ትንቢት ኢሳይያስ 54

BCV aksumትግርኛ17 ፍቕድታት3:19 ስማዕ
ስማዕ 3:19 · መደበኛ ኣብ Biblight ክፈት

1“ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤ ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥ ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤ ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር።

2ስፍራ ድንኳንኪ ኣስፍሒ፤ መጋረጃታት ድንኳንኪ ኣስፊሕኺ ዘርግሒ፤ ፈፂምኪ ኣይትቘጥቢ፤ ኣግማድኪ ኣንውሒ፤ ሽኻላትኪውን ኣፅንዒ።

3ናብ የማነ ፀጋም ክተስፋፍሒ ኢኺሞ፤ ዘርእኺ ንኣህዛብ ክወርሱ እዮም፤ እተን ዝዓነዋ ኸተማታቶም፥ መንበሪ ኽገብረን እዩ።

4“ኣይትሓፍሪን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ፤ ኣይትዋረዲን ኢኺሞ፥ ኣይትሳቐቒ፤ ንሕፍረት ንእስነትኪ ኽትርስዒዮ ኢኺ፤ ፀርፊ ምብልትናኺ ድማ፥ ድሕሪዙይ ኣይትዝክሪን ኢኺ።

5ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩሞ፤ ስሙውን ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ፤ እቲ ተቤዛዊኺ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፤ ንሱ ኣምላኽ ኵላ ምድሪ ይበሃል።

6ከም ዝተንዓቐትን ዝተሓደገትን ሰበይቲ ንእስነት፥ ከምታ ብልቢ ዝሓዘነትን ዝተፀልአትን ሰበይቲ፥ እግዚኣብሄር ክፅውዐኪ እዩ” ይብል ኣምላኽኪ።

7“ንሓፂር ጊዜ ሓደግኩኺ፤ ብዓብዪ ምሕረት መሊሰ ኽእክበኪ እየ።

8ንቑሩብ ጊዜ የመና ስለ ዝተቘጣዕኹ፥ ገፀይ ካባኺ ኸወልኩ፤ ግና ብዘለኣለማዊ ምሕረተይ ክርህርሀልኪ እየ” ይብል እቲ ተቤዛዊኺ እግዚኣብሄር።

9“እዙይ ንኣይ ከምቲ ማይ መሊሱ፥ ንምድሪ ኸየጥለቕልቓ ንኖህ ዝመሓልኩሉ፥ ሕዚ እውን ንኣኺ መሊሰ ኸይቍጥዐኪ፥ ከይግስፀኪውን ምሒለ ኣለኹ።

10እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።

11“ኣቲ ዝተጨነቕኪ፥ ብንፋስ ኣውሎ ዝተናወፅኪ፥ ዘይተፀናናዕኺ፥ እንሆ ብዝኸበሩ ኣእማን ኣመልኪዐ፥ ክሃንፀኪ እየ፤ ብእምኒ ሰንፔርውን ክስርተኪ እየ።

12ንጕልላትኪ ብቐይሕ ዕንቍ፥ ንበርታትኪውን ብዘንፀባርቑ ኣዕናቝ፥ ንቕፅርታትኪውን ብዝኸበሩ ኣእማን ክሰርሖም እየ።”

13“ኵሎም ደቅኺ፥ ብእግዚኣብሄር ዝተምሃሩ ክኾኑ እዮም፤ ሰላም ደቅኺውን ዝዓበየ ክኸውን እዩ።

14ብፅድቂ ኽትህነፂ ኢኺ፤ ካብ ግፍዒ ረሓቒ፤ ዘፍርሐኪውን ኣይህሉን፤ ስምባደ ኣይቐርበክን እዩ፤ ናብ ጥቓኺውን ኣይቐርብን።

15እንሆ ኽእከቡ እዮም፤ ግና ኻባይ ኣይኮነን፤ ኵሎም እቶም ኣብ ልዕሌኺ ዝእከቡ፥ ካባኺ ዝተልዓለ ኽወድቑ እዮም።”

16“እንሆ፥ ብመናፍሕ ነፊሑ፥ ነቲ ሕመት ዘጕህሮ እሞ፥ ኣፅዋር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፤ ነቲ መዕነዊውን ከጥፍእ ኢለ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ።

17ኣንፃርኪ ዝተሰርሐ ዅሉ ኣፅዋር፥ ክኸሽፍ እዩ፤ ነቲ ንፍርዲ ኣብ ልዕሌኺ ንዝለዓል ኣንደበትውን፥ ክትረትዒ ኢኺ። እምበኣር ርስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፤ ፅድቆምውን ካባይ እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።

ትርጓሜ

54:1-5 ቅድሚ ምምጻእ ክርስትና ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለም ዝነበረ ትሑት ኩነታት ሃይማኖት ኣስተብህሉ። ግናኸ፡ ብምስባኽ ወንጌል፡ ብዙሓት ካብ ጣኦታት ናብቲ ህያው ኣምላኽ ተለዊጦም። እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢ ደስታ እዩ። ዶባት ቤተ ክርስቲያን ሰፊሖም። ኣብ ምድሪ ዘለዋ ኩነታት፡ ከም ድንኳን ወይ ማሕደር፡ ትሑትን ዝንቀሳቐስን እኳ እንተኾነ፡ ንግዜኡ ዕብየት ዘርኢ እያ እሞ፡ ስድራ ቤት እናበዝሐት ብዝኸደት መጠን ክትሰፍሕ ኣለዋ። ግናኸ፡ ቤተ ክርስቲያን ክትበዝሕ ብዝኸደት መጠን፡ ካብ ስሕተታትን ብልሽውናታትን ርእሳ ብዝያዳ ከተጽንዕ ኣለዋ።

ፈጣሪኺ፡ ሰብኣይኪ እዩ። ክርስቶስ፡ ቅዱስ እስራኤል፡ እቲ ምስ ናይ ብሉይ ኪዳን ቤተ ክርስቲያን እተገብረ ኪዳን ኣማላዲ እዩ። ንነዊሕ እዋን ኣምላኽ እስራኤል ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ፤ ሕጂ ግና ኣምላኽ ብዘላ ምድሪ ተባሂሉ ክጽዋዕ እዩ። ካብ ሓጢኣት ከንጽህን፡ ንኹሉ ሓቀኛ አማኒ ድማ ኣብዚ ቅዱስ ሓድነት ደስታ ከምጽእ እዩ። ነዚ ምሕረት እዚ ኽንዝንጎ ኣይንኽእልን፡ ወይ ነዚ መሰል እዚ ብግቡእ ክንገምግሞ ኣይንኽእልን።

54:6-10 ከምቲ ኣምላኽ ንቑጠዐኡ ዘንዝሕ፣ ከምኡ ድማ ንምሕረት ቀሊል እዩ። ኣምላኽ መጺኡ ምስ ዘጸናንዖም፣ እቲ ምላሽ ምሕረት ክንደይ ጣዕሚ ዝመልኦ ይኸውን! ርሕራሐ ኺገብረሎም እዩ።

ምሉእ ትርጓሜ ኣንብብ ድምጺ፣ ምሉእ ትርጓሜን ብዘይ መስመር ምንባብን

ትርጉማት8 · 6

AMHEVG አንቺ ያልወለድሽ መካን ሆይ፥ ዘምሪ፤ አንቺ ያላማጥሽ ሆይ፥ እልል በዪ፥ ጩኺም፤ ባል ካላት ይልቅ ፈት የሆነቺቱ ልጆች በዝተዋልና፥ ይላል እግዚአብሔር። አማርኛ ENGNIV “Sing, O barren woman, you who never bore a child; burst into song, shout for joy, you who were never in labor; because… English BCV “ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዘምሪ፤ ኣቲ ፃዕሪ ሕርሲ ዘይትፈልጢ፥ ዕልል በሊ ብሓጐስውን ኣድምፂ፤ ካብታ ሰብኣይ ዘለዋስ፥ ደቂ እታ ፍትሕቲ ኽበዝሑ እዮምሞ” ይብል እግዚኣብሄር። ትግርኛ GAZBIB Waaqayyo,“Dubartii ishee abbaa manaa qabdu caalaa, dubartiin isheen abbaan manaa,“Ijoollee in dhabde” jedhee dhiisee ij… Afaan Oromoo BCV GIZ ትትፌሣሕ መካን እንተ ኢትወልድ ትኬልሕ ወተአወዩ እንተ ኢተሐምም፡ እስመ ብዙኅ ውሉዳ ለመዓስብ እምእንተ ባቲ ምተ፡ እስመ ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር። giz GAZGAZ Waaqayyo,“Dubartii ishee abbaa manaa qabdu caalaa, dubartiin isheen abbaan manaa,“Ijoollee in dhabde” jedhee dhiisee ij… Afaan Oromoo AMHNIV “አንቺ መካን ሴት፤ አንቺ ልጅ ወልደሽ የማታውቂ፤ ዘምሪ፤ እልል በዪ፤ በደስታ ጩኺ፤ አንቺ አምጠሽ የማታውቂ፣ ባል ካላት ሴት ይልቅ፣ የፈቷ ልጆች ይበዛሉና” ይላል እግዚአብሔር። አማርኛ SWAHSUV Imba, wewe uliye tasa, wewe usiyezaa; paza sauti yako kwa kuimba, piga kelele, wewe usiyekuwa na utungu; maana watoto w… Kiswahili