዩ፤ እቲ ናይ ቀደም መከራ ተረሲዑ፥ ካብ ዓይነይውን ተሰዊሩ እዩሞ።”

17“እንሆ፥ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየሞ፥ እቶም ቀዳሞት ኣይዝከሩን፤ ኣብ ልቢውን ኣይሕሰቡን እዮም።

18እንሆ፥ ኢየሩሳሌም ንሓጐስ፥ ህዝባ ኸዓ ንደስታ ኽፈጥር እየሞ፥ በቲ ኣነ ዝፈጥሮ ተሓጐሱ፤ ንዘለኣለምውን ደስ ይበልኩም።

19ኣነ ድማ ብኢየሩሳሌም ክሕጐስ፥ ብህዝባውን ደስ ክብለኒ እዩ፤ ድሕሪዙይ ኣብኣ ድምፂ ብኽያትን፥ ድምፂ ኣውያትን ኣይስማዕን እዩ።

20ድሕሪዙይ ሓፂር ዝዕድሚኡ ህፃንን ዕድመ ዘይፀገበ ኣረጋዊን፥ ኣብኣተን ኣይርከብን እዩ። ጐበዝ ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ይመውት፤ እቲ ሓጢኣተኛውን ሚእቲ ዓመት ኴንዎ ዝተረገመ ይኸውን።

21ገዛውቲ ኽሰርሑ፥ ክነብሩለንውን እዮም፤ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፥ ፍረኡውን ክበልዑ እዮም።

22ዕድመ ህዝበይ፥ ከም ዕድመ ኦም ነዊሕ ክኸውን፥ ሕሩያተይ ድማ፥ ፃማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፥ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይሰርሑን፤ ካልኦት ፍረኡ ዝበልዕዎ ወይኒ ኸዓ፥ ኣይተኽሉን እዮም።

23ንሳቶምን ደቆምን ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም እሞ፥ ንኸንቱ ኣይፅዕሩን፥ ብድንገት ዝሞቱ ደቂውን ኣይወልዱን እዮም።

24ከምዙይ ክኸውን ድማ እዩ፦ እንተይፀውዑኒ ኽምልሰሎም፥ ገና ዘረባኦም እንትጅምሩ ኽሰምዖም እየ።

25ተዅላን ጠቦት በጊዕን ብሓደ ኽወፍሩ እዮም፤ ኣንበሳ ኸም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፥ ተመን ከዓ ሓመዱ ኽቕለብ እዩ። ኣይጓድኡን እዮም። ኣብቲ ቅዱስ እምባይ ኣይጓድኡን ኣየጠፋፍኡንውን፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

ትርጓሜ

65:1-7 ኣህዛብ ኣምላኽ ክደልዩን ክረኽብዎን መጹ፣ ምኽንያቱ ድማ ቅድም ንሳቶም ብእኡ ተደለዩን ተረኽቡን። መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ዘየስተውዕል ዘላግጽ ወይ ኣባራቕ ተጻባኢ ይረኽቦ፣ ከምኡውን ‘እንሆ ኣነ’ ይብሎ፣ ሽዑውን ቅልጡፍ ለውጢ ይፍጠር። ንብምሉኡ መዓልቲ ወንጌል፣ ክርስቶስ ጸጋኡ ንምሃብ ተጸበየ። ኣይሁድ ተጸውዑ እሞ ግና ክመጹ ኣበዩ። ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ካብ ኣምላኽ ዝተነጽጉ። ዝበዝሐ ዘሐጎሶም ነገር ክገብሩ ምረጹ። ንመንፈስ ቅዱስ ኣሕዘኑዎ፣ ኣጕረምረሙዎ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ረሰዩ፣ ኣብ ኣግራብ ድማ መስዋእቲ ኣቕረቡ። ብወንጌል ቅድሚ ምውሳዱ፣ ንፍልልይ ጽሩይን ርኹስን ስጋ ኣይገደሱን። እዚ ድማ ንዅሉ እተኸልከለ ደስታታት፣ ከምኡውን ብሓጢኣት ይርከብ ተባሂሉ ዚሕሰብ ኵሉ፣ ማለት እቲ እግዚኣብሔር ዚጸልኦ ርኹስ ነገር ንምምላኽ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክርስቶስ ነቲ ናይ ኣይሁድ ትዕቢትን ግብዝናን ብዙሕ ወዮታት ኣወጀ። እቲ ኣብ ልዕሌኦም ዘሎ መርኣያ ንጹር እዩ። ንትዕቢትን ንነብስኻ ቅድሚት ምግባርን ድማ ንጠንቀቕ፣ ኵሉ ሓጢኣት ከምኡውን እቲ ናይ ሰብ ልቢ ዝለዓለ ስውር ሓሳባት ብኣምላኽ ከም ዚፍለጥን ከም ዚፍረድን ድማ ንዘክር።

65:8-10 ኣብቲ ሕጂ ዋጋ ዘይብሉ ዘይበሰለ ዓፍራ ወይኒ፡ ሓድሽ ወይኒ ይርከበሉ። ኣይሁድ ፍሉይ ህዝቢ ኾይኖም ተሓልዮም ኣለዉ፡ ኵሉ’ውን ምእንቲ ፍጻመ ጥንታዊ ትንቢታትን ተስፋታትን ኪምስክር። ሕሩያት እግዚአብሔር፡ እቶም መንፈሳዊ ዘርኢ ያእቆብ እቲ ጸሎተኛ፡ ኣኽራማት ደስታን ሓጐስን ኪወርሱ እዮም፡ ብሸውሃት ንብዓት ኣቢሎም ከኣ ብድሕንነት ናብኡ ኪበጽሑ እዮም። ኵሉ ነገር ንኽብሪ እግዚአብሔር ኣብ ቤዛነት ሓጥኣን ንምግላጽ እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6